100 ዓመት ዘብዓለ ታሪኻዊ ህንጻ ካቴድራል ኣስመራ

ኣብ 1923 ተሃኒጹ ኣገልግሎት ዝጀመረ ታሪካዊ ህንጻ ካቴድራል ኣስመራ፡ መበል 100 ዓመቱ ትማሊ ሰንበት፡ ኣሽሓት ኣመንቲ፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰብ መዚን ኣብ ዝተረኸበሉ ተባዒሉ።

እቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ጣልያን ዝተሃነጸን ሓደ ካብ ምልክታት እታ ከተማን ተገይሩ ዝውሰድን ካቴድራል ኣስመራ፤ መበል 100 ዓመት ጽንብሉ ኣብ ዝተበዓለሉ፡ ኣምባሳደር ጣልያን ኣብ ኤርትራ ማርኮ ማንቺኒ’ውን ተሳቲፉ ነይሩ።

ኣብቲ ጽንብል ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ [ካብ ከረን፡ ካብ ኣስመራን ካብ ሰገነይተን] ከምኡ'ውን ወኪል ናይ ቫቲካን ከምዝተሳተፈ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣስመራ ቀንዲ ትልለየሉ ቅዲ ህንጻታት ናይ ኣርትዴኮ ኮይኑ ከም መርኣይኡ ከተማ ኣስመራ ሓንቲ ካብ ዓለማዊ ውርሻ ተባሂላ ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ክትምዝገብ ክኢላ’ያ፤ ካቴድራል ከኣ ሓደ ካብ ቀንዲ ዓንድታታን ምልክታትን እቲ ኣስመራ ትምክሓሉ ቅድታት ናይ ኣርትዴኮ’ዩ።

ብዛዕባ ታሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዝተጻሕፉ መጻሕፍትን መጽሔታትን ምስ እንገናጽል፡ እቲ ሚስዮን ምስ ደቀባት ኤርትራ ዝመስረቶም ምትእስሳራት፡ ዘተኣታተዎም መንፈሳውን ዓለማውን ምዕባለታት፡ ብሓልዮት’ቲ ቤተ ክርስትያን ዝፈረዩ ምሁራት ካህናትን ደናግልን፡ ኣብ ትምህርትን ሕክምናን ክንክን ቈልዑን ረዲኤት ዘኽታማትን ዘበርከቶ ትውፊት ክርአ ይከኣል።

ዛንታ ካቴድራልን ታሪኽን ውዕሎን ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክን፡ ኣብቲ ኣባ ሃብተማርያም ዓድ ዑመር ዘቕረብዎ ጸብጻብ ሰፊሩ ይርከብ። ደቂ ኣስመራ ከኣ ንካቴድራል ካብ ኣቡነ ካራራ ዝተቐበሉዋ ህያብ ገይሮም እዮም ዝርእዩዋ።

"ኣቡነ ካራራ፡ ኣብ መወዳእታ ሃዋርያዊ ኣገልግሎቶም ዝፈጸምዎ ዓቢይ ንሓዋሩ ዝተርፍ ዝኽሪ፡ ምህናጽ ካቴድራል ኣስመራ እዩ፡" ይብሉ ኣባ ሃብተማርያም።

"ሓወልቲ እምነትን ስነ-ጥበብን ኣብ ምድሪ ኣፍሪቃ" ኢሎም ከኣ ሰመይዋ።

ኣቡነ ካራራ ኣብ ቤርጋሞ (ኢጣልያ) ብ 14 መጋቢት 1871 ዝተወልዱ፡ ኣብ 16 ዕድመኦም ኣብ ማሕበር ካፑቺን ኣትዮም ልብሰ-ምንኵስና ዝለበሱ ትኵርን ፍሉይ ናይ ምሕደራ ክእለትን ዝነበሮም ሰብ’ዮም ነይሮም። ኣብ 23 ዕድመኦም ድማ መዓርግ ክህነት ተቐበሉ።

ኣቡነ ካራራ፡ ካብ ሊቀ-ጳጳስ ሚላኖ ናይ ኣቡን ማዕርግ ተቐቢሎም፡ ምስ ርእሰ ሊቀ-ጳጳሳት (ፒዮስ 10ይ)፡ ከምኡ’ውን ምስ ንጉስ ቪቶርዮ ኢማንወለ 3ይ ድሕሪ ምርኻቦም፡ ብ 19 መጋቢት 1911 ምስ ዓስራይ ርእሶም ንኤርትራ ተበገሱ።

ካቴድራል ዝሰኣላ መሃንዲስ

ንካቴድራል ዝሰኣላ መሃንዲስ ስካቫኚኒ፡ ዝሃነጻ ድማ ኢንጂኔር ማርዮ ማሰቲ ይበሃሉ። እቲ ናይ ጕልበት ስራሕ - ኣብ ምንዳቕ ዝተዋፈሩ፡ ክእለቶም ዝተመስከረሎም ኣሳሰይቲ ኣሕዋት ካፑቺን - ሓው በርናርዲኖ ዳ’ደስዮ፡ ሓው ሲሮ ዳ’ብረምቢላ፡ ሓው ካርሎ ኢንዛጎ፡ ሓው ጀሮላሞ ዳ’ኮሊፓርዶ ይበሃሉ።

እዞም ኣሓዋት’ዚኦም፡ ኣብ ምሉእ ሃዋርያዊ ህየንተ መንበረ ጵጵስና፡ ስራሕ ኣብ ዘዝተወጠነሉ ቦታ እናኸዱ ናይ ህንጻ ኣገልግሎቶም ዘወፍዩ ዝነበሩ ቅዱሳንን ዉፉያትን ኣሕዋት ነበሩ” ይብል ጽሑፍ ኣባ ሃብተማርያም ዓድ ዑመር።

ኣቡነ ካራራ፡ ንካቴድራለ ክሃንጹ ብዙሕ ላዕልን-ታሕትን ኢሎም’ዮም። ኣብ ዓዲ ጥልያን ሓገዝ ሓቲቶም ካብ ር.ሊ.ጳ. በነዲክት መበል 15፡ ካብ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11፡ ከምኡ’ውን ካብ ንጉስ ኢጣልያ (ቪቶርዮ ኢማኑኤለ 3ይ ሓገዝ ረኺቦም’ዮም። ኣውራ ግን ካብታ ዝተወልዱላ ዓዶም - ኣልቢኖ (ኣብ ከባቢ በርጋሞ/ሚላኖ) ብዘካየድዎ ጐስጓስ እዮም ዝበዝሐ ሓገዝ ዝረኸቡ።

ካቴድራል፡ ብ14 ጥቅምቲ 1923 “ካቴድራል ቅድስቲ ማርያም ሮዛርዮም” ተባሂላ ኸኣ ብዓቢይ ዓጀባ ተመረቐት።

ኣቡነ ካራራ ንኤርትራ ካብ ዝመጽሉ እዋን ኣብ ዉሽጢ 16 ዓመታት 26 ኣብያተ ክርስትያን ኣስሪሖም። ብቐንዱ ኸኣ እታ ዓባይን ተወዳዳሪ ዘይብላ ብ 1923 ዝተዛዘመት ካቴድራለ ኣስመራ ሓንቲ ካብአን እያ።