ኣብ ኢትዮጵያ ብሓይልታት መንግስቲ ዝፍጸም ጭውያ ሰባት ይውስኽ ምህላው ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር እናወሰኸ ከምዝመጸ ዝገለጾ ብዝሒ ግዱድ ጭውያታት ብቕልጡፍ ደው ክብል ጸዊዑ።
ዋና ኮሚሽነር ኢሰመኮ ዶክተር ዳኒኤል በቀለ፡ መንግስቲ ነዚ ዘስካሕክሕ ተግባር ደው ንኽብል ኣድላዪ ግዝያውን ቀዋምን ስጉምትታት ክወስድ ጸዊዑ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ መብዛሕትኡ ብሲቪላውያንን ዩኒፎርም ብዝለበሱን ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ዝፍጸም ምዃኑ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ እዚ ግዱድ ጭውያ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ከም ዘጋጠመ ብምግላጽ፡ ግዳይ ናይዚ ተግባር ዝዀኑ ሰባት ካብ ገዝኦም፡ ካብ ቦታ ስራሖም ወይ ካብ ጎደናታት ከም ዝተሓዙን ብድሕሪኡ ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ከም ዝውሰዱ ኣብሪሁ።
እቲ ኮሚሽን፡ ዝበፅሖ ጥርዓናትን ሓሳባትን መሰረት ዝገበረ ክትትል ከካይድ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ገለ ካብቶም ክስወሩ ዝተገደዱ ድሕሪ ገለ መዓልታት፡ ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ክርከቡ እንከለው፡ ክሳዕ ሕጂ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ምህላዎም ክርዳእ ከም ዝኸኣለ ገሊጹ።
ገለ ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ፡ ብገበን ተጠርጢሮም ከም ዝድለዩ ተነጊርዎም፡ ናብ መደበር ፖሊስ ምስ ተወሰዱ ክጠፍኡ ከለዉ፡ ገለ ድማ ዋላ ሓንቲ ከይተነግሮም ብሓይልታት ጸጥታ ብሓይሊ ከም ዝተወሰዱ ሓቢሩ።
ዶክተር ዳኒኤል በቀለ "ኩሎም ሃለዋቶም ዝጠፍአ ሰባት ብቕልጡፍ ክፍትሑ፡ ተሰዊሮም ከለዉ ኣብ ዝተፈጸሙ ተግባራት ተሓታትነት ንምርግጋጽ ምሉእ መርመራ ክግበር ኣለዎ፡ ከምኡ'ውን ክብደት ናይቲ ጸገም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ግዳያት ናይቲ ተግባር ንምርካብን ፍትሒ ንምርግጋጽን ሃገራዊ ነጻ ናይ መርመራ ሓይሊ ክቐውም ይግባእ" ኢሉ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ጋዜጠኛታት፡ ፖለቲከኛታትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብሰፊሑ ከም ዝተሰወሩ ክግለጽን ስድራቤትን ፈተውትን ዝጠፍኡ ሰባት ንምርካብ ክጽዕሩን ምርኣይ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ።
ብመንን ናበይን ከም ዝተወስዱ ስለዘይፍለጥ፡ እቶም ዝጠፍኡ ሰባት ንመዓልትታት፡ ሰሙናትን ኣዋርሕን ምስ ስድርኦም ከይተራኸቡ ድሕሪ ምጽንሖም ከም ዝተፈትሑ ክስማዕ ጸኒሑ’ዩ።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ዝተታሕዙ ሰባት፡ ኣበይ ከም ዝነበሩ ከም ዘይፈልጡን ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ከም ዝተኣሰሩን ይገልጹ። ኣብ ልዕሊኦም ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ’ውን ኣብ ማህበራዊ መራኸቢታት ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።
ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ነዚ ናይ ግዱድ ጭውያ ተግባር ደው ከብሎን ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲ ተግባር ዝፍጽሙ ድማ ስጉምቲ ክወስድን ሓቲቱ ኣሎ።
ዋና ኮሚሽነር ዶክተር ዳኒኤል ወሲኹ "እዚ ገበን ብኣድማዒ መንገዲ ንምክልኻል ንምሕጋዝ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ኩሉ ህዝቢ ካብ ግዱድ ጭውያ ንምክልኻል ዝዓለመ ኣህጉራዊ ስምምዕ ብቕልጡፍ ክትቅበሎን ከተጽድቖን ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







