ኣብ ኢጣልያ ዘንጸላለወ ስግኣት ስደተኛታት

ኣብ ፓሌርሞ ነርሲን ዝመሃር ዘሎ ሙስጦፋ ጃርጆ

ምንጪ ስእሊ, KATE STANWORTH

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ፓሌርሞ ነርሲን ዝመሃር ዘሎ ሙስጦፋ ጃርጆ

ጆርጅያ ሜሎኒ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ብምዃን ታሪኽ ክትሰርሕ ቀሪባ ኣላ።

ንሳ፡ እቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብታ ሃገር ዝዓበየ የማናዊ መንግስቲ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ መንግስቲ ክትመርሕ እያ።

እቲ ብራዘርስ ኦቭ ኢታሊ ብዝብል ዝፍለጥ የማናዊ ሰልፋ ኣካል ናይቲ 'ምንካይ ስደት' ቀንዲ ኣጀንዳኡ ዝገበረ ልፍንቲ እዩ።

እዚ ድማ ኣብ ፓሌርሞ ንዝርከቡ ከም በዓል ሙስጦፋ ጃርጆ ዝኣመሰሉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዓቢይ ስግኣት እዩ።

"ኣብ ህይወት ከማይ ዝኣመሰሉ ስደተኛታት ብዙሕ ኣሉታዊ ጽልዋ ከስዕብ እዩ፣ ሓያል ስክፍታ ኣለኒ" ይብል እቲ 24 ዝዕድመኡ መንእሰይ ሙስጦፋ።

ኣብ ፓሌርሞ ወሃቢ ቃል ማሕበር ማሕበረሰብ ጋምብያ ዝዀነ ሙስጦፋ፡ ፖሊሲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት፡ ምፍልላይን ጽልእን ከስዕብ ይኽእል እዩ ይብል።

ኣብ ነሓሰ ኣብታ ሃገር ብቐትሩ ኣብ ልዕሊ'ቲ ጐደሎ ኣካል ናይጀርያዊ ኣሊካ ኦጎርቹኩ ዝተፈጸመ ቅትለት ከም ኣብነት ይጠቅስ።

ኢጣልያ ሓንቲ ካብተን ስደተኛታት ዝጥቀሙለን ቀንዲ መእተዊ ኣውሮጳ ኰይና፡ ካብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣትሒዙ 70 ሽሕ ስደተኛታት ብጀላቡ ናብ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ኣትዮም እዮም።

ድልየት ጆርጅያ ሜሎኒ፡ ነዚ ንውሕስነትን ጽሬትን ህይወት ዜጋታታ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ፡ እትብሎ ስርዓት ሓተትቲ ዑቕባ ብምድራት ዘይስሩዕ ስደት ክቋረጽ እዩ።

ብተወሳኺ ስደተኛታት ናብ መበቈል ሃገሮም ምምላስ ክውስኽ እያ ትደሊ።

ኣብ እዋን ምስጋር ባሕሪ ኣብ ጸገም ንዝኣትዉ ስደተኛታት ዘድሕና መራኽብ ግብረ ሰናይ ዒላማ ክትገብር እያ፣ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ድማ ዓጋቲ ሓይሊ ባሕሪ ክቕመጥ'ውን ጸዊዓ ኣላ።

ሙስጦፋ ጃርጆ ናብ ኢጣልያ ዝገበሮ ጕዕዞ ከምቶም ብዙሓት ካልኦት ዘጋጥሞም ንምእማኑ ዘጸግም ሓደገኛ እዩ ነይሩ።

ዝሓሸ ህይወት ንምድላይ ኣብ ታሕሳስ 2016 ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከብ ገዛኡ ወጺኡ ወዲ 17 ዓመት ኰይኑ ኢጣልያ በጺሑ።

ኣብኡ ምብጽሑ ተኣምር እዩ። ካብ ጋምብያ ነቒሉ ናብ ሊብያ ምስ በጽሐ ዘባህርር ሕልሙ ይጅምር። ኣብ ሊብያ ሰለስተ ግዜ ተታሒዙ ተኣሲሩ፣ ሰለስቲኡ ግዜ ክሃድም ክኢሉ እዩ።

ብጃልባ ኣብ ዝሰግረሉ እዋን ካብ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ተሪፉ ኣብ ሲሲሊ ምስ በጽሐ ድማ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዘስካሕክሕ ኵነታት ብኣዝዩ ትሑት ደሞዝ ሰራሕተኛ ሕርሻ ኰይኑ ።

ዑቕባ ሓቲቱ ወግዓዊ ሰነዳት ምስ ተዋህቦ ግን ዕድሉ ተቐየሩ። እዚ ድማ ትምህርቱ ንምቕጻል ናብ ፓሌርሞ ክኸይድ ኣኽኢልዎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብነርሲን ዲግሪ፡ ካልኣይ ዓመት ተመሃራይ ክኸውን ከሎ ምስተመረቐ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ክሰርሕ ተስፋ ኣለዎ።

ጆርጅያ ሜሎኒ መብጽዓኣ እንተፈጺማ ግን ስደተኛታት ኵነታት ስደቶም ወግዓዊ ንምግባር ዝያዳ ክኸብዶም እዩ።

"ሰነዳት ኣብ ምውህሃድ ኣገደስቲ እዮም" ይብል ሙስጦፋ። ብዘይ ሰነድ ብዙሓት ስደተኛታት "ዘይርኣዩ" ኰይኖም ዝጸልመተ ህላወ ክነብሩ ከምዝግደዱ ወሲኹ ይገልጽ።

ብፍላይ ንስደተኛታት ዝሕግዛ፡ ህይወት ኣድሕን መራኽብ ግብረሰናይ ከም ገበን እንተተቘጺረን፡ ስደተኛታት ባሕሪ ንምስጋር ክኸብዶም እዩ ዝብል ስግኣታት ኣሻቒልዎ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝያዳ ሞት ከስዕብ እዩ ይብል።

ሓደ ካብቶም ቅዱሳን ሓለውቲ ከተማ ፓሌርሞ ቅዱስ ቤነዲክት ዘ ሙር ኣብ ታሪኽ እቲ ናይ መጀመርታ ጸሊም ቅዱስ እዩ

ምንጪ ስእሊ, KATE STANWORTH

መግለጺ ስእሊ, ሓደ ካብቶም ቅዱሳን ሓለውቲ ከተማ ፓሌርሞ ቅዱስ በነዲክት ዘ ሙር ኣብ ታሪኽ እቲ ናይ መጀመርታ ጸሊም ቅዱስ እዩ

'ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መካነ መቓብር'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ግን ሓያል መሓዛ እቶም ስደተኛታት እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ውዕዉዕ ስምዒት ድጋፉ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኢጣልያ'ኳ ብስም እንተዘይጠቐሰ፡ መደረኡ ግን እቲ ንስልጣን ዝመጽእ ዘሎ ልፍንቲ ዝኽተሎም ፖሊሲታት ከም ተግሳጽ ክረአ ይኽእል እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፡ ምግላል ስደተኛታት "ዘሕፍር፡ ፍንፉንን ሓጢኣትን" እዩ ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣብ ማያታ ዝጠፍኡ ኣሽሓት ስደተኛታት ብምጥቃስ ንማእከላይ ባሕሪ "ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መካነ መቓብር" ኢሉ ሰይምዎ።

ወሲኹ’ውን፡ "ንዝተጸገሙ ሰባት ማዕጾ ዘይምኽፋት ገበን'ዩ" ኢሉ።

ጃርጆ ስግኣት እኳ እንተሃለዎ፡ ከተማ ፓሌርሞ ግን ተቐባሊት ስደተኛታት ብምዃን ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዝና ኣለዋ።

እዛ ኣብ ወሰን ኣውሮጳ እትርከብ ከተማ፡ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ምትሕውዋስ ባህሊ ዝረኣየላ ኰይና ሓደ ካብቶም ቅዱሳን ሓለውታ ዝዀነ ቅዱስ በነዲክት ዘ ሙር ኣብ ታሪኽ እቲ ናይ መጀመርታ ጸሊም ቅዱስ እዩ።

ሓላፊ ናይቲ ኣብታ ከተማ ን16 ማሕበረሰባዊ ጕጅለታት ማሕበር ኣርሲ ፓሌርሞ ፋውስቶ ሜሉሶ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ሲሲሊን ደቡባዊ ኢጣልያ ድምጾም ንጆርጂያ ሜሎኒ ከምዘይሃቡ ይሕብር።

ከተማ ፓሌርሞ ተቐባሊት ስደተኛታት ብምዃን ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዝና ኣለዋ

ምንጪ ስእሊ, KATE STANWORTH

መግለጺ ስእሊ, ከተማ ፓሌርሞ ተቐባሊት ስደተኛታት ብምዃን ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዝና ኣለዋ

ክሳብ ቀረባ እዋን ነጻ ጸጋማዊ ፖለቲከኛ ዝነበረ ፋውስቶ ሜሉሶ፡ ንሱ’ውን ሜሎኒ ክትክተሎ እትኽእል ጸረ-ስደተኛታት መርገጺታት ከም ዘሻቕሎ ይኣምን።

ኣብታ ከተማ ዝነብር ወዲ 23 ዓመት ስደተኛ ወዲ ጊኒ፡ ህይወት ዝያዳ ኣጸጋሚ ከይኮነት እንከላ ካብታ ከተማ ብዛዕባ ምውጻእ ይጭነቕ ኣሎ።

ወዲ 17 ዓመት ከሎ ኣትሒዙ ኣብ ፓሌርሞ ዝነብር ዝነበረ እዚ መንእሰይ፡ ሰነዳቱ ንምውጋን ከምዝተቓለሰ፡ ስርዓተ ዑቕባ ኢጣልያ ድሮ ንስደተኛታት ከምዘጸግሞምን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ተደናጊሮም ክተርፉ ከምዝገብርን ይኣምን።

ንሱ ጽቡቕ ጽቡቕ ምልከት ቋንቋ ጣልያን ኣለዎ፣ ኣብ ማሕበረሰባዊ ጕጅለታት ወለንተኛታት ይሰርሕ፡ ይመሃርን ከምኡ’ውን ከም ኣሳሳዪ እናሰርሐ ብቐጻሊ ምስ ናብራኡ ዝቃለስ መንእሰይ እዩ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ሰነዳቱ ከሐድስ ኣለዎ፣ እዚ ድማ ብዙሕ ግዜ ዝወስድን ንስደተኛታት ከቢድ መስርሕን እዩ።

ሕጂ ስራሑ ገዲፉ ናብ ፈረንሳ ክግዕዝ ቀሪቡ ኣሎ። ኣብኡ ኣዝማድ ስለዘለውዎ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክመሃር ድልየት ኣለዎ።

"ሽዱሽተ ዓመት ኣብዚ ድሕሪ ምንባር፡ ንዓይ ዝተቐየረ ነገር የለን። ትማሊ ዝመጻእኩ ኰይኑ’ዩ ዝስምዓኒ።"