ህያብ በዓል ልደት ሮበርት ደ ኒሮ ‘ክትሰርቕ ዝፈተነት’ ጓል ኣንስተይቲ ተኸሲሳ

ሮበርት ደ ኔሮ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ካብ ትሕቲ ገረብ ልደት ሮበርት ደ ኒሮ ህያባት ክትሰርቕ ፈቲና ተባሂላ ዝተታሕዘት ጓል ኣንስተይቲ ብስርቂ ተኸሲሳ።

ፖሊስ፡ እታ ጓል 30 ዓመት ዝኾነት ሻኒስ ኣቪለስ ትማሊ ሰኑይ ሰዓት ኣብ ትሕቲ መሬት እቲ ኣብ ኣፐር ኢስት ሳይድ ዝርከብ ገዝኡ ክትኣቱ ርእዮም ክከታተልዋ ከም ዝኸኣሉ ገሊጾም።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ድሓር ሰቢራ ከም ዝኣተወት ዝሕብሩ ምልክታት ክረኽቡ ክኢሎም።

ሰበስልጣን፡ ነታ ጓል ኣንስተይቲ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈጸሙ ብዙሕ ናይ ስርቂ ማእሰርቲ ከም ዝፈልጥዋ ይንገር።

እዚ ወዲ 79 ዓመት ተዋሳኣይ ሮበርት ደ ኒሮ፡ ነቲ ዕግርግር ምስ ሰምዐ፡ ናይ ለይቲ ክዳኑ ተኸዲኑ ከም ዝወረደ ኤቢሲ ኒውስ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ሮበርት ደ ኒሮ፡ እቲ ተዋሳኣይ ጽቡቕ ከም ዘሎን፡ ርእይቶ ክህብ ከምዘይደልን ተገሊጹ።

ወሲኹ ድማ እቲ ስርቂ ዝተባህለ ኣብ ሓደ ንግዚኡ ዝተኻረዮ ገዛ ከም ዝተፈጸመ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኒውዮርክ፡ መኮንናት ደድሕሪ እታ ጓል ኣንስተይቲ ናብቲ ኣፓርታማ ከም ዝኣተዉን፡ እታ ገበነኛ እያ ዝተባህለት ኣብ ሳሎን ገለ ህያባት ናብ ቦርሳኣ ከተእቱ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ከም ዝሓዝዋን ገሊጹ።

መኮንናት እቲ ገዛ ናይ ደ ኒሮ ምዃኑ ከም ዘይፈለጡ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እታ ጓል ኣንስተይቲ ክሲ ከም ዝኸፈተን መርመራ ይቕጽል ከም ዘሎን ገሊጹ።

ሮበርት ደ ኒሮ፡ ዝያዳ ብከም በዓል ‘ዘ ጋድ ፋዘር’፡ ‘ታክሲ ድራይቨር’ን 'ጉድ ፌላስ'ን ብዝኣመሰሉ ፊልምታት ዝፍለጥ ኮኾብ ተዋሳኣይ እዩ።

ኣብ መላእ ዓለም ዝተፈላለዩ ሆቴላትን ቤት መግብታትን ከም ዘለዎ’ውን ይግለጽ።

ሮበርት፡ ንነዊሕ እዋን ነቓፊ ናይቲ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫ 2016፡ ንትራምፕ "ዓሻ"ን "ሃገራዊ ሓደጋን" ክብል ዝጸረፈሉ ቪድዮ ዘርጊሑ ነይሩ።

እቲ ብብዙሓት ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ተዋሳእቲ ታሪኽ ኢንዱስትሪ ፊልም ዝቑጸር ደ ኒሮ፡ ኣብ ማንሃታን ተወሊዱ ዝዓበየ እዩ።

ክልተ ሽልማት ኣካዳሚን ጎልደን ግሎብን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ናይ ፊልም ሽልማት ከም ዝተዓወተ ይፍለጥ።

ሮበርት ደ ኒሮ ምስ ካልኦት ተዋሳእቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images