ኲናት ፑቲን ኣብ ዩክሬይን ፈሺሉ ድዩ?

ቭላድሚር ፑቲን ብ24 ለካቲት 2022 ኣስታት 200 ሽሕ ወተሃደራት ናብ ዩክሬን ምስ ሰደደ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ናብ ርእሰ ከተማ ኪቭ ኣትዩ ነቲ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ክኣልዮ ከም ዝኽእል ግምት ነይሩዎ።

ጌጋ ገሚቱ።

ኣብቲ ውግእ ብተኸታታሊ ሓፊሩ ከንሳሕብ እንከሎ፡ እቲ ናይ መጀመርታ መደቡ ወራር ከም ዝፈሸለ ብንጹር ይርአ።

እንተዀነ ኲናት ሩስያ ገና ኣይተወድአን።

ናይ መጀመርታ ዕላማ ፑቲን እንታይ ነይሩ?

ሕጂ'ውን እንተዀነ መራሒ ሩስያ፡ ነቲ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተራእየ ዝዓበየ ወራር ኤውሮጳውያን "ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት" ክብል’ዩ ዝገልጾ።

ንዕኡ፡ እዚ ኣብ መላእ ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈጸመ ደብዳብ ቦምባታት፣ ልዕሊ 13 ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ሃገሮምን ካብታ ሃገር ወጻእን ክመዛበሉ ዝገበረ ኲናት ኣይኰነን።

ብ24 ለካቲት 2022 ሸቶ እቲ ወራር፡ ንዩክሬን "ካብ ወተሃደራዊ ስርዓትን ናዚን ናጻ ምግባርን" እምበር ብሓይሊ ንምሓዝ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።

እቲ ወራር ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዘለዋ ሒደት መዓልታት፡ ካብ 2014 ጀሚሩ ብውክልና ሓይልታት ሩስያ ዝተታሕዘ ምብራቓዊ ግዝኣታት ዩክሬን ዝኣወጅኦ ናጽነት ደጊፉ።

በዚ፡ ሰባት ንሸሞንተ ዓመታት ብዩክሬናውያን ይወርዶም ካብ ዝጸንሐ ምጽራፍን ምጽናት ዓሌትን ክከላኸለሎም እየ ኢሉ።

እዚ ኣብ መሬት መሰረት ዘይብሉ ፕሮፖጋንዳ ሩስያ እዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ኔቶ ኣብ መሬት ዩክሬይን እግሩ ከየእቱ ከም ዝከላኸል ተዛሪቡ’ዩ።

ፕረዚደንት ፑቲን ዓው ኢሉ ተዛሪቡዎ ዝፈልጥ እኳ እንተዘይኰነ፡ እቲ ዝለዓለ ኣጀንድኡ ዝተመርጸ መንግስቲ ዩክሬይን ምውዳቕ እዩ ነይሩ።

ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ "ጸላኢ ቁጽሪ ሓደ ዒላማ ገይሩኒ'ዩ፤ ስድራይ ካልኣይ ዒላማ’ዩ" ምባሉ ይዝከር።

ወተሃደራት ሩስያ ንቀጽሪ'ቲ ፕረዚደንት ንምጥቃዕ ክልተ ፈተነታት ከም ዘካየዱ ኣማኻሪኡ ገሊጹ።

ዋላ’ኳ ሩስያ፡ 'ናዚ ዩክሬን ጃምላዊ ቅትለት ፈጺሞም' እናበለት እተቕርቦ ክሲ ማይ ዝዓቑር እንተዘይኰነ፡ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሩስያ ርያ ኖቮስቲ ግን ኣብ ዩክሬይን "ካና ናዚ ናጻ ምግባር ከምኡ’ውን ዩክሬናዊነት ምውጋድ ዘይተርፍ’ዩ” ክትብል ኣቃሊሓ እያ።

ንዓመታት ፕረዚደንት ሩስያ ንዩክሬን ናይ ገዛእ ርእሳ መንግስታዊትነት ክነጽጐ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ 2021 ኣብ ዝጸሓፎ ነዊሕ ጽሑፍ "ሩስያውያንን ዩክሬናውያንን ሓደ ህዝቢ እዮም ነይሮም" ብምባል ነቲ ኣብ መበል መወዳእታ 9ይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ታሪኽ ኣልዒሉ’ዩ።

ፑቲን ንዕላማታት ኲናት ብኸመይ ከም ዝቐየሮ

ድሕሪ ሓደ ወርሒ እቲ ወራርን ጎስጓስን፡ ሰራዊት ሩስያ ካብ ኪቭን ቸርኒሂቭን ምስ ኣንስሓበ ዝነበሮ ግስጋሰ ብዓቢኡ ነክዩ።

ሽዑ፡ እቲ ቀንዲ ሸቶ "ሓርነት ዶንባስ" ኰይኑ - እዚ ብሰፊሑ ነተን ኣብ ምብራቕ ሉሃንስክን ዶኔትስክን ዝርከባ ክልተ ኢንዱስትርያዊ ዞባታት ዩክሬን ዝምልከት እዩ።

ካብ ከተማ ሰሜናዊ ምብራቕ ካርኪቭ፡ ኣብ ደቡብ ድማ ከተማ ሄርሶን ክትድፋእ ዝተገደደት ሩስያ፡ ዕላማታታ እኳ እንተዘይቀየረት ብዙሕ ግን ክትዕወት ኣይክኣለትን።

እቶም ኣብ ዓውደ ውግእ ዝነበሩ ምልውዋጣት፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ንኣርባዕተ ዞባታት ዩክሬን ክጐብጥ ደፊኦምዎ።

ኣብ ምብራቕ ሉሃንስክ ይኹን ዶኔትስክ፡ ደቡብ ሄርሶን ወይ ዛፖሪዝዚያ - ንሓንቲ ካብኣተን ሙሉእ ንሙሉእ ክቈጻጸር ኣይክኣለን።

ፕረዚደንት ፑቲን፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንፈለማ እዋን ኣዋጅ ክተት ኣዊጁ፤ እታ ሃገር ዝነበራ ዕቑር ሰራዊት ግን ኣስታት 300 ሽሕ ጥራይ እዩ።

ሕጂ’ውን ንጡፍ ኲናት ዝቐጸለ ኰይኑ ዓወታት ሩስያ ግን ንኣሽቱን ሳሕቲ ዘጋጥሙን እዮም። ሕጂ መራሕቲ ምዕራባውያን ኣብቲ ኲናት ዩክሬይን ክትዕወት ኣለዋ ዝብል ጽኑዕ መርገጺ ኣለዎም።

በዚ ምኽንያት፡ እቲ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክውዳእ እዩ ዝተባህለ ኲናት ተናዊሑ ኣሎ።

ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ እቲ ኲናት "ዝተናወሐ ክኸውን ከም ዝኽእል" ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ክሳብ ሕጂ እንታይ ኣዐዊቱ?

ፕረዚደንት ፑቲን ክብሎ ዝኽእል ዝዓበየ ዓወት ካብ ዶብ ሩስያ ናብ ክሪሚያ ዝወስድ ናይ መሬት ድልድል ምምስራት እዩ።

እዚ ድልድል ኣብታ ብ2014 ብሓይሊ ዝጐበጣ ክሬሚያ ስለ ዝዀነ፡ ድሕሪ ሕጂ ናብቲ ንኽልቲአን ዘራኽብ ክሳድ ከርች ክትጽጋዕ ኣይትኽእልን።

ነዚ ንከተማታት ማሪዩፖልን ሜሊቶፖልን ዘጠቓለለ መሬት ከም ዝተቖጻጸረት ብምግላጽ "ንሩስያ ርኡይ ውጽኢት" ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ ውሽጢ ኽሳድ ኬርች ዝርከብ ባሕሪ ኣዞቭ "ውሽጣዊ ባሕሪ ሩስያ ኰይኑ ኣሎ" ክብል ኣዊጁ።

ፈሺሉ ደኸ እዩ?

ሩስያ ናብ ክሪሚያ ዝወስድ ግዝኣታዊ መተሓላለፊ ካብ ምምንዛዕ ሓሊፉ፡ እቲ ደማዊ ኲናት ነታ ሃገር’ውን ናብ ሓደጋ ኣእቲዩዋ እዩ።

ክሳብ ሕጂ፡ ጭካነን ዘይብቕዓትን ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ ካብ ምቅላዕ ሓሊፉ ዝረኸበቶ ውጽኢት ውሑድ እዩ።

ኣብ ጥቓ ኪቭ ኣብ እትርከብ ቡቻ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝተፈጸመ ዝርዝር ገበናት ኲናት ክወጽእ ምስ ጀመረ ዘይሻራዊ ምጽራይ ክግበር ምኽንያት ኰይኑ እዩ።

ግን፡ ወተሃደራዊ ውድቀት ድኽመት ሩስያ ክቃላዕ ገይሩ፤

  • ኣብ ወርሒ ሕዳር 30 ሽሕ ወተሃደራት ሩስያ ካብ ሄርሶን ንሩባ ድኒፕሮ ሰጊሮም ምምላሶም ስትራቴጂካዊ ውድቀት እዩ ነይሩ
  • ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት ንኪቭ ከቢባ ደው ዝበለት 64 ኪ.ሜ ዝንውሓታ ዝተዓጠቐት ኮንቮይ ሎጂስቲካዊ ውድቀት እያ ነይራ
  • ኣብ እዋን ሓድሽ ዓመት ዩክሬይን ኣብ ማኪቪካ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝስዓበ ሞት ኣብ ቀረባ ዘውፈረቶም ወተሃደራት ውድቀት ስለያ እዩ ነይሩ
  • ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዘጋጠመ ምጥሓል መርከብ ውግእ ከምኡ’ውን እቲ ንሰሙናት ንድልድል ከርች ዝዓጸወ ብወርሒ ጥቅምቲ 2022 ዝተፈጸመ መስተንክራዊ መጥቃዕቲ ንሩስያ ዓበይቲ ውድቀታት ነይሮም

ሩስያ፡ ሃገራት ምዕራብ ንዩክሬይን ከየዕጥቓ ብተደጋጋሚ ዝሃበቶ መጠንቀቕታ ቆላሕታ ዝረኸበ ኣይመስልን።

ዩክሬይን፡ ካብ ብብሉጻት ሚሳይላት ሂማርስ ክሳብ ታንክታት ጀርመን ሌፓርድ 2 ዝበጽሑ መብጽዓታት ወተሃደራዊ ዕጥቂ ኣትየናላ እየን።

እዚ ኲናት ግን ኣይተወድአን። ዶንባስ ንምቁጽጻር ዝግበር ቃልሲ ይቕጽል ኣሎ።

ሩስያ ኣብዚ ዓመት ንከተማ ሶለዳር ሒዛ ኣላ፤ ንምብራቓዊት ከተማ ባክሙት’ውን ክትቆጻጸር ትጽቢት ትገብር።

ተዓዘብቲ ፑቲን፡ ኣብ ዶንባስ ጥራይ ዘይኰነ ነተን ኣካል ሩስያ ምዃነን ዝኣወጀለን ኣርባዕተ ዞባታት ናብታ ቁልፊ ከተማ ዛፖሪዝያ ገጹ ከዝር ከም ዝጽዕር ይኣምኑ።

ኣድላዪ እንተዀይኑ ድማ ፕረዚደንት ፑቲን ነቲ ኲናት ክጎቶ ይኽእል እዩ።

ሩስያ ኒዩክለራዊት ሓይሊ ዘለዋ ሃገር ብምዃና፡ ኣድላዪ እንተዀይኑ ንሩስያ ንምክልኻልን እቲ ዝተጎበጠ መሬት ዩክሬይን ንምጽናዕን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ድልውቲ ምዃና ኣመልኪቱ እዩ።

"ብርግጽ ንኹሉ ኣብ ኢድና ዘሎ ስርዓታት ኣጽዋር ክንጥቀመሉ ኢና። እዚ ምምሳል ኣይኰነን" ክብል ፑቲን ኣጠንቂቑ።

ኪቭ፡ ሩስያ ነቲ ኣብ ሞልዶቫ ዝርከብ ደጋፊ ኤውሮጳዊ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ከተውርዶ ትጽዕር ኣላ ብምባል ትኣምን።

ፑቲን ተሃስዩ ድዩ?

ወዲ 70 ዓመት ፕረዚደንት ፑቲን፡ ንርእሱ ካብቲ ዘጋጠሞ ወተሃደራዊ ውድቀት ክርሕቕ ጻዕሪ እኳ እንተገበረ፡ ብውሑድ ካብ ሩስያ ወጻኢ ዘለዎ ስልጣኑ ግን ተበታቲኑን ኪኖ ዶባቱ መገሻታት ኣይገብርን።

ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ቁጠባ ሩስያ ላዕሊ ላዕሉ ክርአ እንከሎ ንተኸታታሊ እገዳ ምዕራባውያን ዝበድሀ ይመስል፤ ዋላ’ኳ ሕጽረት ባጀት ኣዝዩ እንተወሰኸን ኣታዊታት ነዳድን ጋዝን ኣዝዩ እንተነከየ።

ዝዀነ ይኹን ህቡብነቱ ንምምዛን ዝግበር ፈተነ ብጸገም ዝመልአ እዩ።

ኣብ ሩስያ ዘሎ ተቓውሞ ኣዝዩ ሓደገኛ ኰይኑ፡ ብዛዕባ ሰራዊት ሩስያ "ናይ ሓሶት ዜና" ዝዝርግሕ ሰብ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ይወሃቦ።

እቶም ንመሪሕነት ሩስያ ዝቃወሙ ድማ፡ ሃዲሞም ወይ ከምቲ ቀንዲ ተቓዋሚ ኣካል ኣሌክሲ ናቫልኒ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተደርብዮም።

ናብ ሃገራት ምዕራብ ዝዘረት ዩክሬን

መንቀሊ ናይዚ ኲናት ኣብ 2013 ዝተዘርአ እዩ።

ኣብቲ እዋን፡ ሞስኮ ነቲ ደጋፊ ሩስያ ዝዀነ መራሒ ዩክሬን ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተገብረ ውጥን ስምምዕ ንኽስርዝ ኣእሚናቶ።

እዚ ግን፡ ንዕኡ ካብ ስልጣኑ ኣውሪዶም፤ ሩስያ ድማ ንክሪሚያ ክትሕዝን ኣብ ምብራቕ’ውን መሬት ክትምንዝዕ ዝገበሩ ተቓውሞታት ኣስዒቡ።

ሩስያ ኣብ 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ድሕሪ ምፍጻማ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሕብረት ኤውሮጳ ንዩክሬን ናይ ሕጹይነት ቦታ ሂቡዋ፤ ኪቭ ድማ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ተቐባልነት ክትረክብ ጻዕሪ ትገብር ኣላ።

እቲ ንነዊሕ እዋን መራሒ ሩስያ ዝኾነ’ውን ዩክሬን ናብ ኔቶ ከይትጽንበር ንምክልኻል ሓያል ድልየት ነይሩዎ።

ዩክሬን ቅድሚ እቲ ኲናት ካብ ኔቶ ወጻኢ ኰይና ክትጸንሕ ምስ ሩስያ ግዝያዊ ስምምዕ ከም ዝነበራ ይንገር።

ኣብ ወርሒ መጋቢት’ውን ፕረዚደንት ዘለንስኪ ዩክሬን ካብ ኔቶ ወጻኢ፣ ዘይኒዩክሌራዊት ሃገር ኰይና ክትጸንሕ ሓሳብ ኣቕሪቡ እዩ።

"ሓቂ'ዩ፤ ኣፍልጦ ክወሃቦ ድማ ኣለዎ”።

ኔቶ ኣብዚ ኲናት ተሓታቲ ድዩ?

ኣባል ሃገራት ኔቶ ከተማታታ ዩክሬይን ንምሕላው ዝሕግዙ ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ከምኡ’ውን ስርዓታት ሚሳይላት፡ መዳፍዕን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ክልእኻ ጸኒሐን እየን።

በቲ ኲናት ግን ዝንቀፋ ኣይኰናን።

ምስፍሕፋሕ ኔቶ፡ ስግኣት ሩስያ ምላሽ ኰይኑ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ - ሽወደንን ፊንላንድን ብሰንኪ እቲ ወራር ጥራይ እየን ክጽንበራ ኣመልኪተን።

ኔቶ ናብ ሸነኽ ምብራቕ የስፋሕፍሕ ኣሎ ዝብል ተረኽ ሩስያ ግን ኣብ ኤውሮጳ ገለ ቦታ ረኺቡ’ዩ።

ቅድሚ እቲ ኲናት ፕረዚደንት ፑቲን፡ ኔቶ ናብቲ ኣብ 1997 ዝነበሮ ክመልስን ሓይልታቱን ወተሃደራዊ ትሕተ ቅርጹን ካብ ማእከላይ ኤውሮጳ፡ ምብራቕ ኤውሮጳን ባልቲክን ከውጽእ ጠለብ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ብናቱ ኣጠማምታ፡ ምዕራባውያን ኣብ 1990 ኔቶ ከስፋሕፍሕ’ዩ፤ "ንምብራቕ ግን ሓደ ኢንች እውን እንተዀነ ኣይደፍእን" ኢለን’የን፤ ብዝዀነ ግን ከምኡ ገይሮም እዮም።

እዚ ግን ቅድሚ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት እዩ ነይሩ፣ ስለዚ እቲ ንሽዑ ፕረዚደንት ሶቭየት ሚካኤል ጎርባቾቭ ዝተኣተወ መብጽዓ ንምብራቕ ጀርመን ኣብ ትሕቲ ዳግማይ ዝተዋሃሃደት ጀርመን ጥራይ እዩ ዘመልክት።

ጎርባቾቭ ድሒሩ ኣብቲ እዋን "ጉዳይ ምስፍሕፋሕ ኔቶ ተዘሪቡሉ ኣይፈልጥን" ኢሉ።

ኔቶ፡ ሩስያ ኣብ 2014 ንክሪሚያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክትጐብጣ እንከላ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኹ ንውግእ ሰራዊት ከዋፍር ሓሲቡ ከም ዘይፈልጥ ይገልጽ።