ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ ካብ ስልጣና ወሪዳ ብታየ ኣጽቀስላሴ ተተኪኣ

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ ካብ ስልጣና ወሪዳ። ኣብ ክንድኣ ድማ ታየ ኣጽቀስላሴ ብወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌደሬሽንን ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ተመሪጹ።

ኣምባሳደር ታየ ካብ መፋርቕ ዝሓለፈ ዓመት 30 ጥሪ 2016 [ግ] ጀሚሩ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኰይኑ ተሰይሙ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ፕረዚደንት ኰይና ዘገልገለት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብቲ ተረኺባ ስልጣና ነቲ ሓሙሻይ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ኰይኑ ዝተመዘዘ ሚንስትር ታየ ኣጽከስላሴ ኣረኪባ’ላ።

እዚ ሃንደበት ዝተኸሰተ ፖለቲካዊ ምዕባለ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት እታ ፕረዚደንት ነበር ዘተንብሃቶ ግን ዘይደርጎሓቶ መልእኽቲ ዘግሃደ ኮይኑ'ሎ።

ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ናብ ፕረዚደንትነት መንግስቲ ፌደራል ምምጽኣ ይፍለጥ።

ንሳ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ብምዃን ናብ ስልጣን ኣብ ዝደየበትሉ እዋን እቲ ሓላፍነት ኣገዳስነት ዘለዎ ስልጣን ኣይኰነን ዝብል ግምት ዝሃቡ ነይሮም።

እንተዀነ ግን ምልክት ሃገር ብምዃን ከም መጠን ጓል ኣንስተይትን ኣገደስቲ ዕማማት ክትፍጽም እትኽእለሉ ዕድል ከምዝህሉ ተስፋ ዝገበሩ ኣይተሳእኑን።

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ብቀዳም 25 መስከረም 2017 [ግ] ንገለ ክፋላት ግጥሚ ደርፊ ፍሉጥ ድምጻዊ ማሕሙድ ኣሕመድ ብምጥቃስ ኣብ ‘ኤክስ’ ዝዘርግሓቶ ዘይንጹር መልእኽቲ ንተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምድንጋር ፈጢሩ ከዘራርብ ቀንዩ ነይሩ።

ካብ ግጥሚ እታ ደርፊ ዝወጽእ ሓሳባትን መደምደምታን እታ ፕረዚደንት “ቅር ከምዝበላ” ከምኡ’ውን "እትኸደሉን እትወጽኣሉን" ከም ዝጠፍኣ፤ ነዚ ድማ መልሳ "ስቕታ" ከምዝዀነ የመልክት።

ኣብ መደምደምታ ናይቲ ሓጺር ጽሑፋ ከኣ ነዚ ናይ ስቕታ ኣማራጺ "ንሓደ ዓመት" ከም ዝፈተነቶ'ያ ገሊጻ።

ይኹን’ምበር ስቕታ ክትመርጽ ዘገደዳ ጸቕጢ ካበየናይ ሸነኽ ከም ዘጋጠማን እንታይ ምዃኑን እታ መራሒት ሃገር ብንጹር ኣይገለጸትን።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ምስታ ፕረዚደንት ነበር ቅርበት ዘለዎም ምንጪታት ከምዝብልዎ ግን፡ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ብዘጋጠመ ኵነታት ሕጉስቲ ኣይነበረትን፤ ዕድመ ስልጣና ክዛዘም ጥራይ ድማ ክትጽበ ከምዝጸንሐት ይገልጹ።

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ በዓል ጽብል ዓወት ዓድዋ ዝተረኸበት እዛ ፕረዚደንት፡ እቲ በዓል ክንሕብሕቦን ክንኮርዓሉን ዝግባኣና እዩ ብምባል ኣብቶም ጀግንነት ህዝቢ ዘረጋገጹ ታሪኻት ዝተፈፀመሎም ጎቦታት ዓድዋ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት ከምዝተፈጸሙ ገሊጻ ነይራ።

“ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብዚሕ ነገር ተጸጺሙ እዩ፤ ኣብዛ መሬት ሓው ኣብ ልዕሊ ሓዉ ቃታ ተሳሓሒቡሉን ንጹሓት ዝተቐተሉሉ ብዙሓት ዝተሰደዱሉ፡ ንብረት ዝዓነወሉ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝተደፈራሉ ኵነታት፡ እቲ ጀግንነት ዝተፈጸመሉ መሬት ክርእይ ገይርና ኢና” ምባላ ይዝከር።

ኣብ ዝመጽእ ዓመት ወርሒ ለካቲት 75 ዓመት ዕድመ እትመልእ እታ ፕረዚደንት ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኮይነን ካብ መንጎ ዝተመዘዛ ቀዳሞት ደቂኣንስትዮ ዲፕሎማሰኛታት ሓንቲ ኮይና ኣደ ክልተ ቈልዑ እያ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘመነ-ስራሕ 2017 [ግ] ንምጅማር ኣብ ዘካየዶ ፈላሚ መጋባእያ ገዲም ዲፕሎማት ሳህለወርቅ ዘውደ ዝትክእ ሓድሽ ፕረዚደንት መዚዙ'ሎ።

ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንፕረዚደንትነት ሕጹይ ናይ ምሕጻይ ስልጣን ኣለዎ።

በዚ መሰረት "ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ኣብ ዕጹው ኣኼባ” ኣምባሳደር ታየ ፕሪዚደንት ክኸውን ከምዝወሰነ ተፈሊጡ ኣሎ።

ፕረዚደንት ታየ ኣጽቀስላሴ መን እዩ?

ፕረዚደንት ታየ ኣጽቀስላሴ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰሜን ጎንደር ደባርቅ እዩ ተወሊዱ።

ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዓውዲ ዓለምለኻዊ ዝምድናን ዲፕሎማሲን ሃገሩ ዘገልገለ ታየ፡ ታየ፡ ሓደ ካብቶም ውህሉል ተሞክሮ ዘለዎም ዲፕሎማሰኛታት ምዃኑ ይንገር።

ብፖለቲካዊ ሳይንስን ዓለምለኻዊ ዝምድናን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ብዲግሪ፡ ከምኡ’ውን ብዓለምለኻዊ ርክባትን ስትራተጂካዊ መጽናዕትን ካብ ላንካስተር ዩኒቨርስቲ ዓዲ እንግሊዝ ብማስተርስ ዲግሪ ተመሪቑ እዩ።

እዚ ዲፕሎማት፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለየ ላዕለዎት ጽፍሕታት ሰሪሑ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ኣብ ግብጺ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

ኣምባሳደር ታየ ሃገሩ ወኪሉ ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዋሽንግተን፡ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ቆንስል ኢትዮጵያ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ሕቡራት ሃገራት ክሰርሕ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ኣምባሳደር ታየ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ፡ ጉዳይ እቲ ኲናት ናብ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት የቕርብ ከምዝነበረ’ውን ዝዝከር እዩ።

ካብ 10 ጥሪ 2015 ጀሚሩ ድማ ኣማኻሪ ሚኒስተር ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ቀዳማይ ዝነበረ ኰይኑ፡ ቅድሚ ሕዚ ሓዱሽ ሽመት ከም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ኣገልጊሉ’ዩ።