ሮበርት ደ ኒሮ ኣብ መበል 79 ዓመቱ ሻብዓይ ቈልዓ ወሊዱ

ሮበርት ዲ ኒሮ ክልተ ኦስካር ዝተሸለመ ህቡብ ተዋሳኣይ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሮበርት ዲ ኒሮ ክልተ ኦስካር ዝተሸለመ ህቡብ ተዋሳኣይ’ዩ

ወዲ 79 ዓመት ተዋስኣይ ሆሊዉድ ሮበርት ደ ኒሮ፡ ንመበል ሻብዓይ ግዜ ከም ዝወለደ ኣረጋጊጹ።

ሮበርት፡ ብዛዕባ እታ ኣብ ቀረባ እዋን እትፍኖ ‘ኣባውት ማይ ፋዘር’ (ብዛዕባ ኣቦይ) ዘርእስታ ፊልም ኣመልኪቱ ምስ ኢቲ ካናዳ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት እዩ ነዚ ብስራት ገሊጹ።

እቲ ተዓዋቲ ሽልማት ኦስካር ኣሜሪካዊ ተዋስኣይ ካብ ሰለስተ ኣንስቲ ሽዱሽተ ቈልዑ ወሊዱ እዩ።

ኣብቲ ቃለመሕትት፡ ኣቦ ሽዱሽተ ቈልዑ ብዛዕባ ምዃኑ ምስ ተሓተተ’ዩ፡ "ብርግጽ ሸውዓተ'ዮም... ኣብ ቀረባ ግዜ ወሲኸ’የ" ኢሉ።

እንተዀነ መንነት ኣደ ናይቲ ሻውዓይ ውላዱ ኣይገለጸን።

እዚ ገዲም ተወስኣይ ሆሊዉድ፡ ኣብ ፊልምታት ‘ዘ ጎድፋዘር፡ ካልኣይ ክፋል’ን ኣብ ‘ሬጂንግ ቡል’ን ብዝተጻወቶ ተራ ክልተ ሽልማት ኦስካር ተዓዊቱ እዩ።

ኣብታ ሓዳስ ፊልም ምስ ሰባስቲያን ማኒስካልኮ ኰይኑ ይዋሳእ፤ እታ ፊልም፡ ቅሩብ ዘሕፍር ኣቦኡ ምስ ሕጽይቱን ሃብታማት ስድራቤታን ንዕረፍቲ ብዛዕባ ዝወሰደ ሓደ ሰብኣይ ተዘንቱ።

"ሓሪፍ ኣቦ ኰይነ ዝፈልጥ ኣይመስለንን" ይብል ደ ኒሮ፡ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመኵሮታት ኣቦነት ዝያዳ ሕቶ ምስቀረበሉ።

"ደሓን እየ። ደቀይ ሓደሓደ ግዜ ምሳይ ኣይሰማምዑን፡ ሰብ የኽብሩ እዮም" ክብል ወሲኹ።

"ጓለይ ጓል 11 ዓመት እያ፡ ሓደ-ሓደ ግዜ ክሓዝን ትገብረኒ፡ ኣነ’ውን ምስኣ ይካታዕ፤ ኣዝየ ይፈትዋ ድማ።"

"ሕጂ ድማ ሕሳስ ልደት ስለዝመጸ ተወሳኺ ነገር ክህሉ'ዩ" ኢሉ።

ክልተ ግዜ ሓዳር ዝመስረተ ሮበርት ደ ኒሮ፡ ኣባሓጎ'ውን ኰይኑ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ምስ ደቁ "ብዛዕባ ነገራት ጽኑዕ" ክኸውን ከም ዘለዎ'ኳ እንተገለጸ፡ እንተዘይኽውን ከም ዝመርጽ ግን ተኣሚኑ።

"ማለተይ ምስ ቈልዑ ትሰማምዓሉ መንገዲ የለን። ሕግታት ከንብርን ከገድዶምን ደስ ኣይብለንን። ግን በቃ ኣማራጺ የለን" ብምባል ምስ ደቁ ዘለዎ ርክብ ይገልጽ።

"ኵሎም ወለዲ ዝሰማምዑ ይመስለኒ። ኵሉ ግዜ ንቈልዑ ቅኑዕ ነገር ክትገብርን ረብሓ ጥርጣረ ክትህቦምን ትደሊ፤ ሓደ-ሓደ ግዜ ግን ኣይትኽእልን።"

ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጹ ጸብጻባት፡ ሮበርት ምስ ቲፋኒ ቸን ርክብ ከም ዘለዎ ይሕብሩ። ቲፋኒ፡ መምህር ማርሻል ኣርትስ ከም ዝዀነት ፒፕል ዝተበሃለ ማዕከን ዜና ይሕብር።

ሮበርት ይዅን ቲፋኒ ግን ብዛዕባ ርክቦም ብግልጺ ኣይተዛረቡን።

ምስ ተዋሳኢትን ደራፊትን ዲያን ኣቦት ክልተ ቆልዑ ኣለዎ፤ ሓደ ወዲን ከምኡ'ውን ዲያን ኣቐዲማ ከም ጓላ ክተዕብያ ዝተቐበለታ ሓንቲ ጓልን።

ብተወሳኺ ምስ ቱኪ ስሚዝ ዝተበሃለት ካልእ ተዋሳኢት ማንታ ኣወዳት ወሊዱ’ዩ፤ ምስ ማሕበራዊትን ገበርቲ ሰናይን ግሬስ ሃይታወር ድማ ወድን ጓልን ኣለዎ።