መኸተምታ ክልል ደቡብ ዝቐረበ ዶ ይመስል?

ኣብ ውሽጢ ክልል ደቡብ - ኢትዮጲያ፡ ዝነበሩ ብሄር፡ ብሄረሰባትን ህዝብታትን፡ ርእሶም ክኢሎም ክልል ንምዃን ሕቶ ከቕርቡ ዝጸንሑ ዞናትን ወረዳታትን ነናይ ገዛእ ርእሶም ክልል ንኽምስርቱ ዘኽእሎም ውሳነ የሕልፉ ኣለዉ።

እቲ ልዕሊ 50 ብሔረሰባት ዝሓዘ ክልል ደቡብ፡ ኣብ ኢትዮጲያ እቲ ዝዓበየ ክልል ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ቋንቋን መንነትን መሰረት ገይሩ፡ ቅድሚ 25 ዓመታት ዝተተግብረ ኣመሰራርታ፡ እዚ ሕጂ ብደቡብ ክልል ዝፍለጥ ዘሎ ምምሕዳር ኣብ ሓሙሽተ ክልላት ተወዲቦም ዝነበሩ ብሔረሰባት ብሓደ ዝጸንበረ ክኸውን እንከሎ፣ ብሰንኩ ሕቶታት ርእሰ ምሕደራ ክለዓል ጸኒሑ እዩ።

ኣመሰራርታ ክልል ደቡብ

ኢትዮጲያ፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ፡ ኢህወደግ ስልጣን ሒዙ መሰጋገሪ መንግስቲ ምስ ተመስረተ፡ ቋንቋን መንነትን መሰረት ዝገበረ ሓድሽ ኣወዳድባ ክልላት ግብራዊ ኰይኑ።

ነዚ ስዒቡ 14 ክልላት ክምስረታ እንከለዋ እቲ ሕጂ ክልል ደቡብ ዝበሃል ዘሎ ኣይነበረን።

ድሕሪ ክልተ ዓመት ግን ሓሙሽተ ክልላት ብሓደ ተጸንቢረን ክልል ደቡብ ከም ዝምስረት ተገይሩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣሰያይማ ክልላት ብቝጽሪ ዝፈሊ እዩ ዝነበረ። ኰይኑ ድማ ክልል 7 ንጉራጌ፡ ከምባታ፡ ሃዲያ፡ የም፡ ሓላባን ስልጤን ዝበሃሉ ብሔራት ዝሓዘ ነይሩ። ኣብ ትሕቲ ክልል 8 ድማ ሲዳማ፡ ጌዲኦ፡ ኣማሮን ቡርጂን ነይሮም።

ክልል 9 ንወላይታ፡ ጋሞ ጎፋ፡ ዳውሮን ካልኦት ዝሓዘ ክኸውን እንከሎ፡ ክልል 10 ኣብ ደቡብ ኦሞ ዝርከቡ ብሄረሰባት ክልል 11 ድማ ካብ ኣብ ሰግር ሩባ ኦሞ ዝርከቡ ብሄራት ዝሓዘ ነይሩ።

ኣብቲ ግዜቲ ካብ ካልኦት ብዝተፈልየ 56 ዝዀኑ ብሄራት ኣብ ሓደ ተጸንቢሮም ክልል ደቡብ ክበሃሉ እንከለዉ፡ ተቓውሞ ኣልዒሉ ነይሩ።

ሕቶ ክልል ምዃን

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ፡ ክልል ናይ ምዃንን ሕቶ ካብ ኵለን ዞናት ዝለዓል ሕቶ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።

ብፍላይ ኣብ ሲዳማን ወላይታን ዝተላዕለ ሕቶ፡ ሞት ሰባትን ዕንወት ንብረትን ኣስዒቡ እዩ።

ኣብ ሲዳማ ዝተላዕለ ሕቶ እናበርትዐ ምስ ከደ፡ ምርጫ ቦርድ ዘወሃሃዶ ህዝበ ውሳነ ተገይሩ፡ ሲዳማ ካብ ክልል ደቡብ ዝወጸት ፈላመይቲ ዞን ኰይና፤ ዓስረይቲ ክልል ኢትዮጵያ እውን ክትከውን ክኢላ።

ብድሕሪ'ዚ ዞናት ቤንች ማጂ፡ ከፋ፡ ዳውሮን ሸካን ከምኡ'ውን ፍሉይ ወረዳ ኮንታ ብሓባር መበል 11 ክልል ኰይነን ካብ ክልል ደቡብ ወጺአን።

እቲ ብሓባር ይዅን ብውልቂ ዝለዓል ክልል ናይ ምዃን ሕቶ ንክልል ደቡብ ቀንዲ ጕዳይ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።

ሓድሽ ኣወዳድባ

ሲዳማን ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ክልላት ንክዀና ዘመቻቸአ ክልል ደቡብ፡ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ምላሽ ክህብ ይሰርሕ ኣሎ።

በብኸባቢኡ ንዝቐረቡ ሕቶታት ብውልቂ ምላሽ እንተተዋሂቡ ብዙሓት ክልላት ካብ ክልል ደቡብ ክወጽኣ ይኽእላ እየን።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝቀራረብ ባህሊ ዘለወን ጐረባብቲ ዞናት ብሓባር ክልል ዝዀናሉ መስርሕ ኣብ ምድላው ይርከብ።

ነዚ ስዒቡ ዞባታት ወላይታ፡ ጋሞ፡ ጌዲኦ፡ ኮንሶን ደቡብ ኦሞ ከምኡ'ውን ፍሉይ ወረዳታት ኣማሮ፡ ደራሼ፡ ኣሌ፡ ቡርጂን ባስኬቶን ብሓባር ክልል ንምዃን ውሳነ ኣሕሊፈን ኣለዋ።

ብተወሳኺ ድማ ብሓባር ክልል ንኽዀና ሓሳብ ዝቐረበለን ዞናት ሃድያ፡ ከንባታ፡ ሀላባ፡ ስልጤን ጉራጌን ከምኡ'ውን ፍሉይ ወረዳ የም ክዀና እኝከለዋ፡ ብዘይካ ዞናት ጉራጌን ስልጤን ባይቶ ኵለን ዞናትን ፍሉይ ወረዳን ነቲ ሓሳብ ከምዝተቐበሉ ኣፍሊጦም እዮም።

ምምሕዳር ደቡብ ክልል፡ እዚ ሓድሽ ኣወዳድባ "እቲ ህዝቢ ዝነበሮ ሕብረት፡ ሕውነት፡ ሓልዮትን ካልኦት ማሕበራዊ ርክባት ብዘይጐድእ መገዲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ባህጊ ከምዘሎን" እዚ ድማ ውጽኢታዊ ንምግባር ምስ ፈደራል መንግስቲ ብሓባር ደገፍ ከምዝገበር ገሊጹ።

መኸተምታ ክልል ደቡብ

እዚ ሓሳብ ብውልቂ ክልል ክምስርቱ ካብ ዝደልዩ ወገናት ተቓውሞ'ኳ እንተገጠሞ ባይቶታት እተን ዞናትን ፍሉይ ወረዳታትን ግን ነዚ ሓድሽ ኣወዳድባ ደጊፎም ኣለዉ።

ዞን ጉራጌን ስልጤን ርእሰን ክኢለን ክልል ክዀና ሕቶ ከቕርባ ጸኒሐን እየን። ሕጂ'ውን ነዚ ቕዋም ሒዘን እንተቐጺለን ነቲ ክልል ደቡብ ዝሓስቦ ዘሎ ሓድሽ ኣወዳድባ ዕንቅፋት ክዀኖ ይኽእል እዩ።

ይዅን እምበር፡ እቲ ንኽልል ደቡብ ኣብ ክልተ ክልላት ናይ ምውዳብ ሓሳብ ግን ብመብዛሕትኦም ዞናትን ፍሉይ ወረዳታትን ተቐባልነት ረኺቡ እዩ።

ነዚ ሓድሽ ኣወዳድባ ኣብ ግብሪ ከውዕል ዝሰርሕ ዘሎ ክልል ደቡብ፡ በቲ ሓድሽ ኣወዳድባ ከምዝተሰማምዑ ዝገለጹ ባይቶታት እተን ዞባታትን ፍሉይ ወረዳታትን ዘሕለፍዎ ውሳነ “ብሱል” ክብል ዘለዎ ኣድናቘት ገሊጹ።

እዚ ኣወዳድባ ተቐባልነት ረኺቡ ኣብ ግብሪ እንተ ውዒሉ፡ መኸተምታ እቲ ፍልይ ዝበለ ኣወዳድባ ዘለዎ፡ ብመዋቕር ምሕደራን ብሕቶታት መንነትን ክናወጽ ዝጸንሐ ክልል ደቡብ ይኸውን ኣሎ።

ካብተን ኣቐዲመን ክልል ዝዀና ክልል ሲዳማን ክልል ደቡብ ምዕራብን ወጻኢ ዝርከባ ዞናትን ፍሉይ ወረዳታትን ንኽልተ ተመቒለን መበል 12ን 13ን ክልላት ክዀና እየን።