ኣብ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ዞባ ኦሮሞ እንታይ ኣጋጢሙ?

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL MEDIA/FB
ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባ ሰሜን ሸዋን ፍሉይ ዞባ ኦሮሞ ብዝተወልዐ ግጭት ኣብ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት ከም ዝወረደ ነበርቲን ሓደ በዓል ስልጣንን እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ንሳቶም፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ቀበሌ ጀውሃ ኣብ ዝተላዕለ ግጭት ቍጽሮም ዘይተፈልጠ ሰላማውያን ሰባትን ኣካላት ጸጥታን ከም ዝተቐትሉ ሓቢሮም።
ቢቢሲ ቀንዲ ጠንቂ እቲ ግጭት ካብ ናጻ ኣካል ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
እንተዀነ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ፖሊስ ፈደራልን ብዕጡቓት ድሕሪ ምቕታሎም ዝተፈጥረ ምዃኑ ይሕብሩ።
ሹመኛ ፍሉይ ዞባ ኦሮሞን ሓደ ነባርን ብወገኖም ዕጡቓት ኣምሓራ፡ “ሸኔ ኢሎም ንዝጠርጠርዎም ጫት ኣብ ምቕሓም ዝነበሩ 7 ሰላማውያን ሰባት ብምቕታሎም” እዩ ኢሎም።
እቲ ግጭት ኣብ ከባቢታት ሰንበቴን ኣጣየን ድሕሪ ምስፍሕፍሑ፡ ነበርቲ ከባቢኦም ገዲፎም ይወጽኡ ከም ዘለዉ’ዉን ይግለጽ።
ቢቢሲ ኣብ ኣጣየ ኣገልግሎት ቴሌፎን ብምቍራጹ ካብ ሰበ ስልጣንን ነበርትን እቲ ከባቢ ከረጋግጽ'ኳ እንተዘይከኣለ፡ ኣብታ ከተማ ስድራ ኣሎኒ ዝበለት ነባሪት ከተማ ሸዋ ሮቢት ግን ተዅሲ ከም ዘሎን ገዛውቲ ይነዱ ምህላዎምን ከም ዝሰምዐት ሓቢራ።
ንሳ፡ “ተዅሲ ኣሎ፤ ገዛውቲ ይነድድ ኣሎ ኢሎምና። ነበርቲ ድማ ነታ ከተማ ገዲፎም ናብ ጐረባብቲ ቀበሌታት ይወጹ ኣለዉ” ትብል።
ብተወሳኺ፡ “ሎሚ መዓልቲ’ውን ገዛውቲ ይነድድ ኣሎ ኢሎምና። ሸዋሮቢት ሰላም እያ ዘላ፡ ካብ ሸዋሮቢት ወጺእካ ኣብ ዘሎ ማለት ኣብ ጀውሃ ተዅሲ ኣሎ ዝብሉ ኣለዉ። ንሕና ግን ኣይንሰምዕን ዘለና። ገለ ነበርቲ’ውን ካብ ሸዋሮቢት ይወጽኡ ኣለዉ” ኢላ።
ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ደሴ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ደው ከም ዝበለን ክሳብ ሸዋ ሮቢት ጥራይ ምንቅስቓስ ከምዘሎ’ውን እታ ውልቀሰብ ተዛሪባ።
“ናብ ደሴ መጓዓዝያ የለን። ክሳብ ሸዋ ሮቢት እዩ ዘሎ። መንገዲ ስለዝተዓጽወ ኣውቶብሳት ኣይከዳን ዘለዋ። ኣነ ትማሊ እየ ካብ ኣዲስ ኣበባ መጺአ፤ መሕለፊ መገዲ የለን።”
ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ ሸዋሮቢት ንሰላምን ቅሳነትን ክብል ካብ ሰዓት 6:00 ምሸት [12፡00 ብኣቈጻጽራ 'ቲ ከባቢ] ጀሚሩ ኣብ ምንቅስቓስ ሰባትን ተሽከርከርትን ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጁ’ሎ።
ቢቢሲ ካብ ምምሕዳራት እቲ ከባቢ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ዝገበሮ ፈተነታት ኣይሰመረን።
ኣመሓዳሪ ዞባ ኦሮሞ ኣሕመድ ዓሊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሎሚ መዓልቲ ብተዛማዲ ምርግጋእ ከም ዘሎን ተዅሲ ደው ከም ዝበለን ተዛሪቡ።
“ሎሚ [ሰሉስ] እቲ ኵነታት ብተዛማዲ ዝሓሸ እዩ። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ትማሊ ምሸት ናብ ጅሌ ጥሙጋ ከምኡ’ውን ኣብ ሰሜን ሸዋ ናብ ዝርከቡ ከባቢታት ኣትዩ ኣህዲእዎ ኣሎ” ኢሉ።
ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ፣ ኣጣዬን ከባቢኡን ዝተላዕለ ዘይምርጋእ ደው ንምባል ሰራዊት ምክልኻል፣ ፖሊስ ፌደራልን ፍሉይ ፖሊሲ እቲ ክልል ናብቶም ከባቢታት ከም ዝተዋፈሩ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እቲ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ግጭት ደው ከም ዝበለ ዝገለጸ ኣመሓዳሪ፡ “ኣብ ክልተ ከባቢታት’ዩ ጸገም ነይሩ። መሪሕነት ክልቲኦም ዞባታት፡ ዓበይቲ ዓድን ህዝብን ብዝገበርዎ ጻዕሪ ክረጋጋእ ክኢሉ ኣሎ” ክብል ነቲ ናይ ሎሚ ኵነታት ገሊጹ።
ወሲኹ፡ “ጽባሕ ድማ ካብዚ ዝሓሸ ክኸውን ተስፋ ንገብር" ኢሉ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ወረዳ ብዝተፍጸሙ መጥቃዕትታትን ብዝውልዑ ጐንጽታትን ኣብ ሰብን ንብረትን ሰፊሕ ጉድኣት ከም ዝወረደ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







