እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሲዳማ ዓስረይቲ ሓዳሽ ክልል ኢትዮጵያ ኮይና
ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ መፃኢ ዕድል ዞባ ሲዳማ ንምውሳን ኣብ ዝተኻየደ ውሳነ-ህዝቢ፡ ዞባ ሲዳማ ክልል ንምዃን ዘኽእላ ድምፂ ከምዝረኸበት ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እዚ ድማ፡ ኣብቲ ውሰነ-ህዝቢ ካብ ዘድመፀ ልዕሊ ክልተ ሚልየን ህዝቢ፡ ማለት'ውን እቲ 98 ነጥቢ 51 ሚእታዊት፡ ዞባ ሲዳማ ክልል ንክትኸውን ድምፂ ሂቡ።
ብመሰረት እዚ ድማ፡ ክሳብ ሕዚ ንዞባ ሲዳማ የመሓድር ዝነበረ ክልል ደቡብ፡ እቲ ሓላፍነት ሓዳሽ ንትምስረት ክልል ከረክብ እዩ።
ርእሰ ከተምኣ ኣብ ዞባ ሲዳማ ኣብ ትርከብ ከተማ ሃዋሳ ዝገበረት ክልል ደቡብ፡ ንክልተ ናይ መረፃ ዘበን፡ ምስ ሓዳሽ ክልል ሲዳማ ነታ ከተማ ሓቢራ ከምትጥቀም ምግላፁ ይዝከር።
እዛ ሓዳሽ ትምስረት ክልል ሲዳማ ፡ ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ብቐጥታ ፡ ኣባል ፌደራላዊ ዲሞክራስያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ክትኸውን እያ።