ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ኣቶ ክርስትያን ብጽኑዕ ሓሚሙ ከምዘሎ ተፈሊጡ

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝዀነ ክርስቲያን ታደለ ብኸቢድ ከም ዝሓመመ ቤተሰብን ጠበቓን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ትማሊ ሰኑይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቅሊንጦ ናብ ዝርከብ ቤት ማ'እሰርቲ ብምኻድ ከም ዝበጽሖ ዝገለጸ ጠበቓ ሰሎሞን ገዛኸኝ፡ ኣቶ ክርስትያን ኣብ ቀረባ እዋን ድሕሪ ዝገበሮ ሕክምናዊ መብጣሕቲ ኵነታት እናበኣሰ ከምዝመጸ ገሊጹ።

ኣቶ ክርስትያን ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ መቅረዝ ሆስፒታል መብጣሕቲ ብምግባር ብዘይ እኹል ክትትል ናብ ቤት ማእሰርቲ ክምለስ ከምዝተገብረ፡ እዚ ድማ ናብዚ ሕጂ ዘለዎ ኵነታት ክወድኽ ምኽንያት ከምዝዀነን ሓደ ኣባል ስድራቤት ይሕብር።

ኣቶ ክርስትያን ንብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ [ኣብን] ወኪሉ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ኣቦ መንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ወጻኢታት መንግስቲ፡ ምምሕዳርን ቍጽጽርን እዩ ነይሩ።

ኣብ ክልል ድሕሪ ዝተፈጥረ ጸጥታዊ ኵነታት ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ምስተኣወጀ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ክርስቲያን ታደለ፡ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሉ ተሰሪዙ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ቤት ፍርዲ ንበዓል ስለዝተዓጽወ ሳሕቲ ኢና እንራኸብ ዝበለ ጠበቓ ሰለሙን፡ ጽቡቕ ከምዘየለ ምስ ሰምዐ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ብምኻድ ምስ ኣቶ ክርስቲያን ከም ዝተራኸበን ኣዝዩ ዝሓመመን ዝደኸመን ኰይኑ ከም ዝጸንሖን ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ጠበቓ ወሲኹ፡ መብጣሕቲ ድሕሪ ምግባሩ ግቡእ ክንክንን ምክትታልን ኣመጋግባን ስለዘይረኸበ ጥዕናኡ ከምዝተጸልወን ኣመልኪቱ።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣባል ስድራቤት ኣቶ ክርስቲያን፡ ከምቲ ብሕክምናን ቤት ፍርዲን ዝተፈቕደሉ፡ ንሕማሙ ዝምጥን መግቢ ክኣትዎ ከምዘይፍቀደሎምን፡ ዋላ ሓንቲ መግቢ ከቕርቡሉ ከምዘይከኣሉን ገሊጹ።

ብተወሳኺ ክርስትያን ሓዊሱ ብሽበራ ተኸሲሶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝርከቡ ኣባላት ባይቶ ንምብጻሕ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝኸዱሉ ምግፋዕን ምፍርራሕን ከም ዝወርዶም እውን ኣይሓብኡን።

ስድራቤትን ጠበቓን ኣቶ ክርስቲያን፡ ቅድሚ ኣዋርሕ መጥባሕቲ ከምዝተገብረሉን፡ ኣብቲ እዋን ግቡእ ክንክን ከይተገብረሉ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክምለስ ዝተገብረሉ ኵነታት ኣመልኪቶም ቅሬታኦም ኣስሚዖም።

እቶም ስድራ ከም ዝበልዎ፡ ኵነታት ኣቶ ክርስቲያን ኣዝዩ ኣሰካፊ ብምዃኑ፡ ኣብ ከባቢኡ ክዘውርን ንበጻሕቱ ክረክብን ክዛረብን ኣብ ኣጸጋሚ ኵነታት እዩ ዘሎ።

ብተወሳኺ፡ "ናብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተመልሰ'ውን፡ ንኽሓዊ ዘድልዮ ዝኾነ ነገር ከም ስብቈ ዝኣመሰለን ካልእን ከነምጽእ ኣይተፈቕደልናን፤ ብተደጋጋሚ ሒዝናሉ ኣብ ዝኸድና መሊሶሞ፤ ኣዝዩ ሓሚሙ'ዩ፡ ደው ኢሉ'ውን ብግቡእ ክዛረበና ኣይክእልን'ዩ።"

እቲ ኣባል ስድራቤት፡ ክርስቲያን ሕክምና ክረክብን ኵነታቱ ከመሓይሽን፡ ነቶም "ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት" ይወርዶም ኣለዉ ዝበሎም እሱራት ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክበጽሑዎም ጸዊዑ።

ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቶ ክርስቲያን ታደለን ካልኦት ውልቀሰባትን ቅድሚ ልዕሊ ሓደ ዓመት - ኣብ መጋቢት 2016 [ግ] እዩ ክሲ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ኣቶ ክርስቲያን ሕጊ ገበንን ገበናት ግብረሽበራ ንምቍጽጻርን ንምክልኻልን ዝወጸ ኣዋጅን ብምጥሓስ "ገበን" ብምፍጻሙ፡ ከምኡ'ውን ኣዋጅ ምምሕዳርን ምቍጽጻርን ኣጽዋር ብምጥሓስ ተኸሲሱ፡ ጉዳዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ይረአ ኣሎ።

ዓቃቢ ሕጊ ምስ ካልኦት ተኸሰስቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረበ ጉዳይ መሰኻኽር ምስማዕ ጀሚሩ ኣሎ፤ ጉዳዮም ድማ ካብ 10 ጥቅምቲ 2018 [ግ] ክቕጽል ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።