ሰበስልጣን ትራምፕ፡ ወተሃደራዊ ምስጢራት ንዝዘርግሐ ጋዜጠኛ ኰኒኖም

ዋይት ሃውስ፡ መጽሔት ዘ ኣትላንቲክ ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ዝተኻየደ ናይ ጕጅለ ዕላል ትማሊ ረቡዕ ብምልኡ ድሕሪ ምዝርግሓ ብቝጥዐ ምላሽ ሂቡ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ጸብጻብ፡ "ናይ ጠንቈልቲ፡" ኢሉ ዝጸውዖ ኰይኑ፡ ነቲ ሕትመት "ዝፈሸለ መጽሔት" ኢሉዎ።

ኣብ መንጎ ላዕለዎት መራሕቲ ካቢነ ምኒስተራት ብዘይፍላጥ ኣብቲ ዕላል ዝተኻተተ ጋዜጠኛ ጀፍሪ ጎልድበርግ፡ ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት፡ ኣመሪካ ኣብ የመን ቅድሚ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ዝርዝር ናይ ግዜ ሰሌዳን ኣሃዱታት ሓበሬታን ዝኣመሰሉ ምስጥራዊ ሓበሬታታት ዝሃበሎም ጽሑፋት ኣካፊሉ።

ጎልድበርግ ነቲ ሓበሬታ ክዝርግሖ ዝወሰነ፡ ምምሕዳር ትራምፕ እቲ ምስጢራዊ ሓበሬታ ምክፋሉ ሓሶት ክብል ድሕሪ ምኽሳሱ'ዩ ኢሉ።

እቶም ሓደስቲ መልእኽትታት ምስ ተሓተሙ፡ ሰበስልጣን ነዚ መርገጺ እዚ ምዕቃብ ቀጺሎም። ገለ ላዕለዎት ሰበስልጣን እንተላይ ትራምፕ ግን ጌጋ ምዃኑ ክኣምኑ ጀሚሮም።

ትራምፕ ጋዜጠኛ ንርክባት ሲግናል ክርኢ ፍቓድ ክረክብ ምኽኣሉ፡ ተሓታቲ መን ምዃኑ ብሪፖርተራት ምስ ተሓተተ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታኡ ከም ዝዀነ ገሊጹ።

ትራምፕ ኣብ ኦቫል ኦፊስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ማይክ ዋልትዝ፡ ሓላፍነት ከም ዝወሰደ እግምት፡" ኢሉ። "ማይክ ምዃኑ ተነጊሩኒ'ዩ፡" ወሲኹ።

ንጸሓፊ ምክልኻሉ ደጊፉ ዝተዛረበ ትራምፕ፡ እቲ ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ዝርዝር ናይቲ ዝቐረበ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣብቲ ናይ ጕጅለ ዕላል ዘስፈረ ብዓል ስልጣን'ዩ።

ትራምፕ፡ "ሄግሰት ዓቢይ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ፣ ምስዚ ዝዀነ ርክብ ኣይነበሮን፡" ይብል።

ትራምፕ ብተወሳኺ፡ እቲ ብመገዲ ሲግናል ልሒኹ ዝወጽአ ሓበሬታ፡ "ዘሻቕለኒ ኣይኰነን፡" ክብል እኳ እንተ ገለጸ፡ እቲ መተግበሪ ኣፕ ግን "ጽቡቕ ኣይኰነን፡" ኢሉ።

ንሚስተር ጎልድበርግ ድማ "ቀፋፊ" ክብል'ውን ተሳሂሉዎ።

ሚስተር ጎልድበርግ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ምምሕዳር ትራምፕ "ዓቢይ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ክፍተት ከም ዘለዎ ኣሚኑ ኣብ ክንዲ መእረምታ ዝወስድ፡ ነቲ ወቐሳ ኣብ ልዕሊ ሓደ ጋዜጠኛ ከላግቦ ከም ዝፈተነ ገሊጹ።

ኣብቲ ናይ ጕጅለ ዕላል ዝተሳተፈ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ጃማይካ ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ "ሓደ ሰብ ጌጋ ፈጺሙ....ዓቢ ጌጋ፣ ኣብ ልዕሊኡ ጋዜጠኛ ድማ ተወሲኹዎ፡" ክብል ኣሚኑ።

ዳይረክተር ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ቱልሲ ጋባርድ፡ ተሳታፊት እቲ ምስጢር ዝሞለቐሉ ናይ ሲግናል ዕላል ኰይና፡ እቲ ጋዜጠኛ ብኸመይ ናብቲ ናይ ጕጅለ ዕላል ከም ዝኣተወ ንምፍላጥ፡ ብቤትምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት "ዓሚቝ ገምጋም" ከም ዝካየድ ገሊጻ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ "ዓቢይ ጉዳይ ኣይኰነን፡" ኢሉ ክገልጾ እንከሎ፡ ነቲ ናይ ጕጅለ ዕላል ዝፈጠረ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ማይክ ዋልትዝ ድማ "ምሉእ ሓላፍነት" ከም ዝወሰደ ገሊጹ።

ብኻልእ ወገን ደሞክራትስ ሄግሰት ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጸዊዖም። እቲ ብዘይፍላጥ ንሓደ ጋዜጠኛ ዘካፈሎ ሓበሬታ ብጸላእቲ ኣመሪካ ተረኺቡ እንተ ዝኸውን ነይሩ፡ ንህይወት ኣባላት ኣገልግሎት ኣመሪካ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ከም ዝኽእል ገሊጾም።

ጎልድበርግ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ንገዛእ ርእሱ ሲግናል ኣብ ዝተባህለ ምስጢራዊ መልእኽቲ ዝልእኽ ኣፕ ከመይ ገይሩ ከም ዝኣተወ ዝገልጽ ናይ መጀመርታ ጽሑፍ ምስ ኣሕተመ ንዋሽግቶን ኣናዊጽዋ ቀንዩ።

ኣብቲ እዋን፡ እቶም ዝረኣዮም መልእኽትታት ብዛዕባ ወከልቲ ስለያ ኣመሪካን ብዛዕባ'ቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ዒላማ ዝገበረ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታትን ምስጢራዊ ሓበሬታ ስለ ዘለዎም፡ ብምስጢር ከም ዝሓዞም ገሊጹ።

ዋይት ሃውስ፡ እቲ ሓበሬታ ናይ ብሓቂ ምዃኑ ቀልጢፉ ክኣምን እንከሎ፡ ሄግሰት ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን ግን ነቲ ኣሰናዳኢ መጽሔት ከጸለምዎ ደልዮም።

ጎልድበርግ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፉ፡ ኣመሪካውያን "ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም መደምደምታ" ምእንቲ ክበጽሑ፡ ነቲ ብዛዕባ መደባት መጥቃዕቲ የመን ዝተዛተይሉ መልእኽትታት ክዝርግሖ ከም ዝወሰነ ገሊጹ።

ጎልድበርግን ኤዲተር ሼን ሃሪስን ትማሊ ረቡዕ "ኣማኸርቲ ትራምፕ ንኣገዳስነት ናይቲ ዝተዘርግሐ መልእኽትታት ከቃልሉዎ ይፍትኑ ኣለዉ፡" ክብሉ ጽሒፎም።

ኣብቲ ናይ ዋይት ሃውስ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ጸሓፊት ፕረስ ካሮሊን ሊቪት፡ ነቲ ምስጥራዊ መልእኽቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ እታ ሃገር ዘቃልዐ ጋዜጠኛ ጎልድበርግ "ጸረ ትራምፕ፡" ክትብል ከሲሳቶ።

ሊቪት ኣስዒባ፡ "ኣብዚ ዘሎ ሓቀኛ ታሪኽ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሸበርቲ ሑቲ ዝተወስደ ወሳኒ ወተሃደራዊ ስጕምቲ'ዩ፡" ኢላ።

እቶም መጽሄት ኣትላንቲክ ምሉእ ብምሉእ ዝዘርግሖም መልእኽትታት፡ ዝርዝር ናይቲ ሰራዊት ምክልኻል ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሑቲ ዝወሰዶ መጥቃዕቲ ዘጠቓልል እዩ።

ካልኦት መልእኽትታት ድማ ድሕሪ እቲ ዝተወሰደ መጥቃዕቲ ዝተኻየደ ገምጋም ዘጋጠመ ጉድኣት፡ ከምኡ'ውን ስርሒታት ሲኣይኤ ኣብ የመንን እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሑቲ ከተካይዶ ትጽቢት ዝግበረሉ መጥቃዕትን ዘመልክቱ እዮም።

ሄግሰት ትማሊ ረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "መደባት ኲናት ከም ዘይኰነ ይፈልጡ እዮም፡" ብዝብል ንገዛእ ርእሱ ክከላኸል'ዩ ፈቲኑ።

ሓያሎ ወተሃደራዊ ክኢላታትን ገዳይም ሰራሕተኛታት ድሕነት እታ ሃገርን ግን እቲ ሓበሬታ ኣዝዩ ተኣፋፊ ምዃኑን ፈጺሙ ክካፈል ከም ዘይነበሮን ገሊጾም።