እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣስመራ፡ 'ዳግማይ ተሓዲሳን ደሚቓን ንርእያ ዶ ንኸውን?'
ኣብ 2003 ፊንላንዳዊ ፎቶ-ጋዜጠኛ ሳሚ ሳሊነን “Asmara Beloved” (ፍቕርቲ ኣስመራ) ዘርእስታ ልዕሊ 200 ኣሳእል ዝሓቘፈት፡ 145 ዝገጻታ መጽሓፍ አሕቲሙ ዘርጊሑ።
እታ ብስእሊ ኮሪዶዮ ሲነማ ኣዝማራ ጀሚራ፡ ህንጻ ማእከላይ ቤት-ጶስጣ፡ ገዛኢ ፈርዲናንዶ ማርቲኒ ዝነብረሉ ዝነበረ ፓላሶ (1905)፡ እንዳ ባሑበሺ፡ መርካቶ ኮፐርቶ፡ መስርዕ-ዓንድታት ሹቕ፡ መናፈሻ ደንደን፡ ናይ ቀደም ባንኮ-ዲ-ሮማ፡ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ጸሎት፡ ሆቴላት፡ ባራት፡ ኣብያተ መግቢ፡ እቲ ብ1938 ዝተሃንጸ መስጊድ - ኣል ኹላፋእ ኣ'ራሺዲን እተርኢ፣ ብዘመን ጣልያን ዝተሰርሑ ኣባይቲ ጥራይ ዘይኰነ፡ ክሳብ እዋን ናጽነት ዝተሰርሑ መንበሪ ገዛውቲ-ሰምበል’ውን ዝሓቘፈት፣ በዓላትን ጽንብላትን ዕዳጋታት’ውን ከይተረፈ ዘማእከለት መጽሓፍ፡ ኣብ እዋና ልዑል ኣድናቘት’ያ ረኺባ።
ይዅን’ምበር፡ እቶም ንክውንነት ዘንጸባርቝ ኣሳእል፡ ኣስመራ ክሳብ ክንደይ ክንክን ከም ዝጐደላ’ውን የርእዩ እዮም።
ንኣብነት ነቲ ናይ ቀደም ሲነማ ካፒቶል ዝፈልጥ ሰብ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተበላሸወ ኣይስሕቶን።
ኣብ ጥቓ ሳን-ማርኮ (እንዳ ባኒ) ለጊቡ ዝርከብ መዕረፍ ኣጋይሽ፡ መዓጹኡን መሳዅቱን መንደቑን ኣቓልቦ ስኢኑ ናብ ምዕናው ገጹ ከምዝኸደ የርኢ።
ኣብ ኤርትራ ነዊሕ ይገብር ኣባይቲ ናይ ምጽጋን መስርሕ ደው ስለዝበለ፡ ብዙሓት ካብ ዲያስፖራ ንኣስመራ በጺሖም ዝምለሱ ገያሾ ዝነግርዎ ዛንታ ነቲ ስእልታት ሳሚ ዝገልጾ ሓቅታት ዝድርዕ እዩ።
ነታ መጽሓፍ ብጽሞና ዘንበባ ሰብ፡ ኣብ ሓሳቡ፡ ‘እታ ናይ ቀደም ኣስመራ ደኣ ኣበይ ኣበለት?’ ዝብል ሕቶ ክመጽኦ ይኽእል እዩ ይብል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ተመራማሪ ታሪኽ ዳዊት መስፍን።
“ነዚ ናይ ሎሚ ማይ ጃሕ-ጃሕ ዝረኣየ፡ ኣብቲ ብ1938 ዝተሃንጸ ፓላሶ ፋሌታ ዝበጽሐ፡ ን ‘ካዛ ደል ፋሽዮ’ (ናይ ሕጂ ሚኒስትሪ ትምህርቲ) ተጐዝጒዙ ዝሓለፈ ሰብ፡ ከም ዝድንጽዎ ምግላጽ ዘድሊ ኣይመስለንን” ይብል እታ ዘዕበየቶ ኣስመራ ዝሃሰሰቶ ዳዊት።
እቲ ኣብ መወዳእታ 50’ታትን መፋርቕ 60’ታት “ሰኬንዶ ሮማ” ክትበሃል እንከላ ብናፍቘት ዝዝክራ ዳዊት፡ ኣስመራ ግቡእ ክንክን ስኢና ከምዝተደወነት ይዛረብ።
እቲ ብብዙሓት ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝቐርብ ናይ ሕጂ ስእልታት ህንጻታታ ከተማ ኣስመራ ከኣ ነዚ ክውንነት እዚ’ዩ ዘዘንቱ።
ምሕደራ ኣስመራ ከመይ ነይሩ?
ኣስመራ፡ ኣብ 30’ታት ብጣልያን ብዝተሰርሑ ኣባይቲ ኣዕለቕሊቓ ነበረት። ዋላ’ኳ ጣልያን ነቶም ኣባይቲ ንዓታቶም ኢሎም ይስርሕዎም፡ ደቀባት ከኣ ተጠቀምቲ ዝተሰርሑ ህንጻታትን ትሕተ-ቅርጽን ምዕባለታትን ነይሮም።
“ኣነ ክዓቢ ከለኹ ሻምብቆታት ማይ ብግቡእ ተዘርጊሖም፡ ረሳሕ ማይ ዝፈሰሉ ካናለታትን ምስ መእተው ኣፉ ... (ፎኛቱራ) ዝነበረሉ፡ ጐሓፍ ብግቡእ ተኣኪቡ ናብ ጐዱፍ ዝምድመደሉ፡ ናይ ህዝቢ ዓይኒ ምድሪ ኣብ ፈቐድኡ ጐደና ተተኺሎም ዝነበሩሉ፡ መብራህቲ ጽርግያ ባዕ ኢሎም ዘብርህሉ፡ ጽርግያታት ብቕጥራን ዝተኸድኑሉ፡ ኣውቶቡሳት ንገያሾ ዝመናጠላሉ ዘመን ምንባሩ ይዝከረኒ፡” ይብል ዳዊት።
ብእዋን ፈደረሽን (1952-1962) ጣልያን ንዓዶም ዝምለስሉ እዋን’ኳ እንተነበረ፡ ግርማ ኣስመራ ኣይተደወነን። ትካላት መንግስቲ - ከም ቤት-ማዘጋጃ ዝኣመሰሉ - ብግቡእ ይሰርሑ ነይሮም።
ብግዜ ሃይለስላሰ (1962-1974) ደገዝማት ሓረጐት ኣባይ ንግርማ ኣስመራ ብዝከኣሎም ከም ዝዓቀቡ ደቂ ኣስመራ ይምስክሩ።
ብእዋን ደርግ (1974-1991) ክንክንን ሓልዮትን የንቈልቍሉ’ምበር ምስሊ ኣስመራ ጨሪሱ ኣይዓነወን ነይሩ፡ ይብል ዳዊት ንርእይቶ ደቂ’ቲ ዘመን ብምጥቃስ።
ብ1925 (ክሳብ 1941) እዚ ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከብ ቀንዲ ጐደና ብ‘ቪያለ ሙሶሊኒ’ ይጽዋዕ ነበረ። ኣብ እዋን መግዛእቲ እንግሊዝ፡ እቲ ስሙ ናብ ‘ኮርሶ-ዲ’ታልያ’ ተለወጠ። ብዘበን ሃይለስላሰ ድማ (ካብ 1952 ጀሚሩ) ‘ጐደና ቀዳማዊ ሃይለስላሰ’ ተባህለ። ብ1974፡ ደርግ ምስ መጽአ ድማ ስሙ ናብ ‘ብሔራዊ ጐደና’ ተቐየረ። ብ1991፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኸኣ ‘ጐደና ሓርነት’ ተሰምየ።
ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ታሪኽ ምሕደራ ኣስመራ በዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኣስማት/ዘመናት ክግለጽ ይከኣል፤ መን እንታይ ኣበርከተ’ውን ሰነዳት ታሪኽ ሓቚፉዎ ኣሎ።
ኣስመራ ሓራ ካብ እትወጽእ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ኰይንዋ ኣሎ።
እቶም ግርማ ዘልብስዋ፡ ብፍላይ እቶም ብ 'ኣርት-ዴኮ' ዝተመዝገቡ ታሪኻውያን ህንጻታታ ግን ዝግባኦም ጽገና ኣይረኸቡን። ብፍላይ እተን ንቡር ስኢነን ፍጹም ናብ ዕንወት ገጸን ዝኸዳ ኣብያተ ሲነማ፣ ኣዝማራ፡ ካፒቶል፡ ኦድዮን፡ ኢምፔሮን ካልኦትን ንምጽጋን ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ተበጊሶም'ኳ እንተነበሩ፡ ብሰንኪ ሕማቕ ምሕደራን ኣተሓሕዛን መንግስቲ ኵሉ ከም ዝፈሸለ፡ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሉዎ ዝነበሩ ደቀ'ስመራ ይገልጹ።
እዚ ህንጻታት፡ ከም ዓለማዊ ቅርሲ ብወግዒ ኣብ ትሕቲ ዩኔስኮ ድሕሪ ምምዝጋቡ፡ ንቡርን ግቡእን ሕደሳ ክግበረሉ ዝነበረ ተስፋ፡ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ቅሂሙ እዩ።
ኣብ 30’ታት፡ ንዕብየት ኣስመራ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዝገበረ ቪቶርዮ ካፌሮ ዝተባህለ ኢጣልያዊ ሰኣሊ ወጥን-ከተማ ነበረ። ንሱ ንማእከል-ከተማ ብምስኣሉ’ዩ ዝዝከር።
ግዊዶ ፈራዚ ኸኣ ብ1935 ቀንዲ መሃንዲስ ሙኒቺፕዮ ነበረ። ንሱ ብህንጻ እንዳ ዓሳ፡ ህንጻ ተሌኮሙኒከሽን፡ መስጊድ ዓቢ፡ እዩ ዝዝከር።
ኤድዋርዶ ካቫኛሪ ዝተባህለ ብጻዩ ድማ ንእንዳ ማርያምን (1937)፡ ሲነማ ኣዝማራ (1920) ብምስኣሉ’ዩ ዝዝከር።
ንታሪኽ ኣስመራ ብፍልይ ዝበለ ኣገባብ ምስ ዓለም ዘፋለጡዋ ተመራመርቲ ህንጻ’ውን ኣለዉ።
ንሳቶም ብጽባቐ ኣስመራ ተመሲጦም ስልቲ ታሪኻዊ ኣሰዃዅዓ [historical context] ተጠቒሞም ንኣስመራ ምስ ዓለም - ምናዳ ምስ ዓለም ዩነስኮ - ዘፋለጡ ምሁራን’ዮም።
ኤድዋርድ ደኒሶን ኣብ ዩ-ሲ-ኤል (ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ) ስነ-ህንጻ ዝምህር ፕሮፈሰር’ዩ። ንሱ፡ ምስ ግዋንግ-ዩ-ረን ኰይኑ - ከምኡ መምህር ስነ-ህንጻ - ንጽባቐን ክምስታን ኣስመራ ዝገልጽ “Asmara: Africa's Secret Modernist City” ዘርእስታ ብ2003 ዝተሓትመት ኣገዳሲት መጽሓፍ ዘዳለወ እዩ።
ክልቲኦም መምህራን ብትውፊት ትካል ሞያዊ ምኽሪ ሓያል ኣህጕራዊ ተመኵሮ ኣለዎም። ነታ መጽሓፍ ክጽሕፉ ምስ ኤርትራዊ ፕሮፈሰር ናይእዝጊ ገብረመድህን ሓቢሮም’ዮም ጽሒፎማ። ንምድላዋ ድማ ሓሙሽተ ዓመት ወሲዳ።
ንምዃኑ፡ ፕሮፈሰር ናይእዝጊ ገብረመድህን ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝለዓለ ተመኵሮ ዘለዎ፡ ብዛዕባ ስነ-ህንጻን ህንደሳን ሞያ-ኣካባቢ [environment] ኣማኻሪ፡ ኣብ ሓደ እዋን ከም ዳይረክተር ባህላዊ ርእሰ-ማል ኤርትራ ኰይኑ፡ ዘገልገለ ሰብ’ዩ።
እቶም ደረስቲ ነታ መጽሓፍ ተገዲሶም ከም ዜዳለዉዋ ከኣ እቲ ብዕምቈት ዘንበባ ዳዊት የረድእ።
ብተወሳኺ፡ ዩነስኮ - ትምህርታውን ሳይንሳውን ባህላውን ውድብ ሕቡራት ሃገራት - ብድፍኢት’ዞም ደረስቲ ኣቢሉ ንኣስመራ ኣብ መዝገብ እተን ክዕቀባ ዝግብአን መካነ-ትውፊት ክትከውን ብ2017 ወሰነ።
እዚ ኸኣ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ሰፊሮም ዝረኣዩ፡ ኣስመራ ገና ማዕረ 400 ዝቝጽሮም ዘበናዊያን [modernist buildings] ብዘበን ጣልያን (1889-1941) ዝተሃንጹ ህንጻታት ሒዛ ትርከብ።
እቶም ደረስቲ ጽባቐ ኣስመራ ዝዕቀበሉ ኣገባብ ሓያሎ ለበዋታት ኣቕሪቦም’ዮም። እቲ ሕጂ ኣስመራ ዘላቶ ኵነታት ምስ ዝረአ ግን ለበወታቶም ኣብ ግብሪ ከም ዘይወዓለ የገንዝብ።
መጻሕፍቲ ታሪኽ ዘይትርኽዎ፡ ደቂ’ስመራ ግን ዝፈልጥዎ ሓደ ሓቂ ግን ኣሎ። እዚ ኸኣ ንኣስመራ ስልማታ፡ ነዚ ዅሉ ዘመናት ኣጊጹዋ ዝነበረ ኣባይቲ፡ ጐደናታት፡ ጽርየት፡ ስርዓተ-ሕጊ ጥራይ ዘይኰኑስ ህዝባ’ዮም ነይሮም።
ህዝቢ ኣስመራ ካብ ኵሉ ዞባን ወረዳን ኣውራጃን ኤርትራ ዝመጽአ፣ ካብ ብዙሕ ክፋላት ትግራይ ኰነ ካብ የመንን ዓዲ ጥልያንን ዝመጹ'ውን ዝሰፈሩላ፡ ንዅሉ ብግቡእ እተአንግድ ፍልይቲ ከተማ እያ ነይራ።
እዚ ማሕበራዊ ታሪኽ [Social History] ናይዛ ከተማ፡ ብስፍሓትን ዕምቈትን ክጸሓፍ፣ ንብዙሕ ምሁራዊ ምርምራዊ ጽሑፋት ዝበቅዕ ዕቝር ትሕዝቶ ከም ዘለዎ ብዙሓት ይሰማምዑሉ።
እቲ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ስሙር ህይወት፡ ብዅሉ ሸነኻቱ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ሃገራዊ ታሪኽ ኤርትራ፡ ቁጠባን ካልእ ዝነበሮ ኣስተዋጽኦ፡ ብመንጽር ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ኣፍሪቃ ይዅን ዓለም ክትንተን ዝበቅዕ ዘደንቕ ታሪኽ ምዃኑ፡ 'መጽናዕቲ ከተማ' [Urban Studies] ጥልቕ ዝበለ ፍልጠት ዘለዎም ኤርትራውያን ይገልጹ።
እዚ ይዅን ግን፡ እዛ ኵሉ ሰብ ተወሃሂዱ፡ ተኸባቢሩ፡ ተዋሲቡ፡ ብሰላም ዝነብረላ ከተማ ኣስመራ፡ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ቍጠባዊን መልክዓታ ለዊጣ ብዙሓት ነበርታን መንእሰያታን ስለእተሰዱ ብእኡ መጠን ምድኻማ ጋህዲ ኰይኑ ኣሎ።
“ድሕሪ ናጽነት ምስሊ ኣስመራ ተመሊሱ ክሰርር ብዙሕ ትጽቢት ነይሩ’ዩ” ይብል ዳዊት። “ካብ ስደት ተመሊሱ ገዛኡ ከዐሪ ዝደሊ፡ ገዛኡ ክሃንጽ እዅል ዓቕምን ገንዘብን ዝነበሮ ስደተኛ’ውን ነይሩ’ዩ” ይብል።
“ይዅን’ምበር ኵሉ መዳያት ምሕደራ ከተማ ስለ ዝዛሕተለ፡ ኣስመራ፡ ተወሊዓ ከም ዝቐሃመት ከተማ ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ኵነታት ትርከብ ይብል ንትማልን ሎምን ብምውድዳር።
ኣመሰራርታ ኣስመራ
እቶም ፈለማ ኣብ ኣስመራ ዝሰፈሩ ሰባት ብእዋን መጀመርታ ማእከላይ ዘመን ከም ዝነበረ መጻሕፍቲ ታሪኽ ይጠቕሱ። ማእከላይ ዘመን ካብ ኣስታት 1100 ጀሚሩ ክሳዕ 1400 ድሕሪ ክርስቶስ ዘሎ ዘመን ምዃኑ’ዩ።
ኣብ መወዳእታ መበል 14 ክፍለ ዘመን - ኣብ ሓደ ብላቲን ዝተጻሕፈ ናይ መገሻ መዘክር - ዲያሪ - ኣስመራ ከም ዝተጠቕሰት ሪቻርድ ፓንክሀርስት ዝተባህለ ተመራማሪ ታሪኽ - ብታሪኽ ኢትዮጵያ ዓሚቝ ፍልጠት ዝነበሮ ክኢላ - ይጠቅስ።
ፕሮፈሰር ፓንክሀርስት ከም ዝበሎ፡ ኣብ ናይ ሽዑ ኣስመራ ሓንቲ ቤተ-ክርስትያን ነቶም ቀዳሞት ምእመናን እተገልግል ተሰሪሓ ከም ዝነበረት፡ እቲ ቅዲ ህንጻ’ታ ቤት-ክርስትያን ከም ዘመልከቶ ድማ ብእዋን ንግስነት ኣኽሱም ዝተሰርሐት ትመስል ኢሉ ይገልጻ።
ሽዑ ድባርዋ ከም መደበር ባሕሪ-ነጋሽ እተገልግል ስለ ዝነበረት - እዚ ማለት፡ ኣብ ክፍለ-ሃገር ገማግም ባሕሪ ዝገዝእ ዝነበረ ሓይሊ መደበሩ ስለ ዝነበረት፡ ህላወ ኣስመራ ክሳዕ ክንድዚ ወሳኒ ኣይነበረን።
ኣስመራ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ርእሲ ከተማ መረብ ምላሽ ምስ ኰነት’ያ ግን ልዕሊ ድባርዋ ጸብለል ኢላ ክትርአ ዝጀመረት።
ህላወ ግብጻውያን ኣብ ከባቢ ባጽዕ እናሓየለ ምስ ከደ - ኣብ ፈለማ 1870 ምዃኑ’ዩ፡ ሃጸይ ዮሃንስ (4ይ) ንሓማሴን ተቐዳዲሙ ክቈጻጸሩ ተገዲዱ፤ ግብጻውያን ግን ንውጥን ሃጸይ ዮሃንስ ሽዓ ኢሎም ስለ ዝተገንዘቡ ኣብ ኤርትራ ደፊኦም ብምእታው ንኣስመራ ክቘጻጸርዋ ተበገሱ፤ ግን ኣይኰነሎምን።
ጣልያን ንባጽዕ ምስ ተቘጻጸሩ - ብለካቲት 1885 - ራእሲ ኣሉላ ንወራር ጣልያን ከምክኑ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዓረዱ። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ሰነዳት ታሪኽ ከም ዝገልጽዎ፡ ኣስመራ ብኣጓዱ ዝመልአት ዓባይ ዓዲ ነበረት።
ንመንበሪ ወተሃደራት ራእሲ ኣሉላ ዝተሰርሑ ኣጓዱ። ቍጽሪ ተቐማጦ ኣስመራ ኸኣ ማዕረ 5,000 በጺሑ ነበረ ይበሃል። ኰይኑ ድማ ናይ ቀዳም ዕዳጋ ስለ ዝዓመረ ብዙሓት ገይሾ (ነጋዶ) ብኣስመራ ከላግሱ ጀመሩ።
እቲ ዕዳጋ እናዓበየ ምስ ከደ ኣስመራ ማእከል ዕዳጋ ጥራይ ዘይኰነስ ማእከል ወተሃደራዊ ሓይሊ ራእሲ ኣሉላ ኰነት።
ሃጸይ ዮሃንስ ምስ ማህዳውያን (ሱዳን) ዝገጠምሉ እዋን ስለ ዝነበረ ግን፡ ራእሲ ኣሉላ ድማ ኣብቲ ውግእ ንኽሳተፍ ካብ ኣስመራ ለቒቝ ወጸ።
ጣልያን ከኣ ነቲ ዕድል ተጠቕምሉ፤ ጀነራል ኣንቶንዮ ባልዲሰራ ብ 3 ነሓሰ 1889 ንኣስመራ ተቘጻጸራ። ንባጽዕ ብምትካእ ከኣ ንኣስመራ ማእከል ሓይሊ ጣልያን ገበራ።
ኣይጸንሐን፡ ኣስመራ ብዕርድታት ጣልያን ከም ትኽበብ ገበረ፣ እቲ ዝዓበየ ኣብ ቤት መኻእ ዘስርሖ ዕርዲ ኸኣ ‘ፎርቶ ባልዲሰራ’ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ።
ኰይኑ ግን ጣልያን ኣብ ኤርትራ እቲ ዝዓበየ ተራ ስለ ዝነበሮም ብምስሎም ንኣስመራ ከም ዝሃነጹዋ ተመራማሪ ታሪኽ ዳዊት ይገልጽ።
እንተዀነ ይብል እታ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዋ፡ ብጽሬታን ጽባቐኣን እትልለ ውቅብትን ስልጥንትን ከተማ ኣስመራ፡ ህንጻታታን ኣባይታን ኣብ ክንዲ ዝጐልሕን ዝደምቕን ይፍስምን የፈርስን ብምህላው ብኵነታታ ይሓዝን።
ኵሎም ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ከኣ ነዛ ታሪኻዊት ርእሰ ከተማ ኤርትራ፡ ግቡእ ኣቓልቦ ክገብሩላን ናብ ናይ ቀደም ግርማኣ ክመልሱዋን ክሰርሑ ከምዝግባእ የዘኻኽር።
ኣስመራ፡ "ከም ከተማ ንቡር ምምሕዳራውን ስነህንጻውን ምሕዳስ ረኺባ፡ እቲ ሓቛፊ፡ መሰረትን ማእከልን ኵሉ ዝነበረ ማሕበራዊ ታሪኻ መሊሳ፡ ተሓዲሳን ደሚቓን ሲ ዳግማይ ንርኣያ ዶ ንኸውን?" ክብሉ ገለ ቢቢሲ ንተዘክሮኦም ዘዘራረቦም ኤርትራውያን ብድፍንቕ ሓሳቦም ይገልጹ።