ሕልምኻ ንምፍጻም ከቢድ ዋጋ ዘኽፍል ናብራ ስደት

ኣብ ከባቢ መንደፈራ ተወሊዳ ዝዓበየት፡ ኣባል 24 ዙር ኣስመረት ክፍለ፡ ኣብ መስከረም 2014 ንሱዳን ተሰዲዳ።

ዋላ’ኳ ጸገም ስንክልና እንተነበራ ኣብ ሱዳን ክሳብ መዓስ ክጽበ ካብ ዝብል መንፈስ ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ ብምድረ በዳ ሰሃራ ንሊብያ ነቒላ።

ኣብቲ ጕዕዞ’ቲ፡ ብሰንኪ ጽምኢ ማይን ሸፋቱ ሰሃራን ነጋዶ ብዙሓት ስደተኛታት ኣደዳ ሞትን ስቓይን ከም ዝዀኑ፤ ሓያሎ ካልኦት እውን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱን ዝጠፍኡን ከምዘለው ሰሚዓ እያ።

እንተዀነ ካልእ ምርጫ ስለዘይነበራ፡ ዕድላን ፈጣሪኣን ሒዛ ንጕዕዞ ሰሃራን ባሕርን ከምዝኣተወቶ ትዛረብ።

ድሕሪ ናይ ሰለስተ ወርሒ ጭንቀትን ሻቕሎትን ከኣ ምስቶም ዕድል ዝገበሩ ኢጣልያ ኣተወት።

“ናብ ኣውሮጳ፡ ካናዳ ወይ ኣሜርካ እንተሰጊረ ክሓልፈለይ እዩ ስለእትብል ነቲ ከቢድ መገዲ ነታ መተካእታ ዘይብላ ህይወትካ ወፊኻ ኢኻ ትኣትዎ። ነቲ እትሓልሞ ብሉጽ ነገር ክትረክብ ክቡር ዋጋ ከፊልካ ትመጣጠሮ” ትብል።

ብፍላይ እቲ ዝተጓዕዘትሉ እዋን፡ ኣብ ርእሲ እቲ ባህሪያዊ ተጻብኦ ምድረ በዳን ማዕበል ባሕርን እስላማዊ መንግስቲ ክምስርቱ ዝሕልኑ ብዳዕሽ ዝጽውዑ ኣኽረርቲ ንሰባት ዝሓርድሉ እዋን እዩ ነይሩ።

ኣብ ሰሃራ መካይን ተበላሽየናኦም ብጽምኢ ማይ ናይ ዝሞቱን ኣብ ባሕሪ ብሓደጋ ማዕበል ናይ ዝጠሓሉን ስደተኛታት ዛንታ ብዙሕ እዩ ነይሩ።

ኣብ ርእሲኡ ነጋዶ ደቂ ሰባት ንስደተኛታት ጨውዮም “ገንዘብ ሓውሉ” እናበሉ ብዅርማጅን ብዝመክኽ ፕላስቲክ እንግድዓ ሰባት ከምዝልብልቡ ግኑን ዜና እዩ ነይሩ።

ይዅን እምበር ኣስመረት ኮነ መጓዕዝታ ኵሎም ነቲ ሽግርን ሓደጋን እውን እናፈለጡ ምርጫታት ስለዝጸበቦም ጸጽቡቝ እናሓሰቡን እናሓለሙን ዕድሎም ክርእዩ ነቲ ጕዕዞ ኣትዮሞ።

እቶም ዕድል ዝገበሩ ሸቐልቀል ስደት ሰጊሮም ኣብ ምድረ ሰላም ክኣትው እንከለው ሓያሎ ካልኦት ግን ኣብ ጕዕዞ ተሪፎም። ኣስመረት ከኣ ዕድል ገይራ ካብ ኢጣልያ ናብ ጀርመን ሰጊራ ዑቕባ ሓተተት።

እንተዀነ ስደት እቲ ጕዕዞኡ ጥራሕ ኣይኮነን ከቢድ፤ ስርዓት ናይቲ እትኣትዎ ሃገር ክሳብ እትፈልጦን እትላመዶን ክብድብድ ይብለካ።

“ንሓንሳብ ንስደት ምምጻእካ ዘጣዕሰካ እዋን ኣሎ። እንተዀነ ከምቲ ‘ኣደኻ ከም ዝለኣኸትካ ዘይኮነስ ዕዳጋ ከምዝጸንሓካ’ዩ’ ዝበሃል፡ ኣብ ጀርመን ትጽቢትን ክውንነትን በበይነን እየን ጸኒሐናኒ” ትብል ኣስመረት። ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ክሊማን ኣተዓባብያ ቈልዑትን ኵሉ ነገር ካብቲ ዝዓበየትሉን እትፈልጦን ሃገር ፍሉይን በዳህን ምዃኑ ትሕብር።

ልክዕ ከም ኣስመረት ዝበለቶ ስደት መሪር ምዃኑ ብዛዕባ ስደትን ስደተኛታትን ኣብ ዝገልጽ ጽሑፋት ስኑድ እዩ።

እቲ ከምኡ ዝኣመሰለ ጸገማት ነቲ ስደት በዳሂ'ኳ እንተገበሮ ብዝተፈለላየ ምኽንያት ሃገሮም ገዲፎም እተሰዱ ሰባት ፈትዮም ጸሊኦም ምስቲ ዝኣተዉዎ ባህልን ኣነባብራን ክለማመዱ ግድን ይኸውን።

ዳርጋ ኵሉ ዕለታዊ ህይወት እንተላይ እቲ ንሕቶ ዑቕባን ጉዳይ ቤት ፍርድን ዝምልከት ብደብዳበ ስለዝካየድ ኣስመረት ዘረዳድኣ ቋንቋ ክሳብ እተዋህልልን እትመልኽን ከም ማንም ስደተኛ፡ “ሓግዙኒ፡ ግበሩለይ፡ ተርጕሙለይ” ክትብል ግድን እዩ ነይሩ።

እቲ ብመንግስቲ ጀርመን ብቛንቋ ትግርኛ ተተርጕሙ ዝወሃብ ሓበሬታ እውን ነቲ ባህልን ሲይስተምን ብዕምቈት ዝፈልጥ ሰብ ከረድኦም እንተዘይክኢሉ ይሽገሩ እዮም።

ሓደ ሓደ ካብቶም ብዓቕሞም ንስደተኛታት ክሕግዙ ዝፍትኑ ኣብያተ እምነታት እውን ዓቕሞም ይገብሩ እዮም።

ግን ኵሉ ናይ ወለንታ ስራሕ ስለዝዀነ ከምቲ እትደልዮ ከምዘይከውን፡ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ሰኣን ቅኑዕ ኣተረጓጕማን ሓገዝን ህይወት ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ጸገም ከምዝኣተወ ትዛረብ ኣስመረት።

ስደት ብፍላይ ንጓል ኣንስተይቲ ከቢድ እዩ። ዝዀነት ጓል ኣንስተይቲ ተማሂራ ዓቕመ ኣዳም ምስ በጽሐት ናተይ ትብሎ ማሙቕ ሓዳር መስሪታ ክትነብር እያ ትደሊ።

ሓያሎ ደቀንስትዮ ግን ብሰንኪ ጾር ስድራ ቤትን ሸኸምን ክሳብ ናይ ምውላድ ዕድመአን ዝሓልፍ ኣብ ገልጠምጠምን ላዕልን ታሕትን ከምዘሕልፋኦን ምስ ምንዋሕ ግዜ ጣዕሳ ከምዝስመዐንን ትዛረብ።

ብተወሳኺ ብፍላይ ኣብ ስደት እተን ኣደታት ንደቀን ልክዕ ከምቲ ስድራአን ዘዕበዩወን ከዕብያኦም ይደልያ'ሞ እቲ ሲይስተም ስለዘየፍቕደለን ይጽገማ።

ኣብ ዓዲ ንሓንቲ ጽግምቲ ኣደ፡ ሓማታ፡ ኣደኣ፡ ጐረባብታ ይሕግዙዋ እዮም። ኣብ ስደት ግን እቲ ዕድል ጸቢብ እዩ። ስለዝዀነ ቈልዑ ምዕባይ ኮነ ምስ ሕጽረት ቋንቋ ኣብ ትምህርቶም ክትሕግዞም ዓቢ ብድሆ እዩ።

ብፍላይ እቶም ኣብ ወጻኢ ተወሊዶም ዝዓብዩ፡ ወይ'ውን ብንኣሽቱኦም መጺኦም ኣብተን ዝስደዱለን ሃገራት ትምህርቶም ዝጅምሩ ቈልዑ ምስቶም ደቂ ዓዲ ስለዝመሃሩ ብዅለንትናኦም ካብ ንዓኻ ነቲ ዓድን ሲይስተምን ስለዝቐርቡ ንኽትራዳዳእ እውን ከቢድ እዩ።

“እቶም ደቂ ዓዲ ኵሉ ነገሮም ብምዝርራብ እዩ ዝውዳእ። ናትና ድማ ዓው ዓው ንብል ንቃጻዕ። እቶም ቈልዑ ንመማህራኖም እንተነጊሮሞም ከኣ ኣዚዩ ኣሸጋሪ እዩ። ብሓፈሻ ደቅኻ'ውን ብመልክዕ እንተ ዘይኰይኑ ብባህርን ኣካይዳን ዳርጋ ኣይትራኸብን ኢኻ ካብ ናባና ናብቶም ጸዓዱ ይቐርቡ፡” ትብል ንኽብደት ናይቲ ስርዓተ ናብራ እንከተረድእ።

ከም ሳዕቤኑ ብዙሓት ደቀንስትዮ ሓበሻ “ደቀይ ወሲዶምለይ” ኢለን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ክዛረባን ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ነውጽን ከምዝፈጠረለንን ይገልጻ እየን።

እተን ደቀን ዝወስዱለን ገሊአን ብናይ ሓንቲ መዓልቲ ጌጋን ሕርቃንን ዝብገስ ክኸውን እንከሎ፡ ገሊአን ከኣ ዝሕዘለን እውን ስለዝስእና ኣብ ገዛ ገዲፈናኦም ናብራ ከሳልጣ ንደገ ይወጽኣ’ሞ “ሓላፍነት ደቅኺ ኣይወሰድክን፣ ቈልዓ ንበይኑ ኣብ ገዛ ኣይግደፍን እዩ” ኢሎም ደቀን የሕድጉወን።

ሓደ ሓደ ሓላፍነት ዘይስመዐን ከኣ ኣብ ፈቐዶ ናይት ክለባትን ቲክቶክን ግዜአን ዘባኽናኦ ከምዘለዋ ትዛረብ።

ገሊኦም መጻምድቲ ከኣ ኣክንዲ ተወሓሒጦም ተመኻኺሮም ዝነብሩ ኣብ መንጐኦም ብዝፍጠር ዘይምርድዳእ ይተሃላለኹ’ሞ “ከምዚ ገይሩኒ፡ ከምዚ ገይራትኒ” ኢሎም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ምስ ከዱ ብፍላይ ነታ ኣደ ተቐዳዲሞም ናብ መጽንሒ ካምፕ ይወስድዋ'ሞ ዘይሓሰበቶ ጭንቅን ጸቕጥን ከምዝፈጥረላ ትሕብር።

ኣብ ርእሲኡ በቲ ዘይሓሰበቶ ምፍልላይ ከተንጸርጽርን ክትሓርቕን ምስ ረአይዋ፡ ጓሂ እዩ ከምኡ ዝገብራ ዘሎ ኣክንዲ ዝብሉ ምስ ናይ አእምሮ ጸገም የተኣሳስርዎ እሞ፡ እዚኣ ቈልዑ ከተዕቢ ኣይትኽእልን እያ ብምባል ነቶም ቈልዑ ይወስድዎም'ሞ መሊሶም ኣብ ሽግር ከምዝኣትው ተረድእ።

“ንሓንቲ ኣደ ደቃ እንተኣሕዲጎማ ናብ ጽላለ እዩ ዘድህበላ። ኮታስ ብዝዀነ ይዅን ምኽንያት ንገዛኻ እንተኣትዮም ሓደ ነገር ከይገበሩ ኣይወጹን እዮም። ስለዚ ሰብኣይና ሰበይትና ህይወትናን ህይወት ደቅናን ከይበላሾ ክንጥንቀቕ እዩ ዘሎና፡” ትብል ብትርእዮን ትሰምዖን ተረኽቦታት ዝተማህረት ኣስመረት።

ኣስመረት ኣብ ዓዲ እንከላ ጀርመናውያን ሓካይም መጥባሕቲ ገይሮሙላ ስለዝነበሩ፡ ንጀርመን እንተኣትየ ዝያዳ ሕክምና ክረክብ እየ ዝብል ትጽቢት እዩ ነይሩዋ።

እንተዀነ ኣብ ኢጣልያ ምሰ ኣተወት ኣሰር ኣጻብዕ ስለዝገበረት፡ ብጉዳይ ሕቶ ዑቕባ ከኣ ዝዀነ ስደተኛ ኣብታ ፈለማ እግሩ ዘንበረላ ሃገር እዩ ዑቕባ ክሓትት ዘለዎ ዝብል ብ 'ውዕል ዳብሊን' ዝፍለጥ ኣህጉራዊ ውዕል ስለዘሎ ከምቲ ዝሓሰበቶ ኣይሰለጣን።

ብሰንኪ ዛሕሊ ኣውሮጳ ብቕርጥማት ክሳብ ምኻድ እትስእን ስለእተሸገረት፡ ኣብቲ እዋን መንበሪ ወረቐት ስለ ዘይነበራን ብዘይ መንበሪ ፈቓድ ክትሕከም ስለ ዘይትኽእልን ሓደ ቤተክርስታያን ኣዋጺኦም ጫማ ገዚኦም ናይ ፊዝዮተራፒ ሕክምና ከምዝኸፈሉላ ብምዝካር ተመስግን።

“መቸም ካብ ገዛኻ እንተወጺእካ ጥዑም ከም ዘየለ ፍሉጥ እዩ። ስለዝዀነ እዘን ኵለን ኣብ ጭንቀትን ዓቕሊ ምጽባብን ኣትየን ዘለዋ ኣሕዋትና ብዛዕባ ስደት እኹል ፍልጠትን ንቕሓትን ስለዘይጸንሓና እዩ። ሽግር ግን ኵሉ ግዜ ምሂሩካ ክሓልፍ እምበር ኣብኡ ከስጥመካ ስለዘይብሉ፡ ብስነ ኣእምሮ ክትቅረብን ንጸገማትካ ብኸመይ ትብድሆ ምሕሳብን ኣገዳሲ እዩ” ትብል ኣስመረት።