እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምቍራጽ መርማሪ ኮሚሽን 'ዝወረደ በደል ንኸይርአ ምግባር እዩ' -ሰብመዚ ትግራይ
ስልጣን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ኲናት ዝተፈጸሙ ግህሰታት ንምጽራይ ዝቘመ መርማሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ከብቅዕ ምግዳዱ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብትሪ ተቓዊሙ።
እቶም መርመርቲ ናብ ትግራይ ብምኻድ ኣብ ባይታ ወሪዶም ከፃርዩ ድሌት'ኳ እንተነበሮም ፍቓድ ስለዘይረኸቡ ብማዕዶ ሓበሬታ ክእክቡ ከምዝተገደዱ ሰብመዚ ትግራይ ገሊጾም ነይሮም።
ሓላፊ ርክብ ህዝብን መንግስቲን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም፡ "ኣብ ዘለዉዎ ኰይኖም ብዝከኣሎም ክልተ ግዜ ጸብጻብ ኣቕሪቦም እዮም። ከም ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነቲ ዝገበርዎ ፃዕሪ ኣፍልጦ ንህብ፤ የቐንየልና እውን ንብል" ኢሉ።
ናብ ትግራይ መጺኦም የጻርዩ እሞ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ይመርምርዎን ይፍለጥዎንዝብል መርገጺ ከምዝነበሮም ዝገለጸ ኣቶ ረዳኢ፡ ምስተፃረየ ኣብ ዝዓለበ ይዕለብ ዝሕተት ኣካል ይተሓተት ዝብል ቅዋምና እዩ ብምባል ገሊፁ::
"መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝፈፀሞ ክሕተት: ትግራይ እውን ከምኡ: ካልኦት ሓይልታት እውን ብተመሳሳሊ ብዝወዓልዎ ክሕተቱ ኣብ መሬት ትግራይ ብጭቡጥ ይፃረ ኢና ንብል ነይርና።"
ኣባል ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ሕብረት ኤውሮጳ፡ እቲ መርማሪ ጉጅለ እቶም ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ተፈጺሞም ዝብሃሉ ገበናት ኲናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንምጽራይ ዝተዋህቦ ግዜ ንክሕደስ ክደፍኣሉ ዝቐረበ ጠለብ ኣይተቐበለኦን።
ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ቅድሚ ሎሚ ናብ ትግራይ መፂኦም ንኸጻርዩ ኣብ ልዕሊ ምኽልካል ነቲ ብርሑቕ ኰይኖም ዘፃርይዎ ዝነበሩ ዘየቐፅል ኵነታት ምፍጣር ማለት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደ በደል ንኸይረአ ኣስተዋፅኦ ምግባር ማለት እዩ ይብል።
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ግፍዒ ከምዝተፈፀመን ማሕብረሰብ ዓለም ክሳብ ሕጂ ዝፈለጦ በቲ ኣብ ግዜ ዕፅዋን ከበባን ሰሊኹ ዝወፀ መረዳእታ እዩ እውን ይብል::
ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ "እቲ ኮሚሽን ስርሑ ንኽቕፅል ልዑል ድሌት ኣለና:: ክቕፅል እውን ኣለዎ:: ምቍራፁ ጌጋ እዩ" ብምባል መርገጺኡ ኣፍሊጡ።
ኣቶ ረዳኢ እቲ ምፅራይ ክናዋሕ ነይርዎ ንብል ዘለና ብስሩ ክናዋሕ ዝኻኣለ ቅድሚ ሎሚ ክውድኡ ነይርዎም ናብ መሬት ትግራይ ኣይመፁን፤ ክኣትዉ ስለዝተኸልከሉ እምበር ኣብቲ ቀዳማይ ዙርያ እንተዝውድኡ ንካልኣይ ግዜ ምንዋሕ ዘየድሊ ክኸውን ነይሩ ኢሉ።
ብተወሳኺ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ እቲ ግዜ ተናዊሑ እውን ናብ ትግራይ ንኸይኣትዉ ተኸሊኦም ብምጽናሖም ኰኒኑ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ተፈጺሙ ዝብሃል ገበናት ዓለምለኻዊ መዐቀኒ ብዘማልእ ስርዓተ-ፍትሒ መሰጋገሪ እዋን ተሓታትነት፡ ሓቂን ሕውየትን ከረጋግጽ ምዃኑ ቃል ኣትዩ'ሎ።
"ኣብዚ ተኣፋፊ እዋን፡ መንግስቲ፡ መሰጋገሪ ፍትሒ ምሉእ ብምሉእ ብምትግባር ሰላምን ምርግጋእን ንምሕያል ከውሕስ ጻዕርታቱ ከዛይድ እዩ" ይብል እቲ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝወጸ መግለጺ።
ዓለምለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት (ICHREE) ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ኵሎም ወገናት ምግሃስ መሰላት ከምዝፈጸሙ ይኸስስ።
ብፍላይ ድማ ብወገን ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን፡ ገበናት ኲናትን ሰፋሕቲ ጾታዊ መጥቃዕታትን ከም ዝፈጸሙ ይገልጽ።
ኣብቲ ኲናት ንዝተሳተፉ ሓይልታት ትግራይ’ውን ብኸቢድ ግህሰታት መሰላት ከሲሱ'ዩ።
ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መርማሪ ጕጅለ ስልጣኑ ከይሕደስ ዝወሰዶ ውሳነ "ዘሕፍር" ክብል ተቓውሞኡ ኣስሚዑ'ሎ።
ዳይረክተር ሂዩማን ራይትስ ዎች ቲራና ሓሰን፡ "ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ነቲ ኮሚሽን ክኢላታት ብዘይምሕዳስ ኣህጉራዊ ምጽራይ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝፍጸም ከቢድ ግህሰት ዝነበሮም ሓላፍነት ገዲፎምዎ ኣለው። እዚ፡ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ተስፋኦም ኣብ ልዕሊ እዚ ኮሚሽን ዝገበሩ ብርክት ዝበሉ ግዳያት ግህሰት ከቢድ ጽፍዒት'ዩ” ኢላ።
እዚ ብሰንኪ እቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ስዒቡ ዝቘመ ጕጅለ ሰብሞያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ገበናት ኲናት ከም ዝተፈጸሙ ኣብ ዘውፀኦ ሰፊሕ ጸብጻብ ወግዓዊ ምግባሩ ይዝከር።
ሕጂ’ውን ኣብታ ሃገር ዝቕጽሉ ዘለው ከበድቲ ግህሰት መሰላት፡ ሰፋሕቲ መጥቃዕታትን ንዝተፈጸሙ ገበናት ተሓታትነት ዘይምህላውን "ልዑል ሓደጋ ተወሳኺ ገበናት ከንጸላሉ ገይሩ ኣሎ” ክብል ገምጊሙ።
እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ደማዊ ውግእ፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ'ኳ ደው እንተበለ፡ ሕጂ'ውን ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ "ከበድቲ ግህሰታት” ይፍጸሙ ከም ዘለው ኣመልኪቱ።
እቲ ኮሚሽን ብተወሳኺ፡ ኣብ ክልላት ኦሮምያ፣ ኣምሓራን ዓፋርን’ውን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራዊ ገበናትን ከም ዝተፈጸሙ እሙናት መረዳእታታት ከምዝበጽሕዎ ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣስፊሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ኣመልኪቱ ዛጊድ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን።
ቅድሚ ሕጂ ግን፡ እቲ መርማሪ ኮሚሽን ዘቕረቦ ጸብጻብ ከም ዝነጸጐ ይዝከር።
ኢትዮጵያ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ምቛም እዚ ኮሚሽን ክትቃወሞን ፖለቲካዊ ድርኺት ዘለዎ’ዩ ክትብልን ጸኒሓ እያ።
ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ንዝተፈጸሙ ግህሰት መሰላት መንግስቲ ብመሰጋገሪ መስርሕ ፍትሒ ፍታሕ ከም ዝገብረሎም ይገልጽ።
እቲ መርማሪ ኰሚሽን ግን እዚ ሃገራዊ መስርሕ፡ ታህዋኽ ዝበዝሖ፣ ኣሳታፊ ዘይኰነን ጎደሎን ክብል ነቒፍዎ እዩ።
ተንተንቲን ተሓለቕትን ከምዝብልዎ ግን፡ ምሉእ ናጽነት የብሎምን ተባሂሎም ዝንቀፉ ትካላት ፍትሒ ኢትዮጵያ ንኸምዚኦም ዝበሉ ዓለምለኻውያን ገበናት ናይ ምንዳይ ዓቕሚ የብሎምን።