ዩክረይን ናብ ኣፍሪቃ እትልእኾ እኽሊ ክትክእ'የ – ሩስያ

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ሩስያ ካብ ዩክረይን ናብ ኣፍሪቃ ዝለኣኽ እኽሊ ክትትክእ ዓቕሚ ከም ዘለዋ ገሊጹ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙን ሩስያ፡ እቲ እኽሊ ዝጸዓና መራኽብ ብጸሊም ባሕሪ ኣቢለን ብውሑስ ክሓልፋ ዘኽእለን ስምምዕ ከም ዘይትሕድስ ምግላጻ ዝዝከር እዩ።

ሎሚ 24 ሓምለ 2023 ዝወጸ መግለጺ ክረምሊን፡ እታ ሃገር እኽሊ ብንግዳውን ብነጻን ክትቕርብ ከም እትኽእል’ዩ ዘመልክት።

ኣብ 2022 ክሳዕ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ሩስያ ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ኣቕረብቲ ስርናይ ናብ ኣፍሪቃ ነይራ - 10.8 ሚልዮን ቶን ድማ ሰደድ ገይራ እያ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዩክረይን ናብታ ኣህጉር ዝሰደደቶ እኽሊ 6.3 ሚልዮን ቶን እዩ ነይሩ።

ፑቲን፡ ሃገሩ ኣብዚ ዓመት ቅድሚ ሕጂ ዘይተረኣየ ቀውዒ ከጋጥማ ትጽቢት ከም ዘሎ ገሊጹ።

ሩስያ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ካልኣይ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን ከተአንግድ እያ።

እቲ እኽሊ ዝጸዓና መራኽብ ብጸሊም ባሕሪ ኣቢለን ብውሑስ ክሓልፋ ዘኽእለን ስምምዕ ምዝዛሙ ስዒቡ፡ ፍሉይ ወሰኽ ዋጋ ክርአ እንከሎ፡ ብሰንኪ እዚ ድማ ብፍላይ ሃገራት ኣፍሪቃ ተሃስየን እየን።

ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን፡ እቲ ስምምዕ ብምዝዛሙ ቕሬታኡ ገሊጹ እዩ።

ሩስያ ንቐጠርን ቱርኪን ዘሳትፍ ውጥን ተጠቒማ እኽሊ ንምቕራብ ትዳለው ከም ዘላ ጸብጻባት ይሕብሩ፤ እተን ሃገራት ነቲ ውጥን ተቐቢለን ድየን ኣይተቐበላን ግን ንጹር ኣይኰነን።

ካብ 27–28 ሓምለ ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ ዝካየድ ካልኣይ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን፡ ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት፡ ሰብ ሃብቲን ምሁራትን ዘራኽብ ከም ዝኸውን እቲ ካብ ክሪምሊን ዝወጸ መግለጺ ይሕብር።

“ኣብ መንጎ ሃገርናን ኣፍሪቃን ዘሎ ናይ ሽርክነት ዝምድና ድልዱል፡ ዓሚቝን ሱር ዘለዎን ኰይኑ ወትሩ ብርግኣት፡ ምትእምማንን ሰናይ ድሌትን ይፍለጥ፡” ይብል።

ካብ መግዛእታዊ ወጽዓ ሓራ ንምውጻእ ኣብ ዝተገብረ ቃልሲ፡ ሩስያ ብቐጻሊ ኣብ ጎኒ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዝተሰለፈት’ውን ይሕብር።

ቀጻሊ ቀረብ መግቢ ንማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለን ፖለቲካዊ ምርግጋእን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሩስያ ምስ ናብ ሃገራት ኣፍሪካ ዝለኣኹ ቀረብ ስርናይ፡ ስገም፡ ዕፉንን ካልኦት ኣእኻልን ንዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ዓብዪ ቆላሕታ ከም እትህብ የመልክት።

ሩስያ ቅድመ ኵነታት ዘይምምላኦም ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ “ውዕል እኽሊ” ነቲ መበገሲ ሰብኣዊ ዕላማኡ ከገልግል ኣይከኣለን ብምባል ክተቋርጾ ምውሳና ዝዝከር እዩ።

ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነበረ “እገዳ ብዘየገድስ” እኽሊ፡ ፍርያት መግቢ፡ መዳበርያን ካልኦት ቀረባትን “ናብ ኣፍሪቃ ንምቕራብ እትገብሮ ብርቱዕ ፃዕሪ” ከም እትቅፅል እቲ መግለጺ የረጋግጽ።