ትራምፕ ንዘለንስኪ 'መላኺ' ኢሉዎ፡ ፍልልይ ክልቲኦም መራሕቲ ይሰፍሕ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ንዩክሬናዊ መዘናኡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ "መላኺ" ኢሉ ድሕሪ ምጽውዑ ምትፍናን ክልቲኦም መራሕቲ ተጐሃሂሩ።

እዚ፡ ዘለንስኪ ብዛዕባ እቲ ሃገሩ ዘይተሓወሰትሉ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ሩስያን ኣመሪካን ስዒቡ፡ ትራምፕ ሞስኮ ኣብ እተመሓድሮ "ናይ ሓሶት ሓበሬታ'ዩ ዝነብር" ኢሉ ድሕሪ ዘቕረቦ ነቐፌታ ዝስዓበ'ዩ።

ትራምፕ፡ ኣብቲ ስዑዲ ዓረብ ዝወደበቶ ኣብ ፍሎሪዳ ዝተኻየደ ኣኼባ ወፍሪ ከም ዝበሎ፡ ዘለንስኪ "ንጆ ባይደን ኣብ ምትላል ጥራይ'ዩ ንፉዕ ነይሩ፡" ኢሉ።

ንሱ፡ "መላኺ" ዝብል ነቐፌታ ምጥቃሙ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ሓዊሱ ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ "ደሞክራሲያዊ ተቐባልነት ዘለንስኪ ምኽሓድ ግጕይን ሓደገኛን'ዩ፡" ኢሎም።

ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር፡ ምስ ዘለንስኪ ብተሌፎን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ንዘለንስኪ ከም ዝድግፍ ኣረጋጊጹ።

ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ምኒስትር ሰር ኬር "ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ብደሞክራሲያዊ መገዲ ዝተመርጸ መራሒ ዩክረይን ምዃኑ፡" ከም ዝድግፍ ገሊጹ።

ንሱ ወሲኹ፡ "ከምቲ እንግሊዝ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝገበረቶ፡ ኣብ እዋን ኲናት መረጻ ምንዋሕ ምኽንያታዊ'ዩ፡" ኢሉ።

ዘለንስኪ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሎም ሓሙሽተ ዓመታት ብ2024 ከም ዘእኽሉ ይፍለጥ።

እንተዀነ፡ ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ምስ ጀመረት ዩክረይን ወተሃደራዊ ምሕደራ ኣዊጃ ትርከብ።

ቀዳማይ ምኒስትር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰን፡ ትራምፕ "መላኺ" ዝብል ነቐፌታ ምቕራቡ ክነቅፍ እንከሎ፡ ምኒስተር ጕዳይ ወጻኢ ጀርመን ኣና ሌላሌና ቦርኮክ፡ እቶም ርእይቶታት "ትርጕም የብሎምን፡" ኢላ።

"ኣብ ክንዲ ትዊት ምግባር፡ ንክውንነት ዓለም እንተርኢናዮ፡ ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ትሕቲ ምልኪ ዝነብር ህዝቢ መን ምዃኑ ምፍላጥ ይክኣል'ዩ፤ ኣብ ሩስያ ፡ ቤላሩስ ዘለዉ ህዝብታት'ዮም፡" ክትብል ተዛሪባ።

ትራምፕ ኣብ ፍሎሪዳ፡ ንዘለንስኪ "መላኺ" ክብሎ እንከሎ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያኡ'ውን ብተመሳሳሊ "መላኺ" ኢሉ ጸዊዑዎ እዩ።

"መረጻ ክገብር ፍቓደኛ ኣይኰነን፣ ኣብ ዩክረይን ብዙሕ ዝደልዮ ሰብ የለን። ነፍሲ ወከፍ ከተማ ኣብ እትዓንወሉ፡ ከመይ ኢሉ ሓፍ ክብል ይኽእል?" ኢሉ።

መንግስቲ ዘለንስኪ፡ "ነቲ ስምምዕ ኣፍሪሱ'ዩ፡" ኢሉ ብምኽሳስ ካብ ዩክረይን ክቡራት ማዕድናት ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ'ውን ጠቒሱ።

ብሰሉስ፡ ሰብ መዚ ሩስያን ኣመሪካን ኣብ ዙርያ ምዝዛም ኲናት ዩክረይን ፈላማይ ወግዓዊ ዝርርብ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከም ዘካየዱ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ምኒስትር ዩክረይን ነበር ኣርሴኒ ያሴንዩክ፡ ንርእይቶ ትራምፕ ስዒቡ ሩስያ ሕጂ "ብሓጐስ ትዘልል እያ ዘላ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ቮሎድሚር ዘለንስኪ ሕጋዊ ፕረዚደንት'ዩ፤ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ሕጊ ኴንና ኸኣ መረጻ ከነካይድ ኣይንኽእልን።"

እዚ ናይ ቃላት እንካን ሃባን፡ ትራምፕ ኲናት ዩክረይን መን'ዩ ጀሚሩዎ ዝብል ርእይቶ ድሕሪ ምሃቡ ስዒቡ ዝመጽአ'ዩ።

ትራምፕ፡ ነቶም ጥልመት ክስምዖም ዝኽእል ዩክሬናውያን ዘሕልፎ መልእኽቲ እንተሎ ካብ ቢቢሲ ምስ ተሓተተ፡ "ብዘይምዕዳሞም ከም ዝሓረቝ ሰሚዐ ኣለኹ። ወይለይ፡ እሞ ቅድሚ ሰለስተ ዓመትን ልዕሊኡን እዚ ዕድል ነይሩዎም'ዩ። እዚ ብቐሊሉ ክፍታሕ ዝኽእል'ዩ ነይሩ፡" ኢሉ።

ወሲኹ፡ "ፈጺምኩም [እቲ ኲናት] ክትጅምሩዎ ኣይነበረኩምን። ስምምዕ ክትገብሩ ትኽእሉ ነይርኩም፡" ክብል ተዛሪቡ።

ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ንምፍጻም ከም ዝወሰነ ኣይገለጸን።

ብረቡዕ ዘለንስኪ ኣብ ኪቭ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ብዙሕ ግጕያት ሓበሬታታት ንርኢ ኣለና፤ እዚ ድማ ካብ ሩስያ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ። ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከም መራሒ ዘለኒ ክብሪ ኣብ ቦታኡ እንከሎ፡ . . . ኣብ ውሽጢ ግጕይ ሓበሬታ'ዩ ዝነብር ዘሎ፡" ኢሉ።

ኣስዒቡ፡ "ኣመሪካ፡ ፑቲን ንዓመታት ካብ ዝጸንሐ ተነጽሎ ክወጽእ ሓጊዛቶ'ያ፡" ክብል ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ዓለም "ምስ ፑቲን ወይ ምስ ሰላም" ናይ ምዃን ምርጫ'ዩ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ብምባል፡ ሎሚ ምስ ልእኽቲ ዩክረይን ኣመሪካ ዝዀነት ኬት ኬሎግ ክራኸብ ምዃኑ ሓቢሩ።