ዓባይ ብሪጣንያ፡ 'ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ክትመልስ እያ'

ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ብንኣሽቱ ጀላቡ ካብ ፈረንሳ ዝኣትዉ ስደተኛታት፡ ብሓድሽ ናይ ፈተነ መደብ ክትመልሶም ክትጅምር ምዃና ሰር ኬር ስታርመር ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ "ሓደ ክኣቱ፡ ካልእ ይወጽእ" ዝብል ውጥን፡ ገለ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ሰባት ናብ ፈረንሳ ክምለሱ እዮም። ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ከም ኣምሳያኡ ጸጥታዊ ተፍትሽ ብምግባር ተመሳሳሊ ብዝሒ ሓተትቲ ዕቝባ ክትቅበል እያ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ናይ ሳልስቲ ዑደቱ ኣብ ዝዛዘመሉ ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ውጥን ብንኣሽቱ ጀላቡ ገይርካ ነቲ መትረብ ክትሰግር ምፍታን "ኰንቱ" ምዃኑ ከም ዘርኢ ገሊጹ።

እቲ ውጥን ኣብ ሰሙን ክሳብ 50 ሰባት ክምለሱ ምዃኖም ተገሊጹ እኳ እንተ ነበረ፡ ሰር ኬር ስታርመር ግን ዝዀነ ኣሃዝ ኣየቐመጠን።

እቲ "ሱር-በተኻዊ" ዝበሎ ውጥን፡ ንጥፈታት ኣሰጋገርቲ ሰባት ደው ንምባል ዝሕግዝን ውጽኢታዊ እንተዀይኑ ድማ ከም "ሞዴል" ኰይኑ ክዓቢን ከም ዝዀነ ገሊጹ።

ዘይሕጋዊ ስደት ዓለማዊ ቅልውላው ከምኡ'ውን ቅልውላው ሕብረት ኤውሮጳን ክልተአን ሃገራቶምን ኰይኑ ከም ዝጸንሐ ሓቢሩ።

ኣሃዛት ክእከብ ካብ ዝጀመረሉ 2018 ጀሚሩ ልዕሊ 170,000 ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣትዮም ኣለዉ። ኣብዚ ዓመት ዝበጽሐ ቍጽሪ ክብረወሰን ዝተመዝገበ ኰይኑ፡ ኣብ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይ 2025 ኣስታት 20,000 ናብታ ሃገር ኣትዮም ኣለዉ።

ማክሮን፡ እቲ ውጥን ካብቲ ምምላስ ንላዕሊ "ዓጋቲ ውጽኢት" ክህሉዎ'ዩ ኢሉ።

ወሲኹ ድማ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ምውጽኣ ዘይሕጋዊ ስደት ንምምካት ዝያዳ ከም ዘጸገማ ብምግላጽ፡ "እቲ ጸገም ኤውሮጳ ምዃኑ" ዝገልጽ "ሓሶት" ንህዝቢ እንግሊዝ ከም ዝተነግሮ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ክልተኦም መራሕቲ ሃገራት፤

• ንዩክለሳዊ መከላኸሊታቶም ከወሃህዱ፣ እዚ ማለት መጥቃዕቲ እንተ ኣጋጢሙ ብሓባር ኣጽዋሮም ከዳልዉ፣

• ኣብ ሱፐርኮምፒዩተራትን ኪነታዊ-ብልሕን ምትሕብባር ከሐይሉ፣

• ኣብ ጸረ መራኽብ ሚሳይላት ዝግበር ምትሕብባር ከቀላጥፉ ከም ዝተሰማምዑ ገሊጾም።

እቲ ብዛዕባ ንኣሽቱ ጀላቡ ዝገልጽ ገለ ዝርዝራት ንጹር ኣይኰነን - ዓባይ ብሪጣንያ ንመንን ብኸመይን ናብ ፈረንሳ ከም እትመልስ ዝኣመሰሉ። ይዅን'ምበር፡ እቲ ናይ ፈተነ መደብ ካብ ዓበይቲ ሰባት ከም ዝጅምር ይእመን።

እቶም ኣብ ፈረንሳ ዝነብሩ'ሞ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክኣትዉ ዝደልዩ ሰባት፡ ብናይ ኦንላይን ስርዓት ኣቢሎም ዕቝባ ክሓቱ ይኽእሉ።

ቀዳምነት፡ ነተን ንሓያሎ ኣሰጋገርቲ ሰባት ተቓላዕቲ ዝዀና ሃገራት፡ ከምኡ'ውን ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ርክብ ዘለዎም ሰባት ክወሃብ ከም ዝኽእል ይግመት።

መንግስቲ ድሕሪ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እቲ ስምምዕ "ምስ ኮምሽን [ኤውሮጳ]ን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ብምሉእ ግሉጽነትን ምርድዳእን ኣቐዲሙ ብዝተገብረ ሕጋዊ ምጽራይ ክዛዘም'ዩ፡" ኢሉ።

ከም ስጳኛን ኢጣልያን ዝኣመሰላ ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ከም ኣምሳያኡ ስደተኛታት ከይምለሱወን ስክፍታ ክህልወን ይኽእል እዩ። ብመሰረት ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ናብ ፈረንሳ ዝተመልሱ ሰባት፡ ኣብታ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ማእከላይ ባሕሪ እትርከብ ናይ መጀመርታ ኤውሮጳዊት ሃገር ዕቝባ ክሓቱ ክግደዱ እዮም።

ሰር ኬር ስታርመር፡ "ቀሊል መፍትሒ የሎን፣ ኵሉ ኣካል ብሓባር ብምስራሕ፡ ሓድሽ ስትራተጂ እናፈተንናን ዝያዳ ቈራጽነት ምስ ዝህልወናን ነቲ ኵነታት ክንቅይሮ ንኽእል ኢና፡" ኢሉ።

ብዘይካ እቲ ናይ ምምላስ ፈተነ፡ እቲ ዘይሕጋዊ ስራሕ ክግታእ ምዃኑን እቶም ኣሰጋገርቲ ሰባት ነቶም ስደተኛታት ዝመባጽዕሎም ዕዮ ድሕሪ ደጊም ክረኽቡዎ ከም ዘይኰኑን ተሓንዩ።

ማክሮን፡ ክልተአን ሃገራት ኣብተን ንስደት ዘቃልዓኦም ሃገራቶምን መተሓላለፍቲ ሃገራትን ዘተኰረ "ሓባራዊ ስጕምቲ" ከም ዘሐይላ ገሊጹ።

ሰር ኬር ስታርመር ነቲ ናይ ፈተነ ውጥን ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ "ገለ ሰባት ንምንታይ ንገለኦም ክኣትዉ ንሓድጎም ከም ዘለና ክሓቱ ምዃኖም እፈልጥ እየ። ነዚ ብቐጥታ ክምልሶ፡" ኢሉ።

"ነቶም ሓቀኛታት ሓተትቲ ዕቝባ ክንቅበል ኢና፣ ምኽንያቱ፡ ኣዝዮም ንዝተጸገሙ ምሕጋዝ ቅኑዕ ስለ ዝዀነ።"

ቀጺሉ፡ "ካልእ ምኽንያት ግን ኣሎ። ነተን ጀላቡ ባዕልና ኰነ ንመሓዙትና [ሃገራት] ከይሕግዛኦም ብምንጋር ጥራሕ ደው ከነብለን ኣይንኽእልን ኢና፡" ኢሉ።

ካብ ዓቃባዊ ሰልፊ ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ክሪስ ፊልፕ፡ እቲ ስምምዕ ካብ ነፍሲወከፍ ዝመጽኡ 17 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት 1 ጥራሕ ከም ዝመልስ ገሊጹ።

94% ክጸንሑ ምፍቃድ ዝዀነ ለውጢ ከም ዘየምጽእን ካልኦት ካብ ምምጻእ ከም ዘይዓግቶምን ኣብሪሁ።

መራሒ ሪፎርም ዓባይ ብሪጣንያ ኒጀል ፋራጅ፡ ነቶም መሳገሪታት "ህጹጽ ኵነታት ናይ ሃገራዊ ድሕነት" ክብል ገሊጹዎም።

ብተወሳኺ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ንፖሊስ ፈረንሳ ንምድጋፍ ዝገበረቶ ክፍሊት ብምጥቃስ፡ "ፈረንሳውያን ገንዘብና ክመልሱልና ይግባእ፡" ኢሉ።

ፋራጅ እቲ ናይ ፈተነ መደብ ክሰርሕ እዩ ኢሉ ኣይሓስብን፣ "ዋላ'ውን ናብ ስግር መትረብ ሰባት ክንጥረዝ እንተ ፈቲንና፡ ብመሰረት ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ጸገማት ከጋጥመና'ዩ፡" ኢሉ።

ብዓል ስልጣን ኢምግረይሽንን ዶባትን ነበር ጆን ቫይን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፈረንሳ ንገለ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ክትመልስ ምግባር "ቀዳማይ ስጕምትን ዓወትን፡" ምዃኑ ገሊጹ።

ሓያሎ ሰባት ናብ ዝመጽእሉ እንተ ዘይተጠሪዞም ግን ዋሕዚ ከም ዘይቅንስ ገሊጹ።

ካብ ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኢምራን ሑሴን፡ ነቶም ኣሰጋገርቲ ዒላማ ምግባር ቅኑዕ ምዃኑ ብምስምማዕ፡ እቲ ውጥን ስድራቤታት ካብ ፈረንሳ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክመጽኡ ውሑስን ሕጋውን መንገድታት ክፈጥር ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ይዅን'ምበር፡ ትካል ግብረ ሰናይ ኣሲላም ማተርስ፡ "ከም ናብ ርዋንዳ ምምላስ ዝኣመሰለ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትትን ዘይጠቅምን ምትላል ኣየድልየናን'ዩ፡" ኢሉ።

"ሓደገኛ ጕዕዞታት ደው ንምባል እቲ ሓቀኛ መንገዲ፡ ሰባት ዕቝባ ንኽሓቱ ናይ ብሓቂ ውሑስ መንገድታት ምሃብ'ዩ።"

ክልተኦም መንግስታት፡ ሰልፊ ዕዮን ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ዓቃባውያንን፡ ብዝሒ ናይቶም ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣትዉ ሰባት ንምንካይ ተቓሊሶም እዮም።

ዓቃባውያን ናብ ሩዋንዳ ክሰዱ እኳ እንተ ደለዩ፡ ሕጋዊ ብድሆታት ግን ነቲ ውጥን ኣደናጒዩዎ። ቅድሚ ምጅማሩ ድማ ሓፈሻዊ ምርጫ ተጸዊዑ።

ሰር ኬር ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ ካብ ዝወሰዶ ናይ መጀመርታ ተግባራት ሓደ፡ ነቲ ውጥን "ምትላል ጥራሕ እዩ፡" ብምባል ምስራዝ እዩ።

መንግስቱ ኣብ ክንድኡ ነቶም ነቲ ጕዕዞ ዝውድቡ ዘይሕጋውያን ጕጅለታት ኣብ ምምካት ከም ዘድህብ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታመርን ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮንን ብንኣሽቱ ጀላቡ ንዝካየድ ምስግጋራት ሰባት ንምግታእ ኣብ ዝተሰማምዕሉ፡ ልዕሊ 220 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ዶቨር ኣትዮም።

ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ማቲው ሲድኒ ትማሊ ቀትሪ፡ ነቶም ብጃልባ ሰጊሮም ናብ ገምገም ባሕሪ ዝበጽሑ ቈልዑ ዝርከቡዎም ስደተኛታት ከም ዝተዓዘበ ሓቢሩ።

ማቲው፡ "ብድምር ሎሚ ኣስታት 220 ስደተኛታት ኣብዚ ክበጽሑ ርኢና ኣለና፣ ካልኦት ክውሰኹ ይኽእሉ እዮም፡" ኢሉ።

እቶም ስደተኛታት ኣብ መላእ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ዝርከብ መዕቈቢ ኣባይቲ ቅድሚ ምኻዶም፡ ናብቲ ኣብ ማንስተን ዝርከብ ናይ ቀደም መደበር ራፍ ዝርከብ መጻረዪ መደበር ተወሲዶም ምጽራይ ከም ዝግበረሎም ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣቐዲሙ፡ ሓለዋ ባሕሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ መትረብ ንዝመጻ ንኣሽቱ ጀላቡ ንዘጋጠመ ብዙሕ ፍጻመታት ናይ ሓገዝ ምላሽ ከምዘወሃሃደ ሓቢሩ ነይሩ።