እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 18 ሰባት ተቐቲሎም
ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ከተማ ግልገል በለስ ብዕጡቓት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉን ከምዝቘሰሉን መሰካኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቶም መሰኻኽር ከምዝገለፅዎ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ 30 ሰነ 2015 [ግእዝ] ኣጋ ምሸት ሰዓት 11፡30 [5:30] ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 18 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት ብዙሓት ድማ ቆሲሎም።
ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ወጺኦም ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ዝሰፈሩ ዕጡቓት ምዃኖም እቶም መሰኻኽር ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐስ ውድብ ፖለቲካ ‘ቦሮ ደሞክራስያዊ ፓርቲ’ (ቦደፓ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ክሳብ ሕጂ ዕጥቂ ዘይፈትሑ ዕጡቓት ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ጉሙዝ (ጉህደን) ኣብ ከተማ ግልገል በለስ ብሰነ 30 ብዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት ከምዝተቐትሉን ካልኦት ብዙሓት ከምዝቘሰሉን ኣረጋጊጹ።
እቲ ውድብ “ብዝኾነ መዐቀኒ ቅቡል ዘይኮነ ዘሕፍርን ነውራምን” ክብል ነቲ ተግባር ኮኒንዎ ኣሎ።
ነቲ ቅትለት ዝፈጸሙ ኣካላት ብቕልጡፍ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ እውን ጸዊዑ።
ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ በቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 18 ሰባት ከምዝሞቱን 16 ሰባት ድማ ቆሲሎም ናብ ሆስፒታል ከምዝኣተዉም ሓቢሮም።
"ኣብቲ ከባቢ 'ካብ መንግስቲ ዝቕለቡ' ሸፋቱ ኣለዉ" ዝበለ ሓደ ምስክር ዓይኒ፡ እቶም ዕጡቓት ከበድቲ ኣጽዋር እውን ዓጢቘም ኣብታ ከተማ ከምዝንቀሳቐሱ ተዛሪቡ።
መንግስቲ ብወገኑ ድሕንነትን ሰላምን ህዝቢ እቲ ክልል ንምሕላው ስጕምትታት ይወስድ ከምዘሎ ክገልጽ'ኳ እንተጸንሐ እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ግን "እንታይ ይስራሕ ከምዘሎ ክንርኢ ኢና። እቲ ዝኸውን ዘሎ ዘሕዝን እዩ። መንግስቲ ንህዝቢ እቲ ከባቢ የመሓድሮ የለን" ክብል ወቒሱ።
ድሕሪ እቲ ብዓርቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ጥሪቶም እናገንሑ ፓዌ ናብ ዝበሃል ቦታ ከምዝተፈናቐሉን ኣብታ ከተማ ዝነበረ ኣገልግሎት መጓዓዝያን ካልእ ንጥፈታትን ደው ከምዝበለን እቲ ካብ መሰኻኽር ዝተረኽበ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።
ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ናይ ዓይኒ ምስክር "ብሰላማዊ ስምምዕ ንመንግስቲ ኢዶም ሂቦም ዝተባህሉ ዕጡቓት" በቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ተሓተትቲ ይገብር።
ካብ ቻግኒ ናብ ፓዌ መስመር ዝኸዳ ተሽከርከርቲ እናዓገቱ ኣብ ልዕሊ ተጓዓዝቲ ብምትኳስን ቦምባ ብምድርባይን መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ዝገለጸ እቲ ውልቀሰብ በቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 18 ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት 12 ከምዝቘሰሉን ሓቢሩ።
"እቲ ዓርቢ ምሸት ዝጀመረ መጥቃዕቲ ብሰንኪ ምምሳይን ዝናብን እዩ ደው ኢሉ" ብምባል ድማ ብቕልጡፍ ዝረድእ ሓይሊ ጸጥታ ከምዘይነበረ ተዛሪቡ።
ናብ ሰኑይ ኣብ ዘውግሕ እውን ኣብቲ ከባቢ ተዅሲ ምንባሩ ዘዘኻኸረ እቲ ነባሪ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከይፍጸም ዝሰግኡ ነበርቲ፡ ካብ ከባቢኦም ይወጹ ከምዘለዉ ኣረዲኡ።
"እቶም ዕጡቓት ነቲ ጻውዒት ሰላም ተቐቢሎም ካብ ጫካ ወጺኦም'ኳ እንተተባህለ ኣጽዋሮም ግን ኣየረከቡን" ይብል እቲ ወሃቢ ሓበሬታ።
ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ኣመሓደርቲ እቲ ከባብን ሓለፍቲ ፖሊስን መብርሂ ንምርካብ ተደጋጋሚ ፈተነታት እኳ እንተገበረ ክሰምረሉ ግን ኣይከኣለን።
ዕጡቕ ጉጅለ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ጉሙዝ ቅድሚ ሎሚ’ውን ኣብ ከባቢ መተከል ዝተፈላለየ መጥቃዕትን ጭውያን ብምፍጻም ይኽሰስ።
እቲ ጕጅለ "ንህዝቢ ጉሙዝ ሓራ ክነውጽእ ኢና" ብዝብል ተዓጢቑ ኣብቲ ከባቢ ከምዝንቀሳቐስ ይንገር።
ቅድሚ ሒደት ሰሙናት እቲ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጕጅለ ብሰላማዊ መንገዲ ተሰማሚዑ ዕጥቂ ከምዝፈትሐ ብተደጋጋ ክግለጽ ምጽንሑ ይዝከር።
ቦሮ ደሞክራስያዊ ፓርቲ ብወገኑ፡ ንቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዝመርሕ ክልላዊ መንግስቲ ብመሰረት ዝበጽሖ ስምምዕ፡ እቶም ሓይልታት ዕጥቆም ፈቲሖም ናይ ተሃድሶ ስልጠና ድሕሪ ምውሳዶም ናብ ማሕበረሰቦም ክሕወሱ ምዃኖም እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ዝረአ ዘሎ ግን ነዚ ዘረጋግጽ ከምዘይኮነ ኣመልኪቱ’ሎ።
ወሲኹ፡ እቶም ሓይልታት ዕጥቆም ከይፈትሑ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ብፍላይ ግደ ንኣካላት ፀጥታ መንግስቲ ተኪኦም ዝገብርዎ ንጥፈታት ብቕልጡፍ ደው ክብልን ብህጹጽ ዕጥቆም ክፈትሑን ጻውዒት ኣቕሪቡ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ።
ኣብቲ ክልል ብፍላይ ኣብተን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ዝመጽአለን ፈላሞት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ተደጋገምቲ ጨፍጨፋ ብምክያዶም ኣሽሓት ነበርቲ ካብ ከባቢኦም ክፈናቐሉ ተገዲዶም’ዮም።
ነቲ መጥቃዕቲ ደው ንምባል ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ምስቶም ዕጡቓት ስምምዕ ከምዝተገበረ ዝሕብር መንግስቲ እቲ ክልል፡ ከም ውጽኢቱ ገለ ካብ ኣባላት እቶም ዕጡቓት ንሰላማዊ ቃልሲ ድልዋት ብምዃን ዕጥቆም ከምዝፈትሑ ምግላጹ ይፍለጥ።
በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዝነበረ መጥቃዕቲ ሃዲኡ ነይሩ።
እቲ ኣብ መዛዘሚ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ቅትለትን ብድሕሪ’ቲ እቶም ዕጡቓት ሓይልታት ናብ ሰላማዊ ናብራ ክምለሱ ኣብ ስምምዕ ዝበፅሑ ዘጋጠመ ከቢድ መጥቃዕትን ቅትለትን እዩ።