ኣብ ኤርትራ 4.9 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኤርትራ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ትማሊ 14 መጋቢት 4.9 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ጂኤፍዜድ ዝትብሃለ ጀርመናዊ ትካል ሓቢሩ።
እቲ ከባቢ ፍርቂ መዓልትን 50 ደቂቕን ካብ ዒዲ ዝተብሃለት ሓውሲ ከተማ ንሸነኽ ምዕራብ 70 ኪሎሜተር ርሒቑ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 10 ኪሎሜተር ትሕቲ ጽፍሒ ባይታ ከምዘጋጠመን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ጅቡትን የመንን ከምዝተሰመዐ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
እቲ ሓያል ተባሂሉ ክጥቀስ ዝከኣል ምንቅጥቃት ምድሪ፡ ኣብ ከባቢ ኣራዕታ ዝተብላ ካብ ዶብ ኢትዮጵያ 5.3 ኪሎሜተረር ርሒቑ ዝርከብ ቦታ’ዩ ኣጋጢሙ።
ነቲ ምንቅጥቃት መድሪ ዝቐረበት ከተማ ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ትርከብ ሓውሲ ከተማ ዒዲ’ያ።
ኣብታ ሓውሲ ከተማ ሰባት መጠናዊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዝተሰመዖም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እንተኾነ ኣብ ሰብ ይኹን ንብረት ዝሰዓበ ዕንወት እንተሃልዩ ክሳብ ሕጂ ዝተሓበረ ነገር የለን።
ካብቲ ማእከል ምንቅጥቃጥ ምድሪ 349 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ርእሰ ከተማ ጅቡቲ’ውን እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተሰሚዑ ክኸውን ከምዝኽእል እቲ ዝወጽእ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ብዘይካ’ዚ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ኣስመራ፡ ዓዲ ቀይሕ፡ ዓሰብ፡ ደቀምሓረ፡ መንደፈራ፡ ዓዲ ግራት፡ መቐለ፡ ኣኽሱም፡ ሽረ እንዳስላሴማይጨው፡ ዱብቲ፡ ሑደይዳ [የመን]’ውን ብመጠኑ ከምዝተሰመዒ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
ጀርመናዊ ትካል ጂኤፍዜድ ካብታ ካብ ማእከል እቲ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 317 ኪሎሜተር ርሒቃ ትርከብ ርእሰ ከተማ ዞባ ደቡብ ዝኾነት ከተማ መንደፈራ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዝተሰመዖም ሰባት ገምዝገለጹሉ ሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ጸብጻብ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝሓለፈ 13 ዓመታት ካብ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እዚ ናይ ትማሊ ዝሓየለ ኮይኑ ተመዝጊቡ ከምዘሎ ብምግላጽ ኣብ 13 ሰነ 2011 ኣብቲ ካበቢ 5.4 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃት ምድሪ ኣጋጢሙ ምንባሩ ጠቒሱ'ሎ።
ኣብ ኤርትራ ኣብ 2023 ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኤርትራ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ከተማ ምጽዋዕ 39 ኪሜ ንሸነኽ ደቡብ 13 መስከረም 2023 ምሽት ሰዓት 8፡51 ዘጋጠመ ምንቅጥቃጠዕ ምድሪ 5.0 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንባሩን ኣብ 15.2 ኪሜ ዕምቘት ከምዝተበገሰን ጸብጻባት ምርምር ጂኦሎጂ ኣሜሪካ ጠቒሱ።
ብ 1 ነሓሰ 2023 ኣብ ተመሳሳሊ ከባቢ ብፍሉይ ኢራፋይለ ኣብ ዝበሃል ቦታ 5.6 ሬክተር ከምኡ’ውን ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ክሳዕ 4.7 ሬክተር ዝዓቐኖም ተኸታተልቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሞም ምንባሮም ይዝከር።
በቲ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ 5 ኣባይቲ እኳ እንተፈረሰ፡ ኣብ ህይወት ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘይነበረ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣብቲ እዋን ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብ ኤርትራ ብ2 ሓምለ 2023፡ ሰዓት 7፡51 ምሸት፡ 4.2 ዓቐንን ዝነበሮ፡ 10ኪሎሜተር ዕምቈት፡ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ ዝማእከሉ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተኸሲቱ ነይሩ።
ኣብ ግንቦት 2023 እውን፡ 4.7 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ-መሬት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኤርትራ ከም ዘጋጠመ፡ ሚኒስትሪ ጸዓትን መዓድንን ኤርትራ ገሊጹ ከም ዝነበረ ይዝከር።
ስነፍልጠተኛታት ከም ዝገልጹዎ፡ ድሕሪ ከምዚ ዝዓይነቱ ዓቐን፡ ዝዓበየ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክስዕብ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።
ኣብዚ ዞባ’ዚ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ ዝውቱር ምዃኑ እቲ ሓበሬታ የረድእ። ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት፡ ኣብዚ ንገልዓሎ ማእከል ዝገበረ ክሳዕ 300ኪሎሜተር ዝሽፍን ዞባ’ዚ፡ ካብ 4.2ን ልዕሊኡን ሬክተር ዘመዝገበ፡ 39 ግዜ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ ኣጋጢሙ። እዚ ማለት፡ ብገምጋም፡ ኣብ 3 ወርሒ ሓንሳብ የጋጥም ማለት እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







