ሬሳ ኣደኣ ብሳንጣ ጠቕሊላ ኣብ ታክሲ ዝገደፈት ኣሜሪካዊት ገበነኛ ከምዝኾነት ኣሚና

ሬሳ ኣደኣ ብሳንጣ ጠቕሊላ ኣብ ታክሲ ዝገደፈት ኣሜሪካዊት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንኣደኣ ቀቲላ ናብ ሳንጣ ብምእታው ተጠርጢራ ዝነበረት ኣሜሪካዊት፡ ገበነኛ ከምዝኾነት ኣሚና።

እቲ ቅትለት ኣብ 2014 [ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን] ኣብ ኢንዶኖዥያዊት ከተማ ባሊ ዝርከብ ሓደ ናይ ሕንቁቛት ማእኸል መዘናግዒ’ዩ ተፈጺሙ።

እቲ ፍጻመ “ቅትለት ሳንጣ ባሊ” ዝብል ሳጓ ዝተውሃቦ ኰይኑ፡ ጓል 27 ዓመት ሄዘር ማክ ምስ ኣደኣ ናብ ባሊ ዝመጽኣሉ ምኽንያት ክዛነያ’ዩ ነይሩ።

ሄዘር እቲ ገበን ምስ ተፈጸመ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ኢንዶኖዥያ ተኸሲሳ ናይ 10 ዓመት ማእሰርቲ ተበይኑላ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ 2021 ግና ካብቲ ቤት-ማእሰርቲ ተፈቲሓ።

ናብ ኣሜሪካ ምስ ተመለሰት ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ኣትያ። ንሓንቲ ኣሜሪካዊት ዜጋ ንምቕታል ሽርሒ ብምስራሕን ፍትሒ ብምትዕንቓፍን ተኸሲሳ ነይራ።

ሄዘር ነቲ ገበን ከም ዝፈጸመቶ ስለ ዝኣመነት ናይ ዓሰርተ ዓመታት ማእሰርቲ ኣብ ቅድሜኣ ኣሎ።

ዓቀብቲ ሕጊ ኣብ ኣሜሪካ ዝተኸሰሰትሉ ገበን፡ ሓደ ሰብ ብተመሳሳሊ ገበን ክልተ ግዘ ክኽሰስ የብሉን ምስ ዝብል ሕጊ እታ ሃገር ዝጻረር ከምዘይኰነ ኣብ ቤት-ፍርዲ ዝተረኸበ ሰነድ ኣመላኺቱ።

ነዚ ከም ሓደ መከላኸሊ ምኽንያት ዘቕረብዎ ድማ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዝተኸሰሰትሉ ጉዳይ ብቅትለት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኣብ ኢንዶኖዥያ ዝተኸሰሰትሉ ጉዳይ ምስ እዚ ዘራኽብ የብሉን ኢሎም።

ሄዘር ፈለማ ኣብ ኣሜሪካ ቀሪቡላ ንዝነበረ ክሲ ኣይወዓልኩዎን ኢላ ነይራ’ያ። ቤት-ፍርዲ ኣሜሪካ ከኣ ምስ እዚ ርእሰ ጉዳይ ተዛሚዱ ኣብ መወዳእታ ሓምለ መጋባእያ ክጅምር ቆጸራ ሂቡ ነይሩ።

ሄዘር ገበነኛ ምዃና ዝኣመነት ምስ ዓቀብቲ ሕጊ ብዝተገበረ ስምምዕነት ኮይኑ ክሳብ 28 ዓመት ማእሰርቲ ክፍረዳ ይኽእል’ዩ።

ጠበቓ ሄዘር ንኒውዮርክ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ዓቀብቲ ሕጊ ፈለማ ነዊሕ ናይ ማእሰርቲ ግዘ ከቕርቡ ሓሳብ ከም ዝነበሮም ተዛሪቡ። ኣብዚ እዋን ምስኣቶም ብዝተፈጠረ ዝሓሸ ምርድዳእ ግና ናይ እምነት ክሕደት ቃላ ክትቅይር ከም ዝገበራ ሓቢሩ።

ሄዘር ኣብ ኢንዶኖዥያ ቀሪቡላ ዝነበረ ክሲ፡ ምስ ሰብኣያ ቶሚ ሼፌራ ተመሻጢራ ንሃብታምን ምህርትን ዝኾነት ኣደኣ ቀቲላ ዝብል እዩ ነይሩ።

እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ካብታ ዝቐተልዋ ሰበይቲ ኣደ ሄዘር፡ 1.5 ሚልዮን ዶላር ንምርካብ ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ዓቃቢ ሕጊ ኢንዶኖዥያ፡ ሄዘር ኣፍ ኣደኣ ዓፊና፡ ሰብኣያ ድማ ብዓሚዩቕ ሸሓነ ደጋጊሙ ኣብ ርእሳ ከምዝወቕዓ ገሊጹ።

ሬሳ ሺላ ኣብ ሓደ ሳንጣ ተጠቕሊሉ’ዩ ተረኺቡ።

ሰብኣይ ናይታ ኣደኣ ዓፊና ዝቐተለት ሄዘር፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኢንዶኖዥያ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ሄዘር ኣብቲ ሽዑ ግዜ ጓል 18 ዓመት መንእሰይን ነብሰ ጾርን እያ ነይራ። ገለ ኣባላት ስድራ ሄዘር እቲ ኣብ ኢንዶኖዥያ ተፈሪድዋ ዝነበረ ማእሰርቲ እኹል ኣይኰነን ዝብል ነቐፌታ ኣቕሪቦም ነይሮም።

እቶም ደያኑ ኢንዶኖዥያ ድማ፡ ኣብቲ ሽዑ ግዘ ሓራስ ብምንባራ’ዩ፡ ቀሊል ቅጽዓት ተፈሪድዋ ኢሎም ነይሮም።

እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ነታ ኣደ ኣብ ሆቴል ውሽጢ ድሕሪ ምቕታሎም፡ ኣብ ሳንጣ ጠቕሊሎም ኣብ ናይ ታክሲ ኣቕሓ መቐመጢ ገዲፎማ ወሪዶም።

መራሒ መኪና ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንፖሊስ ምስ ኣፍለጠ፡ እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ካልእ ሆቴል ዓራት ሒዞም እንከለዉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዮም።