ሰብ ዝመስሉ ሮቦት ንምምዕባል ዝግበር ዘሎ ቅድድም

ንወዲ ሰብ ዝትክእ 'ሮቦት' ደዀን ይመፅእ ዝብል ስግኣት፡ ንብዙሓት ቅሳነት ዝህብ ኣይኰነን።

እንተዀነ፡ እቲ ዝፍራሕ ኣይተርፍን ዝመስል፣ እዚ ቴክኖሎጂ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናዓዘዘ መፂኡ ኣሎ።

ዩኒትሪ፡ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዘለዋ ዓሰርተታት ኩባንያታት ሰብኣዊ መልክዕ ዘለዎም ሮቦታት ዘማዕብሉ ትካላት ሓንቲ እያ።

እቲ ዓቕሚ፡ ገና ዘይተተንከፈ ዓቢይ ምዃኑ እቲ ኩባንያ ይኣምን።

ብውሕዱ ንበዓላት ወይ ወሰኽ ደሞዝ ዘይሓትት ሓይሊ-ስራሕ ከፍሪ ይኽእል እዩ።

ናይ መወዳእታ ናይ ገዛ ተለኣኣኺ (መሳርሒ) እውን ክኸውን ይኽእል።

ደሓር ከኣ መን ኣሎ ድዩ፡ ሳእኑን ኣቝሑት ገዝኡን ሓፃፂቡን ኣፃርዩን፡ ኣሰናዲኡ ዘቐምጠሉ ዝፀልእ?

እቲ ቴክኖሎጂ ግን ገና ዝተርፎ ኣሎ። ተንቀሳቓሲ ሮቦታትን ኣብ ፋብሪካታትን መኽዘናትን ክዓዩ ንዓሰርተታት ዓመታት ልሙድ እኳ እንተዀነ፡ ኣብተን ናይ ስራሕ ቦታታት ዘሎ ኵነታት ክቈፃፀርን ሰራሕተኛታት ውሑስ ክዀኑን ጠለባት ኣሎ።

ንኣብነት፡ ንሓደ ሰብ ዝመስል ሮቦት፡ ኣብ ከም ቤት መግቢ ወይ ገዛ ምትእትታው፡ ብዙሕ ዘይግመት ሃዋህው ወይ ድማ ኣዝዩ ዝኸበደ ፀገም ከስዕብ ይኽእል እዩ።

ጠቐምቲ ሰብ ዝመስሉ ሮቦታት ሓያላት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።

እዚ ግን ሓደገኛታት ክዀኑ ዝኽእሉ እውን ይገብሮም። ኣብ ዘይግቡእ ግዜን ቦታን እንተ ውዒሎም ሓደገኛታት ክዀኑ`ውን ይኽእሉ እዮም።

ስለዚ፡ ኣብቲ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ማሽን ዝቈፃፀር ኪነታዊ-ብልሒ ብዙሕ ስራሕ ይተርፎ እዩ።

ወሃቢ ቃል ዩኒትሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኪነታዊ-ብልሒ ገና ኣብ ዓቢይ ብርኪ በፂሑ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን፡" ኢሉ።

"እቲ ሎሚ ዘሎ ኪንታዊ-ብልሒ ሮቦት፡ መሰረታዊ ምኽንያታውነት ንምርዳእን ንዝተሓላለኹ ዕማማት ብስነ-መጎታዊ መንገዲ ንምፍፃምን - ብድሆ ኰይኑ ረኺቡዎ ኣሎ፡" ይብል።

ኣብዚ እዋን እዚ G1 ናቶም ኣብ ትካላት ምርምርን ናይ ቴክኖሎጂ ኩባንያታትን ዕዳጋ ይቐርብ፣ ንሳቶም ድማ ንልምዓት ክፉት ምንጪ ሶፍትዌር ዩኒትሪ ክጥቀሙ ይኽእሉ።

ኤሎን ማስክን ስነ-ሮቦትን

ንግዚኡ፡ ሰብ ሃብቲ፡ ሰብ ዝመስሉ ሮቦታት ንመኽዘናትን ፋብሪካታትን ኣተኲሮም ይሰርሑ ኣለዉ።

ካብዚኦም ሓደ ስሙ ዓው ኢልካ ዝፅራሕ ኤሎን ማስክ እዩ።

ትካል መኪንኡ ቴስላ፡ ኦፕቲመስ ዝበሃል ሰብ ዝመስል ሮቦት ይሰርሕ ኣሎ። ኣብ ጥሪ ኣብዚ ዓመት፡ "ሓያሎ ኣሽሓት፡ ክህነፁ ምዃኖምን ኣብ ፋብሪካታት ተስላ "ጠቐምቲ ነገራት" ክሰርሑ ትፅቢት ከም ዘለዎን ገሊፁ።

ካልኦት ሰራሕቲ መካይን እውን ተመሳሳሊ መንገዲ ይኽተሉ ኣለዉ።

ቢኤምድብዩ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሓደ ፋብሪካ ኣመሪካ ሰብ ዝመስሉ ሮቦታት ኣተኣታትዩ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ደቡብ ኮርያዊ ትካል መካይን ሁንዳይ፡ ካብቲ ኣብ 2021 ዝዓደጎ ትካል ሮቦት ቦስተን ዳይናሚክስ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሮቦታት ኣዚዙ።

መስራቲ ትካል መፅናዕቲ -STIQ፡ ቶማስ ኣንደርሰን፡ ን49 ሰብኣዊ ሮቦታት ዘማዕብሉ ኩባንያታት ይከታተል፤ ኵለን ክልተ ኢድን እግርን ዘለወን።

ነቲ ትርጉም ናብ ክልተ ቅልፅም ዘለዎም ሮቦታት እንተ ኣስፊሕካዮ፡ ግን ከኣ ንነብሶም ኣብ መንኰርኰር ዝንቀሳቐሱ፡ ሽዑ ንልዕሊ 100 ትካላት ይርኢ።

ሚስተር ኣንደርሰን፡ ቻይናውያን ኩባንያታት ነቲ ዕዳጋ ክዕብልለኦ ተኽእሎ ከም ዘሎ ይሓስብ።

"ኣብ ቻይና ዓቢይ ምንጪ ቀረብን ምሉእ-ባይታን እዩ ዘሎ።ምዕባለታት ምርምርን ምዕባለን ድማ ብሓቂ ቀሊል'ዩ፡" ይብል።

ዩኒትሪ ነዚ ብልጫ እዚ የጕልሖ፤

G1 እታ ዝነኣሰት ሮቦት ኰይና፡ እቲ ዝተተመነ ዋጋ $16,000 ጥራሕ እዩ።

ከምኡ'ውን፡ እቲ ወፍሪ ንሃገራት እስያ ዝምችእ ምዃኑ ሚስተር ኣንደርሰን ይሕብር።

እቲ ትካል መፅናዕቲ-STIQ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፡ ዳርጋ 60 ሚእታዊት ካብ ኵሉ ንሰብ ዝመስሉ ሮቦታት ዝወሃብ ምወላ ኣብ እስያ እዩ ዘሎ።

ኣመሪካ ድማ ዝበዝሑ ካብቲ ዝተረፈ ትወስድ።

ቻይናውያን ኩባንያታት ካብ ሃገራውን ከባብያውን መንግስቲ ዝረኽቡዎ ደገፍ ተወሳኺ ብልጫ ይፈጥረሎም እዩ።

ንኣብነት፡ ኣብ ሻንጋይ ብመንግስቲ ዝድገፍ ንሮቦታት ዝኸውን ስልጠና ዝህብ ትካል ኣሎ። ኣብኡ ድማ ዓሰርተታት ሰብ ዝመስሉ ሮቦታት ዕማማት ምፍፃም ይመሃሩ ኣለዉ።

ሰራሕቲ ሮቦት ኣመሪካን ኤውሮጳንከ?

ኣብ ብሪስቶል ዝመደበሩ ብሬን ፒርስ ሰለስተ ኩባንያታት ሮቦቲክስ ዝመስረተ ኰይኑ፡ እቲ ዳሕረዋይ ዝዀነ ኪኒሲ ድማ ንሮቦት KR1 ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣቕሪቡ ኣሎ።

እቲ ሮቦት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተነድፈን ዝማዕበለን ክኸውን ከሎ፡ ኣብ እስያ እዩ ክፈሪ።

"እቲ ከም ኤውሮጳዊ ወይ ኣመሪካዊ ኩባንያ ምዃኑ ፀገሙ፡ እዚ ኵሉ ንኡሳን ኣካላት [እተዋተት] ብመጀመርታ ካብ ቻይና ክትገዝእ ኣለካ።"

ሚስተር ፒርስ ኣብ እስያ ሮቦታቱ ካብ ምስራሕ ሓሊፉ፡ ምሉእ ሰብ ዝመስል መልክዕ ብዘይምህላዎም፡ ወፃኢታት ምፍራይ ትሑት ይገብር ኣሎ።

ንመኽዘናትን ፋብሪካታትን ዝተዳለወት KR1፡ እግሪ የብላን።

"ፍልስፍናይ፡ ብዝተኻእለካ መጠን ብዙሕ ነገራት [ኣካላት እቲ ሮቦት] ካብ ዕዳጋ ምግዛእ'ዩ፡" ይብል።

ሚስተር ፒርስ ልክዕ ከምቶም ኣብ ዩኒትሪ ዝነበሩ መወዳድርቱ፡ እቲ ሓቀኛ "ምስጢር" እቲ ሮቦት ምስ ደቂ ሰባት ክሰርሕ ዘኽእሎ ሶፍትዌር ምዃኑ ይዛረብ።

"ብዙሓት ኩባንያታት ኣዝዮም ላዕለዎት ቴክኖሎጂ ዘለዎም ሮቦታት ሒዘን ይወፃ፡ ድሕሪኡ ግን ብጭቡጥ ክትተኽሎን ክትጥቀመሉን ክትክእል ብሮቦቲክስ ፒኤችዲ ምሩቕ ከድልየካ እዩ።"

ንሱ፡ KR1 ብሰብ 20 ወይ 30 ግዜ ድሕሪ ምምራሕ ሓደ ዕማም ክፍፅም ከም ዝኽእል ይዛረብ።

KR1 ኣብዚ ዓመት ንፈተነ ዓማዊል ክወሃብ እዩ።

ስለዚ ሮቦታት ናብ ገዛ ክኣትዉ ድዮም?

እቲ ተስፋ ዘለዎ ሚስተር ፒርስ ከይተረፈ ነዊሕ መንገዲ ከም ዘሎ ይዛረብ።

"ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ናይ ነዊሕ ግዜ ሕልመይ፡ እቲ ኵሉ ነገር ዝሰርሕ ሮቦት ምህናፅ'ዩ ነይሩ። እዚ'ዩ እቲ ናይ ፒኤችዲ ስራሐይ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ንሱ'ዩ ዝመስለኒ፡ ግን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ዕማም'ዩ፡" ይብል ሚስተር ፒርስ።

"ሕጂ'ውን ኣብ መወዳእታ ኣይተርፍን ዝብል ግምት ኣለኒ፣ እንተዀነ፡ እንተ ወሓደ ካብ 10 ክሳዕ 15 ዓመት ክንፅበ ዘለና ይመስለኒ።"