ሓደስቲ ክልላት ኢትዮጵያ ጸገም ክፈጥራ ድየን ጸገም ክፈትሓ?

ኢትዮጵያ፡ ፌደራሊዝም ካብ ተተኣታቱ ልዕሊ 30 ዓመታት ገይራ ኣላ።

እቲ ኣባላት መንግስቲ ፌደራል፡ 9 ክልላት ከም ዝዀና ዝጠቅስ ዓንቀፅ 47 ቅዋም ናይታ ሃገር፡ "ኣብዘን ክልላት ዝተጠቓለሉ ኣህዛብ፡ ብሄራትን ህዝብታትን ኣብ ዝዀነ እዋን ናይ ገዛእ ርእሶም ክልላት ናይ ምምስራት መሰል ኣለዎም” ይብል።

ኣብቲ ቅዋም ካብ ዝተጠቐሱ 9 ክልላት፡ ክልል ደቡብ ብዕሊ ህላወኡ ኣብቂዑ’ዩ፤ ኣብዚ እዋን ናብ ኣርባዕተ ዞባታት ተኸፋፊሉ ይርከብ።

መጀመርያ ዝተመስረተ ክልል ሲዳማ ክኸውን ከሎ፡ ብድሕሪኡ ንፍሉይ ወረዳ ኮንታን ንዞባታት ምዕራብ ኦሞ፡ ቤንች ሸኮ፡ ካፋ፡ ዳውሮን ሸካን ዝሓቘፈ ክልል ህዝብታት ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ተመስሪቱ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ዝተመስረተ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ድማ ንዞባታት ጌዶ፡ ወላይታ፡ ጋሞ፡ ጎፋ፡ ኮንሶን ደቡብ ኦሞን ከምኡ’ውን ፍሉያት ወረዳታት ቡርጂ፡ ኣማሮ፡ ደራሼ፡ ባስኬቶን ኣሌን የጠቓልል።

እቲ ራብዓይ ከኣ ማእከላይ ክልል ኢትዮጵያ ኰይኑ፡ ኣብቲ ቅድም ሕዚ ዝነበረ ክልል ተሓቚፎም ዝነበሩ ዞባታት ጉራጌ፡ ስልጤ፡ ከምባታ ጠምባሮ፡ ሃድያን ሃላባን ከምኡ እውን ፍሉይ ወረዳ የምን ዳግማይ ብምውዳብ ብዘይ ረፈረንደም ዝተመስረተ’ዩ።

ተደጋጋሚ ሕቶ ምስረታ ክልል

ንነዊሕ እዋን ዝተፈላለየ ዞባታት ክልላት ንክምስርታ ተደጋጋሚ ሕቶ ክቐርባ ጸኒሐን እየን። ኣብቲ ዝፈረሰ ክልል ደቡብ ዝነበሩ ዞባታት ኩሎም ክልል ንክኾኑ ሓቲቶም’ዮም።

ክኢላ ፌደራሊዝም ቀነኒ ጅባት (ዶክተር) ከም ዝብሎ፡ እታ ሃገር ብሄራዊ ፌደራሊዝም ካብ እተተኣታቱ ጀሚሩ ኣብቲ ዝፈረሰ ክልል ደቡብ፡ ክልል ናይ ምምስራት ሕቶታት ብተደጋጋሚ ተላዒሉ’ዩ።

"ኣብ ክልል ደቡብ ዝርከቡ ብሄራት ብሓደ ክዀኑ’ኳ እንተተገበረ፡ እቲ ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ፌደራሊዝም ግን ንዓመታት ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን። እዞም ብሄራት ዝተፈላለየ መንነትን ቋንቋን’ዩ ዘለዎም” ይብል።

ፖለቲካዊ ሳይንስን ዓለምለኸ ርክብን ዝተመሃረን ኣብ ኮሚዩኒኬሽን ክልል ደቡብ ነበር ዝሰርሕ ዝነበረን ኣይተ ደያሞ ዳሌደጋ፡ እቶም ኣብቲ ዝፈረሰ ክልል ዝነበሩ ፖለቲከኛታት ብሓባር ክጸንሑ ብዘይምኽኣሎም በብከባቢኦም ሕቶታት ከም ዘልዓሉ ይገልጽ።

ሕቶ ምስተላዕለ ድማ መንግስቲ በቲ ሕዚ ዝተኻየደሉ ኣገባብ ጥራይ’ዩ ክምልስ ዝኽእል ክብል ይውስኽ።

“እቲ ቀንዲ ፀገም እቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ክልል ውፅኢታዊ ዘይምንባሩ’ዩ። እቶም ፖለቲከኛታት እቲ ዝነበረ ክልል ንኽቕጽል ክሰማምዑ ኣይከኣሉን" ብምባል ቀንዲ ምኽንያት ምስረታ እተን ሓደስቲ ክልላት ኣብሪሁ።

ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጻኡ፡ ንክልልነት ዘድሊ ረቛሒታት ስለነማልእ፡ መልሲ ይወሃበና ዝብሉ ሕቶታት ብተደጋጋሚ ክቐርቡ ምጽንሖም ዶክተር ቀነኒ ይገልጽ።

እቲ ገዛኢ ሰልፊ ብዞባታት ዝቐረቡ ሕቶታት ምስረታ ክልል ድሕሪ ምርኣዩ፡ ሲዳማ ክልል ንኽትከውን እቶም ካልኦት ድማ ብክላስተር ክምስረቱ ወሲኑ።

ክላስተር፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣገልግሎት ዝወሃበሉን ኣብ ማእኸል ናይ ምውህሃድ ስራሕ ዝስራሓሉን ኣወዳድባ ማለት’ዩ።

ንኣብነት ሽዱሽተ ቀበሌታት ኣብ ሓደ ናይ ጥዕና ክላስተር እንተተጠርኒፎም፡ ሽዱሽቲኦም ማእኸላት ጥዕና ይህልዎም እሞ ኣብቲ ሓደ ቀበሌ ድማ ንኹሎም ቀበሌታት ዘገልግል ሆስፒታል ዝምስረተሉ ኣገባብ ምዃኑ ኣይተ ዳያሞ የረድእ።

ካብ ክልል ሲዳማ ወፃኢ ዝርከቡ ክልላት ዞባታትን ናብ ክላስተር ብምውህሃድ እተን ክልላት ከም መተሓባበሪ ዝሰርሓሉ ስርዓት ከም ዝተዘርገሐ ይገልጽ።

ኣብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ክልል ደቡብ፡ ድምጸ ውሳነ ዝተኻየደሎም ከባቢታት ኣለው።

ህዝቢ ሲዳማ ኣብ ክልል ደቡብ ክቕጽል ወይስ ሓድሽ ክልል ክምስረት ኣብ ዝብል እማመ ረፈረንደም ኣካይዱ’ዩ።

ብክላስተር ውዳበ ክልል ዝመረጹ ድማ፡ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያን ክልል ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያን መስሪቶም።

ይኹን እምበር ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ክልል ደቡብ ዝተረፉ ካልኦት ዞባታት ግን ረፈረንደም ከየካየዱ ማእከላይ ኢትዮጵያ ዝብል ክልል መስሪቶም ኣለዉ።

ህዝቢ ዘይተቐበሎ መልሲ

ቀነኒ ከም ዝብሎ፡ ኣብ እዋን ግዜያዊ መንግስቲ፡ ብሄር፡ ብሄራትን ህዝብታትን ክልል ደቡብ ኣብ ሓሙሽተ ክልል ክጣየሽ መደብ ተታሒዙ ነይሩ።

ኢህወዴግ ነዚ ሓሳብ ገዲፉ፡ ብሄር፡ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ክልል ደቡብ ምምስራቱ፡ ህዝቢ’ቲ ክልል ከም ዘይተቐበሎን እዚ ሕቶ ድማ ንዓመታት ከዘራርብ ምጽንሑን ይገልጽ።

ኣይተ ደያሞ ግን ካብዚ ዝተፈለየ ሓሳብ’ዩ ዘለዎ፤ እቲ ተራ ህዝቢ "ጉዳይ ክልልነት ክሳብ ክንድዚ ዘገድሶ ኣይኰነን" ይብል።

እቲ ህዝቢ ኣብ ወረዳን ቀበሌን ኣገልግሎት ከምዝረክብ ብምጥቃስ "[ሕቶ ክልልነት] ብሽም ህዝቢ’ዩ ተኻይዱ" እዩ ዝብል።

"ንኣመሉ፡ ከም መርኣያ ድሌት ህዝቢ ተባሂሉ ረፈረንደም ዝተኻየደሉ ህዝቢ ደቡብ ኢትዮጵያ'ዩ። [ኣብ ማእከላይ ክልል ኢትዮጵያ] ረፈረንደም ስለዘይተኻየደ፡ ድሌት ህዝቢ’ዩ ዝብል ኣምር ፈጺሙ ኣይሰርሕን" ይብል።

ዝተረሓሓቑ ኣብያተ ፅሕፈት

እተን ክልላት ድሕሪ ምምስራተን’ውን ሕቶታት ይለዓሉ ኣለዉ።

እዞም ሕቶታት፡ ሰበ ስልጣናት ዘይኰኑስ፡ 'ብድሕሪኦም ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ' ዘልዕልዎም ምዃኖም'ዩ ዝገለጽ።

ሓደ ካብቶም ሕቶታት፡ ርእሰ ከተማ ናይተን ሓደስቲ ክልላት ‘ኣብዚ ይኹን፡ ኣብቲ እባ ዝብል’ዩ።

"ኣብ ፖለቲከኛታት ድማ ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ክልል ኢትዮጵያ ኣብ ከምባታ፡ ብዙሓት ኣብያተ ፅሕፈት ኣይተዋህበናን ዝብል ኣሎ" ይብል።

ኣብያተ ፅሕፈት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ምህላወን ከም ፀገም ከም ዝርእይዎ’ውን ይገልጽ።

ምስዚ ብዝተኣሳሰር ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ፀገም ክህሉ ይኽእል’ዩ።

ንኣብነት ክልል ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ሽዱሽተ ከተማታት ኣብያተ ፅሕፈት ኣለዎ። ሓደ ሰብ ፍቓድ ወፍሪ እንተደልዩ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ኣርባ ምንጭ’ዩ ዝርከብ። ቤት ፅሕፈት ሕርሻ ኣብ ዲላ’ዩ ዘሎ። ስለዚ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ፍቓድ ወፍሪ ንምርካብ ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ምብጻሕ የድሊ ማለት’ዩ።

“እዚ ነቲ ተገልጋሊ ሰብ ኣዝዩ ዘጸግም ኣወዳድባ’ዩ። ስለዚ እቲ ክላስተር ብመንጽር ህዝቢ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ” ይብል።

ካልእ ጸገም ክፈጥር’ዩ ተባሂሉ ዝነበረ ኣወዳድባ ዞባታት ምዃኑ ዝጠቅስ ደያሞ፡ “ዞባ ንዝሓተቱ ኩሎም ተዓዲሉ’ዩ፤ ፍሉይ ወረዳ ዝነበረ ኩሉ ዞባ ስለዝዀነ ሕዚ ንሱ ጸገም ኣይኰነን” ክብል ይገልጽ።

ቅዋም መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኹሎም ብሄራት ክልል ናይ ምምስራት መሰል ሂቡ’ዩ።

እዚ ሕጂ ዝወሃብ ዘሎ መልሲ፡ ኣብ መጻኢ ካልእ ክልል ናይ ምምስራት ሕቶ ከም ዘየስዕብ መረጋገጺ ኣይህብን ዝብል ኣይተ ደያሞ፡ ኣብ ወላይታን ጉራጌን ዝንቀሳቐሱ ውድባት፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዘቕረቡ የመልክት።

ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ቢቢሲ ቃለ መሕትት ዘካየደ ኣቦ መንበር ህዝባዊ ዴሞክራስያዊ ግንባር ወላይታ ጎበዜ ጎኣ፡ ኣብ ወላይታ ዝተኻየደ ረፈረንደም "መሰል ዓርሰ ምሕደራ ዘዳኽም፡ ንህዝቢ ዝተዋህበ መሰል ዝግህስ፡ ገዛእቲ ዘልዕልዎም ሕቶታት ቀዳምነት ዝህብ ንህልውናን ረብሓን ህዝቢ ወላይታ ዝፈታተን ሓደገኛ ፕሮጀክት ምዃኑ ርኢና" ኢሉ ነይሩ።

ወሲኹ ድማ፡ ህዝቢ ወላይታ ናይ ባዕሉ ምምሕዳር ክሳብ ዝምስርት “ሰላማውን ህዝባውን ቃልስና ክንቅጽል ኢና" ምባሉ ይዝከር።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው "እቲ ሕቶ ኣብ መጻኢ ከይለዓል ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ሕቶ ተላዒሉ'ዩ። መንግስቲ ከመይ ከም ዝመልሶ ክንርኢ ኢና" ይብል ኣይተ ደያሞ።

ፖለቲከኛታት "ንባዕሎም ከይመቸኦም ምስ ዝቀሪ/ ዝተርፍ፡ ናይ ስልጣን ምምቕራሕ ኣይተገብረን እናበሉ ከም ናይ ህዝቢ ሕቶ ደጊሞም ከልዕሉ ይኽእሉ’ዮም። ስለዚ ውሕስነት የለን።”

ዶክተር ቀነኒ’ውን ክልል ናይ ምምስራት ጉዳይ ብመንጽር ቁጠባ፡ ፖለቲካ፡ ምምሕዳርን ካልኦትን ክረአ ኣለዎ’ዩ ዝብል።

"ኩሎም ብሄራት ኢትዮጵያ መሰል ዓርሰ ውሳነ ኣለዎም፡ ኩሎም ግን ናይ ገዛእ ርእሶም ክልል ክምስርቱ ይኽእሉ ማለት ኣይኰነን። መንግስቲ ናይ ባዕሉ ፖለቲካዊ ድሌታትን ዓቕሚ ሃገርን ኣብ ግምት ብምእታው’ዩ ክልልነት ዝህብ" ክብል ይውስኽ።

"ንኣብነት ህዝቢ ኣገው፡ ቅማንትን ወሎን ናይ ክልልነት ሕቶ ኣቕሪቦም’ኳ እንተዀኑ፡ እዚ ንህላወ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሕቶ ዘእቱ’ዩ። በቲ ሓደ ወገን መንግስቲ እዚ ስክፍታ ኣለዎ። ብኻልእ ወገን ድማ ንልዕሊ 80 ብሄረሰባት [ኢትዮጵያ] ክልልነት ምሃብ እንተቐጺሉ፡ ልዕሊ 80 ክልላዊ መንግስታት ክህልዉ’ዩ። እዚ ድማ ንምምሕዳርን ባጀትን ከቢድ ክኸውን’ዩ።”

ብህድኣትን ብምስትውዓልን ምፍታሕ

ኢትዮጵያ ብሄራዊ ፌደራሊዝም ክሳብ እትኽተል፡ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ምትእስሳር ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሕቶ ክልልነት ዝቕጽል ምዃኑ ዶክተር ቀነኒ ይዛረብ።

ንሱ፡ እቲ ጉዳይ ጠጠው ዝብል ኣይመስልን ክብል እንከሎ ኣይተ ደያሞ እውን ምስ’ዚ ይሰማማዕ።

ኣብቲ ክልል ደቡብ ምላሽ ንምሃብ ምጉያይ ግቡእ ከም ዘይነበረ’ውን የመልክት።

"ምምኽኻር ተኻይዱ ኣብ ሕገ መንግስቲ ምምሕያሽ ተገይሩ፡ ኩሉም ውድባት ክሰማምዑሉ ዝኽእሉ ዓይነት ውዳበ ንክልልን ንመላእ ኢትዮጵያን ኣገዳሲ’ዩ ዝብል ሓሳብ’ዩ ዘለኒ።”

ሕጋዊ መሰረቱ ከይተቐየረ፡ ጉዳይ’ቲ ሕጂ ብክላስተር ዝተመስረተ ክልል፡ "ካልእ ሕቶ እናበገሰ ብዘይ ምቁራጽ ስራሕ ምፍታሕ፡ ህዝባዊ ግጭትን ሞትን ከይተረፈ ከስዕብ ይኽእል'ዩ" ክብል ወሲኹ ይገልጽ።

"ኣብ ክንድኡስ እቲ መፍትሒ ቀስ ብቐስ ቅዋም ምቕያር'ዩ። ቅዋም መንግስቲ ንምቕያር ግን መጀመርያ ሰፊሕ ዘተ ምግባር ኣድላዪ’ዩ ኢለ ይኣምን።"