እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማርኮ ሩብዮ መሲሉ ምስ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ዝተራኸበ ሰብ
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኪነታዊ-ብልሒ ተጠቒሙ ከም ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ ተመሲሉ ምስ ሰለስተ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ብዛዕባ ዝተራኸበ መታለሊ መርመራ የካይድ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ሲቢኤስ ኒውስ ከም ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ እቲ ገና ዘይተፈልጠ ዘሎ ሰብ ኪነታዊ-ብልሒ (AI) ተጠቒሙ ብመንገዲ 'ሲግናል' ዝተባህለ መተግበሪ ኣቢሉ እዩ ምስ ሰበስልጣን ርክብ ከካይድ ዝኸኣለ።
እቲ ሰብ፡ ምስ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ ሓደ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ኣመሪካን ኣባል ኮንግረስን ዝርከቡዎም እንተ ወሓደ ምስ ሓሙሽተ ውልቀሰባት ከም ዝተራኸበ ይሕበር።
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ነቲ ፍጻመ ከም ዝፈለጦን ዓቕሚ ምክልኻል ድሕነት ሳይበር ንምምሕያሽ ስጕምቲታት ይወስድ ከም ዘሎን ገሊጹ።
እቲ ፍጻመ፡ ንፈለማ እዋን ኣብቲ ብ3 ሓምለ ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ከም ዝተገልጸን ናብ "ኵለን ዲፕሎማስያውን ቆንስላውን ጉዳያት፡" ከም ዝተላእከን ሲቢኤስ ኒውስ ጸብጺቡ።
እቲ ሓበሬታ፡ [email protected] ብዝብል ስም ኣብ መፋርቕ ሰነ ናይ ሓሶት ሲግናል ኣካውንት ከም ዝተፈጥረ ይገልጽ። ብመንገዱ ድማ ብውሕዱ ምስ ሓሙሽተ ሰባት ተራኺቡ።
"እቲ ሰብ ብውሕዱ ንኽልተ ዒላማ ዝገበሮም ውልቀሰባት ኣብ ሲግናል ናይ ድምጺ መልእኽቲ ሰዲዱሎም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ከኣ ንሓደ ሰብ ኣብ ሲግናል ክራኸቡ ዝዕድም ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ሰዲድሉ፡" ክብል ሓበሬታ ክፍሊ ወጻኢ ኣመሪካ ይሕብር።
እንተዀነ፡ እቶም ዝተራኸቡ ውልቀሰባት መን ምዃኖምን መልእኽቲ ናይቲ ብኪነታዊ-ብልሒ ዝተፈጥረ ድምጺ ሩቢዮ እንታይ ከም ዝዀነን ገና ኣይተለለየን ዘሎ።
እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ፡ ነቲ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ዓቢይ ናይ ሳይበር ሓደጋ ከም ዘይኰነ ገሊጹ። "እንተዀነ፡ እቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፉ ሰባት ዒላማ እንተ ተገይሮምን ሓበሬታኦም ንኻልእ ሰብ እንተ ተኻፊሉን ክልሑኽ ይኽእል እዩ፡" ይብል።
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ነቲ ጉዳይ ይምርምሮ ምህላዉን "ኣቃውማ ድሕነት ሳይበር ናይቲ ክፍሊ ንምምሕያሽ ብቐጻሊ ስጕምትታት ይወስድ፡"ን ከም ዘሎ ሓቢሩ።
እቲ ፍጻመ ንመጀመርታ ግዜ ብሰሉስ እዩ ኣብ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ወጺኡ። ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ድሕሪ'ቲ ፍጻመ መን ከም ዘሎ ከም ዘይፈልጡ እታ ጋዜጣ ዘርጊሓ። ንሰበስልጣን መንግስቲ ብምትላል ሓበሬታ ንምርካብ ዕላማ ከም ዝገበረ ግና ይኣምኑ።
ኣሶሸይትድ ፕረስ ንሓደ ስሙ ዘይተገልጸ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ ብምጥቃስ፡ እቲ ምትላል ከም ዘይተዓወተን "ኣዝዩ ዝተራቐቐ ከም ዘይኰነን" ጸብጺቡ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሩቢዮ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዝዀነ ርእይቶ ኣይሃበን።
ኣብዚ ዝሓለፈ እዋናት ኪነታዊ-ብልሒ ተጠቒሞም ንኣመሪካውያን ፖለቲከኛታት ዘምስሉ ክዝውተሩ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፕረዚደንት ነበረ ጆ ባይደን ተመሲሉ፡ ቅድሚ መረጻ ኣመሪካ 2024 ኣብ ዝካየድ ዝነበረ መባእታዊ መረጻ ኒው ሃምፕሻየር፡ ሰባት ድምጺ ከይህቡ ብናይ ሓሶት ጻውዒት ተሌፎን መልእኽቲ ተመሓላሊፉ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ሰበስልጣን ኒው ሃምፕሻየር፡ እቲ ጻውዒት "ነቲ መረጻ ንምዝራግ ዝተገብረ ዘይሕጋዊ ፈተነ ይመስል" ክብሉን ነቲ ጉዳይ ይምርምርዎ ከም ዘለዉን ገሊጾም ነይሮም።