እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዝሙት ዝተኸሰሱ ዝርከብዎም 12 ሰባት ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ ተገሪፎም- ጣሊባን
ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 12 ሰባት፡ ኣሽሓት ህዝቢ ኣብ ዝተረኸቡሉ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ከምዝተገረፉ ተገሊጹ፡፡
ሓደ በዓል ስልጣን ጣሊባን ንቢቢሲ ከምዝገለጾ እቶም ውልቀ ሰባት ዝሙት፣ ስርቂ፣ ወሲብ ምስ ተመሳሳሊ ጾታን ብዝርከቡዎም ‘‘ገበናት ስነ ምግባር’’ ጥፍኣተኛ ዝተባህሉ እዮም፡፡
እቲ እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብመግረፍቲ ክቐጽዕ፡ ኣብዚ ወርሒ ንካልኣይ ግዘ ከምዝኾነ እዩ ዝእመን፡፡
እቲ ስጉምቲ፡ ጣሊባን ናብቲ ኣብ 90ታት ዝነበሮ ጽኑዕ ኣገዛዝኣ ይምለስ ምህላዉ ምልክት ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ፡፡
ኣብታ መግረፍቲ ዝተፈጸመላ ግዝኣት ሎጋር፡ ወሃቢ ቃል ጣሊባን ዝኾነ ዑመር መንሱር ሙጃሂድ፡ እተን ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ እቲ መግረፍቲ ነጻ ከምዝተለቐቓ ገሊጹ፡፡ ገለ ካብቶም ደቂ ተባዕትዮ ግን ተኣሲሮም ምንባሮም እኳ እንተገለጸ ብዝሖም ኣየነጸረን።
እቶም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ነፍሲ ወከፎም፡ ካብ 21 ክሳብ 39 በትሪ እዮም ተገሪፎም፡፡
ሓደ ሰብ ክፍረዶ ዝኽእል ዝለዓለ መግረፍቲ፡ 39 ከምዝኾነ ካልእ በዓል መዚ ጣሊባን ተዛሪቡ፡፡
ኣብ ግዝኣት ታክሃር እውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 19 ሰባት ብተመሳሳሊ ብመግረፍቲ ከምዝተቐጽዑ ጸብጻባት ሓቢሮም፡፡
ላዕለዋይ መራሒ ጣሊባን ሂባቱላህ ኣኩንዳዛ፡ ኣብያተ ፍርዲ ንገለ ገበናት፡ ብመሰረት ሸሪዓ ፍርዲ ክህቡ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ምእዛዙ ስዒቡ እዩ እቲ ናይ ግዝኣት ሎጋር መግረፍቲ ተፈጺሙ ዘሎ፡፡
ዋላኳ ሰብ መዚ ጣሊባን ነየናይ ገበን እንታይ መቕጻዕቲ ዝብል እንተዘየነጸሩ፡ ትርጉም ናይቲ እስላማዊ ሕጊ ግን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብሞት ምቕጻዕ፣ ኣካላት ምቑራጽን ብእምኒ ምቕጥቃጥን ዘጠቓልል እዩ፡፡
ትእዛዝ እቲ መራሒ፡ ጣሊባን መሰላትን ናጽነትን ዝዕፍኑ ከቢድቲ መርገጺታ ይወስድ ምህላዉ ዘመልክት ናይ ቀረባ ምዕባለ እዩ፡፡
ሰብመዚ ጣሊባን ካብ 1996 ክሳብ 2001 ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበሩሉ፡ ኣብ ሃገራዊ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ካቡል ቀጻሊ መቕጻዕትታት መግረፍትን ቅትለትን ብምፍጻም ይውቀሱ ነይሮም፡፡
እቶም ሰብ መዚ ድሕሪ 20 ዓመት፡ ናብ ስልጣን ኣብ ዝተመለሱሉ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ከቢድ ጸቕጢ ከምዘይደግምዎኳ ቃል ኣትዮም እንተነበሩ፡ ሕዚ እውን መሰላት ደቂ አንስትዮ ብኸቢድ ተገዲቡ እዩ ዘሎ፡፡ መሰለን ክኽበር ዝሓተታ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እውን ተገሪፈን እየን፡፡