እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መግለጺ ሓንቲ ሓላፊት ሕቡራት ሃገራት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቘጢዑ
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ፍልይቲ ኣማኻሪት ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኵነታት ኣመልኪታ ዘውጽአቶ መግለጺ ሓላፍነት ዝጎዶሎ’ዩ ክብል ከሲሱ።
ፍልይቲ ኣማኻሪት ምክልኻል ምጽናት ዓሌት ኣሊስ ዋይሪሙ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽአቶ መግለጺ፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝወጽኡ ዘለዉ ጸብጻባት "ኣዝዮም ዘሰክፉን ስጕምቲ ምውሳድ ዘድልዮምን" ምዃኖም ሓቢራ ነይራ።
ንሳ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ዓፋርን ኦሮምያን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ "ምጽናት ዓሌትን ተዛመድቲ ገበናትን ክፍጸም ልዑል ሓደጋ ኣሎ" ክትብል'ያ ኣጠንቂቓ።
ከም ኣብነት ድማ፡ ምሉእ ኣባላት ስድራቤት ዝተቐተሉሉ፡ ሰባት ኣብ ልዕሊ ስድራቤቶም ዘስካሕክሕ ገበን ክፍጸም ዝተዓዘቡሉ፡ ከምኡ’ውን ምሉእ ሕብረተሰብ ዝተመዛበለሉ ኵነታት ዝገልጹ ጸብጻባት ከም ዘለዉ ጠቒሳ።
ይዅን’ምበር ኢትዮጵያ፡ እታ ፍልይቲ ኣማኻሪት ዘውጽአቶ መግለጺ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጭቡጥ ኵነታት ብትኽክል ዘንጸባርቕ ከም ዘይኰነ'ያ ገሊጻ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ልኡኽ እታ ሃገር ሎሚ 12 ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እታ ፍልይቲ ኣማኻሪት፡ ዓለምለኻዊ ጕጅለ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ብዘይ ግቡእ ምርመራን ብዘይግቡእ መርትዖን ዘውጽኦ ጸብጻብ’ያ ተወኪሳ ብምባል ነቒፉ።
ብተወሳኺ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዘይረኸበ ጸብጻብ መሰረት ምግባር፡ ነገራት "ዘጋድድ፡ ሓላፍነት ዘይብሉን ሸለልትነት" ዘርኢን መግለጺ ምውጻኣ ዘሕዝን ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ፍልይቲ ኣማኻሪት ኣሊስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ዝጠቐሰቶም ርእይቶታት’ውን ብትሪ ነቒፉ።
ንሳ ኣብ መግለጺኣ፡ እቲ ግጭት ንምቁራጽ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተበጽሐ ስምምዕ ፕሪቶርያ ውጽኢት ከም ዘየምጽአ’ያ ጠቒሳ። ወሲኻ’ውን ደማዊ ግጭታት እናቐፀለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣብታ ሃገር ዝፍጸሙ ህልቂት፣ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነትን ይውስኹ ከም ዘለዉ ሓቢራ።
እቲ መግለጺ ዘቘጥዖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ እታ ኣማኻሪት ዝሃበቶም ርእይቶ “ሓሶት” ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።
ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ድምጺ ኲናት ከይስማዕ ከም ዝገበረን መንግስቲ ነቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ንምትግባር ውፉይ ከም ዝዀነን ልኡኽ ኢትዮጵያ ዝሃቦ ምላሽ የመልክት።
ኣብታ ሃገር ዝረኣዩ ቅሬታታት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ሃገራዊ ናይ ምምኽኻር ፃዕሪ ተጀሚሩ ከም ዘሎ እውን ጠቒሱ።
ብተወሳኺ እታ ፍልይቲ ኣማኻሪ ዘውጽአቶ መግለጺ "ኣንጻር ናይቲ እታ ሃገር ሰላም ንምሕያል እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ'ዩ” ብምባል ክትስሕቦ ከም ዘለዋ ኣስሚሩ።
እቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ብድርድር ቅድሚ ምዝዛሙ፡ ብዅሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ከቢድ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈጸሙ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ውን ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ግህሰት መሰላት ዝምርምር ኮሚሽን ክኢላታት ኣቝሙ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።
እዚ ብሰንኪ እቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ስዒቡ ዝቘመ ጕጅለ ሰብሞያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ ሰፊሕ ጸብጻብ፡ ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ገበናት ኲናት ከም ዝተፈጸሙ ወግዓዊ ምግባሩ ይዝከር።
ሕጂ’ውን ኣብታ ሃገር ዝቕጽሉ ዘለው ከበድቲ ግህሰት መሰላት፡ ሰፋሕቲ መጥቃዕታትን ንዝተፈጸሙ ገበናት ተሓታትነት ዘይምህላውን "ልዑል ሓደጋ ተወሳኺ ገበናት ከንጸላሉ ገይሩ ኣሎ” ክብል’ዩ ገምጊሙ።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት’ውን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ከበድቲ ግፍዕታት ሰብኣዊ መሰላት ሕዚ'ውን ይቕፅሉ ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ ህሉው ኵነታት ኢትዮጵያ "ኣዝዩ ሓደገኛ ደረጃ" ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ብርኪ ከምዝርከብ ገሊጹ’ዩ።
ኣብታ ሃገር "ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጸሙ ከበድቲ ገበናት ክቕጽሉ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ልዑል ስግኣት” ከም ዘሎ’ውን ምጥንቃቑ ይፍለጥ።
ኰይኑ ግን እቲ ኮምሽን ተፈጺሞም ዝብሃሉ ገበናት ኲናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንምጽራይ ዝተዋህቦ ግዜ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ከብቅዕ’ዩ።
ስልጣን እቲ መርማሪ ጉጅለ፡ ንክሕደስ ዝቐረበ ጠለብ ተቐባልነት ኣይረኸበን። እዚ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ተሓለቕቲ መሰላት ነቐፌታ ኣስዒቡ’ዩ።
ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መርማሪ ጉጅለ ስልጣኑ ከይሕደስ ዝወሰዶ ውሳነ "ዘሕፍር" ክብል ተቓውምኡ ከም ዘስምዐ ይዝከር።
ዳይረክተር ሂዩማን ራይትስ ዎች ቲራና ሓሰን፡ "ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነቲ ኮሚሽን ክኢላታት ብዘይምሕዳስ ኣህጉራዊ ምጽራይ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝፍጸም ከቢድ ግህሰት ዝነበሮም ሓላፍነት ገዲፎምዎ ኣለው። እዚ፡ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ተስፋኦም ኣብ ልዕሊ እዚ ኮሚሽን ዝገበሩ ብርክት ዝበሉ ግዳያት ግህሰት ከቢድ ጽፍዒት'ዩ” ኢላ።
ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብወገኑ፡ ስልጣን እቲ መርማሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ከብቅዕ ምግዳዱ ብትሪ ከም ዝተቓወሞ ዝፍለጥ’ዩ።
እቶም መርመርቲ ናብ ትግራይ ብምኻድ ኣብ ባይታ ወሪዶም ከጻርዩ ድሌት'ኳ እንተነበሮም ፍቓድ ስለዘይረኸቡ ብማዕዶ ሓበሬታ ክእክቡ ከም ዝተገደዱ’ውን ሰብመዚ ትግራይ ሓቢሮም’ዮም።
ኢትዮጵያ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ምቛም እዚ ኮሚሽን ክትቃወሞን ፖለቲካዊ ድርኺት ዘለዎ’ዩ ክትብልን ጸኒሓ እያ።
ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ንዝተፈጸሙ ግህሰት መሰላት መንግስቲ ብመሰጋገሪ መስርሕ ፍትሒ ፍታሕ ከም ዝገብረሎም ይገልጽ።
እቲ መርማሪ ኮሚሽን ግን እዚ ሃገራዊ መስርሕ፡ ታህዋኽ ዝበዝሖ፡ ኣሳታፊ ዘይኰነን ጐደሎን ክብል ነቒፍዎ እዩ።
ተንተንቲን ተሓለቕትን ከምዝብልዎ ግን፡ ምሉእ ናጽነት የብሎምን ተባሂሎም ዝንቀፉ ትካላት ፍትሒ ኢትዮጵያ ንኸምዚኦም ዝበሉ ዓለምለኻውያን ገበናት ናይ ምንዳይ ዓቕሚ የብሎምን።