ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ዘጻሪ ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት ናብ ኣዲስ ኣበባ ክጓዓዝ እዩ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES/KAARI/MICHIGAN UNIVERSITY
ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘጣየሾ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ዝምርምር ዓለም-ለኻዊ ኮምሽን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ፍቓድ ረኺቡ።
ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ከምዝገለጾ፡ እቲ ኮምሽን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ረኺቡ ኣሎ።
ብተወሳኺ መርመርቲ እቲ ኮምሽን ናብ ክልላት ክንቀሳቐሱ፡ መንግስቲ ፍቓድ ክህቦም ከምዝሓተቱ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት እዩ ነቲ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ገበናትን ጥሕሰት መሰላትን ዘጻሪ ጉጅለ ኣጣይሹ።
ኣብቲ እዋን ዓለም-ለኻዊ መርማሪ ጉጅለ ከይጣየሽ ዝተቓወመት ኢትዮጵያ፡ ገሊኦም ንጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ከም መፈጸሚ ፖለቲካዊ ዕላማ ይጥቀሙሉ ኣለዉ ክትብል ከሲሳ ነይራ።
ምጥያሽ እቲ ኮምሽን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየይ ኢድ ምእታው እዩ ብምባል እውን ከምዘይትቕበሎን ምትሕብባር ከምዘይትገብርን ገሊጻ ነይራ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዛጊድ ዘካየዶ ምርመራ ዝምልከት ብረቡዕ ነቲ ቤት ምኽሪ ጸብጻብ ከምዘቕረበ ተገሊጹ ኣሎ።
ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝሰፍሐ ኲናት ንዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ዓለም-ለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት፣ ሕግታት ስደተኛታትን ካልኦት ግህሰታትን ንምጽራይ ብዝብል'ዩ ኮምሽን ኣጣይሹ።
ኣባል እቲ ኮምሽን ዝኾነ ስቴቨን ራትነር፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክገይሽ መደብ ከምዘለዎ ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።
ዕላማ እቲ ጉዕዞ ድማ ናብ ካልኦት ክልላት “ዘይተገደበ” ምንቅስቓስ ንምግባር ፍቓድ ክወሃቦም ሕቶ ንምቕራብ ከምዝኾነ ገሊጹ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣባላት እቲ ኮምሽን ናብ ኢትዮጵያ ንምእታው ፍቓድ ክወሃቦም ንሚኒስተር ፍትሒ ኢትዮጵያ ሕቶ ከምዘቕረቡ ኣዶ መንበር እቲ ኮምሸን ካሪ ቤሪ ሙሩንጊ ገሊጻ እያ።
ብተወሳኺ "ናብ ኣዲስ ኣበባ ክንበጽሕ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረብናዮ ሕቶ ኣወንታዊ መልሲ ረኺቡ" ኢላ።
"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝህልወና ዘተ፡ መርመርቲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ናብ ዝተፈጸመሎም ከባቢታት ክኣትዉ፡ ካብ መጥቃዕቲ ዝተረፉ፥ ግዳያትን መሰኻኽር ዓይንን ክረኽቡ ፍቓድ ክወሃበና እዩ ኢልና ተስፋ ንገብር" ኢላ።
ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጀነቫ፡ ዘነበ ከበደ ቆርቾ ብወገኑ፡ ኢትዮጵያ ዘለዋ ስግኣት ኣብ ግምት እንተኣትዩ "ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ንምብጻሕ ተግባራዊ መንገዲታት ኣለዉ" ክብል ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ ኢትዮጵያ "ሓድሽ ምዕራፍ እናጀመረት" ከምኡ ድማ መንግስቲ "እቲ ጎንጺ ብሰላም ዝዛዘመሉ መንገዲ" የናዲ ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ምስ ገበናት ኲናት ዝዳረግ ጥሕሰታት መሰላት ከምዝፈጸሙ እዩ ዝግለጽ።
ቁሩብ ብዛዕባ እቶም ኮምሽነራት
· ካሪ ቤቲ ሙሩንጊ (ኬንያ)
ኣብ ስግግር ከይዲታት ፍትሒ ነዊሕ ተሞክሮ ዘለዋ ካሪ ቤቲ ብተወሳኺ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት፣ ስርዓተ-ጾታ፣ ሕገ መንግስትን ሕጋጋት ምምሕዳርን ብዙሓት ስራሕቲ ሰሪሓ እያ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ጠበቓን ተሟጋቲትን ኮይና እትሰርሕ ዘላ እታ ኮምሽነር፡ ኣብ ዓመጻትን ኣብ እዋን ጎንጺ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ምኽባር ዝተተሓሓዙ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ኣተኲራ ኣላ።
ኣብቲ ድህረ ገጽ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ካሪ ቤቲ፡ ካብ 2009 ክሳብ 2010 ኣኣ ምክትል ሊቀ መንበር ኮምሽን ሓቀኛ ፍትሕን ዕርቅን ኬንያ ኮይና ሰሪሓ።
ብተወሳኺ ኣብ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ጉድኣት ንዝበጸሖም ናይ ዝወሃብ ትረስት ፈንድ፡ ተወካሊት ቦርድ ዳይረክተራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኮምሽን ሓበራዊ ክትትልን ግምገማን ደቡብ ሱዳን ድማ ላዕለወይቲ ኣማኻሪት ስግግር ፍትሒ ኮይና ሰሪሓ።
ከምኡ እውን ኣባል ናይቲ ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ዝተጣየሸ፡ ኣብቲ ብወራር እስራኤል ዝተትሓዘ ግዝኣት ፍልስጤም ዝምርምር ኮምሽን ነይራ።
· ስቲቨን ራትነር
ስቲቨን ራትነር፡ ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ሚሺጋን ፕሮፌሰር እዩ። ትምህርቱን ዘካይዶ ምርምራትን ኣብ ዓለም ለኻዊ ሕግታት፣ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት፣ መንገዲታት ጸረ ግብረ ሽበራ፣ ተሓታትነት ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰልን፣ ተግባራት ትካላትን መንግስትን ኣብ ኢንቨስትመንት ወጻኢ ዝምልከት እዩ።
ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣባል ጉጅለ ሰብሞያ ካምቦድያን ጉጅለ ሰብ ሞያ ተሓታትነት ስሪላንካን ኮይኑ ኣገልጊሉ።
ብተወሳኺ ካብ 2008-2009 ኣኣ፡ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝርከብ ኮሚተ ሕጊ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ሰሪሑ።
ኣብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብ ኮሚተ ኣማኻሪ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለለዩ ዓለም ለኻዊ ናይ ግልግል ዳኝነት በዓልሞያ ዓለምለኻዊ ኢንቨስትመንት ኮይኑ ምሰርሑ ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







