ሕብረት ኤውሮጳ፡ ዝደስከለ ንብረት ሩስያ ከይተንከፈ ንዩክረይን 90 ቢልዮን ዩሮ ልቓሕ ክህብ ተሰማሚዑ

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዴንማርክ ሜት ፍረደሪክሰን (ጸጋም)፡ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ኣንቶንዮ ኮስታን ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየንን ነቲ ስምምዕ ኣብቲ ኣብ ብራስለስ ዝተኻየደ ዋዕላ ወግዓዊ ገይሮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዴንማርክ ሜት ፍረደሪክሰን (ጸጋም)፡ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ኣንቶንዮ ኮስታን ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየንን ነቲ ስምምዕ ኣብቲ ኣብ ብራስለስ ዝተኻየደ ዋዕላ ወግዓዊ ገይሮም

ዝደስከለ ሒሳባት ሩስያ ንምጥቃም ክሰማምዑ ዘይክኣሉ መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንዩክረይን 90 ቢልዮን ዩሮ (105 ቢልዮን ዶላር) ልቓሕ ንምሃብ ተሰማሚዖም።

እቲ ንዝቕጽሉ ክልተ ዓመታት ንወተሃደራዊን ቁጠባዊን ድሌታት ዩክረይን ዘማልእ'ዩ ዝበልዎ ስምምዕ፡ ኣብ ብራስለስ ንልዕሊ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ምዝርራብ ዝተበጽሐ ስምምዕ እዩ።

ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ኣንቶንዮ ኮስታ፡ "ዝኣተናዮ ቃል ፈጺምና ኣለና፡" ክብል ብናይ ሓባር ባጀት ናይቲ ውድብ ዝተደገፈ ልቓሕ ንምሃብ ከም ዝተሰማምዑ ኣብ ኤክስ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ መራሕቲ 200 ቢልዮን ዩሮ ዝደስከለ ሃብቲታት ሩስያ ክጥቀሙ ጠሊቡ'ኳ እንተነበረ፡ እታ ሰፊሕ ክፋል ናይቲ ጥረ ገንዘብ ዝርከበላ ቤልጅም ግን ውሕስነት ናይ ምክፋል ሓላፍነት ከቕርባ ጠሊባ።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ኤውሮጳ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዳግማይ ዝርርብ ክትጅምር "ጠቓሚ" ክኸውን'ዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ገሊጹ።

"ኣብዚ ዘተ ንምስታፍ ቅኑዕ ማዕቀፍ ምርካብ ከም ኤውሮጳውያንን ዩክሬናውያንን ንረብሓና'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፡" ዝበለ ማክሮን፡ ኤውሮጳውያን "ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት" ነዚ ዝገብርሉ መገዲ ክረኽቡ ከም ዘለዎም ገሊጹ።

መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ⁠ዝደስከለ ንብረት ሩስያ ኣብ ክንዲ ምጥቃም፡ ብጥረ ገንዘብ ብምልቃሕ ንዩክረይን ልቓሕ ክህቡ ምውሳኖም "ህውከትን ምፍልላይን" የርሕቝ ምህላዎም ዘርኢ'ዩ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ቤልጅም ባርት ደ ዌቨር ገሊጹ።

ደ ዌቨር ወሲኹ፡ "ሓድነትና ሒዝና ቀጺልና፡" ኢሉ።

ዩክረይን ጥረ ገንዘብ ካብ እትውድእ ኣዋርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ክሳብ ጽድያ እንተዘይረኺባ፡ "ፍርያት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክትቅንስ ከም ዘለዋ" ዘለንስኪ ገሊጹ ነይሩ።

ሕብረት ኤውሮጳ ዩክረይን ንዝቕጽሉ ክልተ ዓመታት ከጽንሓ ዝኽእል ተወሳኺ 135 ቢልዮን ዩሮ ከም ዘድልያ ብምግማት፡ እቲ ሕጽረት ገንዘብ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ክጅምር ምዃኑ ኣተንቢሁ።

ነቲ ውጥን ዝደፍአ ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ውሳነ ናይቲ ልቓሕ ንፑቲን "ንጹር ምልክት ዝሰድድ'ዩ፡" ኢሉ።

ሩስያ መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ገንዘባ ከይጥቀሙ ኣጠንቂቓ'ኳ እንተነበረት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፖላንድ ዶናልድ ቱስክ ግን "ነዚ ኣጸጋሚ ኵነታት ዕውት ብዝዀነ፡" መገዲ ክኣልዩዎ ከም ዘለዎም ገሊጹ።

እቲ ስምምዕ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንኲናት ሩስያ ንምውዳእ ቅልጡፍ ስምምዕ ክግበር ኣብ ዝደፍኣሉ ዘሎ እዋን ዝመጽአ፡ ንኪቭ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ዲፕሎማሲያዊ ምዕባለ'ዩ።

ሰበስልጣን ኣመሪካን ሩስያን ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣብ ሚያሚ ተራኺቦም ብዛዕባ ውጥን ሰላም ተወሳኺ ዝርርብ ክገብሩ ምዃኖም ሓደ በዓል ስልጣን ዋይት ሃውስ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ልኡኽ ክረምሊን ኪሪል ዲሚትሪየቭ ምስ ልኡኻት ትራምፕ ስቲቭ ዊትኮፍን ጃረድ ኩሽነርን ኣብ ሚያሚ ክዘራረብ ምዃኑ ይግመት።

ብኻልእ ወገን ዘለንስኪ ልኡኻት ዩክረይንን ኣመሪካን ዓርብን ቀዳምን ኣብ ኣመሪካ ሓድሽ ዝርርብ ከም ዘካይዱ ኣፍሊጡ።

ዋሽንግተን ንዩክረይን ካብ ካልእ ወራር ንምክልኻል ክትህቦ እትኽእል ውሕስነት ዝያዳ ዝርዝር ክትህብ ከም ዝደሊ ገሊጹ።