እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ 'ኣልከትራዝ' ንምንታይ ዳግማይ ክኽፈት ኣዚዙ?
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ገማግም ካሊፎርንያ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዝርከብ፤ ንልዕሊ 60 ዓመታት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ኣልከትራዝ ዝተብሃለ ኣዝዩ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ዳግማይ ክኸፈትን ክሰፍሕን ኣዚዙ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ባዕሉ ዝውንኖ ትሩዝ ዝተብሃለ ማሕበራዊ ሚድያ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ኣመሪካ ንኣዝዩ ነዊሕ ዓመታት ብተደጋጋሚ ብዕሱባት፣ ዓመጽትን ገበነኛታትን ተሃስያ ጸኒሓ'ያ" ኢሉ።
ዳግማይ ምኽፋት ኣልከትራዝ ከም ምልክት "ሕግን ግዝኣተ ፍትሕን" ከም ዝኸውን'ውን ገሊጹ።
እቲ ኣብ 1963 ዝተዓጸወ ኣዝዩ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ፡ንበጻሕቲ ክፉት ኰይኑ ከም መስሕብ ቱሪዝም ከገልግል ጸኒሑ'ሎ።
እዚ ምሉእ ብምሉእ ብውቅያኖስ ዝተኸበበ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብ ጥቃ እቲ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ዝርከብ 'ጎልደን ጌት' ዝብሃል ፍሉጥ ድልድል ይርከብ።
"ሎሚ ንቤት ጽሕፈት ኣብያተ ማእሰርቲ ኣመሪካ፤ ንቤት ጽሕፈት ፍትሕን ኤፍቢአይን ንቤት ማእሰርቲ ኣልካትራዝ ከስፍሕዎን ዳግማይ ንቤት ማእሰርቲ ንኽውዕል ክኸፍትዎን ይእዝዝ ኣለኹ" ኢሉ።
ብምስዓብ፡ እቲ ቤት ማእሰርቲ ነቶም ኣብ ኣመሪካ "ኣዝዮም ጨካናትን ዓመጽትን ገበነኛታት ቤቶም ክኸውን'ዩ" ክብል ሓቢሩ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ንኣባላት ጉጅለታት ፈጸምቲ ገበን ናብቲ ኣብ ኢል ሳልቫዶር ዝርከብ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ምስዳዱ ምስ ፈጸምቲ ሕጊ እታ ሃገር ናብ ዘይምስምማዕ ከምርሖ ጸኒሑ'ዩ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት፡ 200 ዝኾኑ ኣብ ገበን ተዋፊሮም ዝጸንሑ ተወለድቲ ቬኔንዝዌላ ናብቲ ኣብ ኢል ሳልቫዶር ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሰደዶም ይዝከር።
ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ 'ገበነኛታት' ዝበሎም ደቂ ካልእ ሃገር'ውን ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ክሰዶም ኣብ ምሽብሻብ'ዩ ዝርከብ።
ኣልካትራዝ ኣብ መጀመርታ ዕርዲ ምክልኻል ሓይሊ ኣመሪካ'ዩ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ ዕስራ ክፍለ ዘመን ግን ዳግማይ ተሓዲሱ ከም ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ከገልግል ጀሚሩ።
ኣብ 1930ታት ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ምስ ተረከቦ ከኣ ኣዝዮም ዕሉላት ገበነኛታት ዝእሰርሉ ቤት ማእሰርቲ ገይርዎ።
እቲ ቤት ማእሰርቲ ዝያዳ ክፍለጥ ዝኸኣላ በታ ኣብ 1962 ዝተሰርሐት 'በርድማን ኦፍ ኣልካትራዝ' ትብል ቡርት ላንካስተር ዝተዋስኣላ ፊልም'ዩ።
እታ ፊልም ብገበን ቅትለት ተፈሪዱ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ሮበርት ስትሮድ ዝትበሃለ ሰብ እትትርኽ ኮይና፡ ሮበርት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ብዛዕባ እተን ኣብታ ደሴት ዝነበራ ኣዕዋፍ ክምሰጥን ክመራመርን ይጅምር'ሞ፡ በቲ ዘዋህለሎ ፍልጠትን ዘቕረቦ ምርምራዊ ጽሑፍን ኣዝዩ ፍሉጥ ክኢላ ስነ ኣዕዋፍ ይኸውን።
ካልእ 'ሮክ' ዝተብሃለት ኣብ 1996 ዝተሰርሐት ፊልም'ውን ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ'ያ ተሰሪሓ።
መርበብ ሓበሬታ ኤፍቢኣይ፡ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ 1963 ክዕጾ ዝተገደደሉ ቀንዲ ምኽንያት ንዕኡ መካየዲ ዝኸውን እኹል ባጀት ስለዘይነበረ'ዩ ይብል።
ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ፡ እቲ ነታ ደሴት ከም ቤት ማእሰርቲ ንምቅጻላ ዝወጽእ ዝነበረ ባጀት፡ ንሰለስተ ክንድኣ ዝኾና ኣብያት ማእሰርቲ ከካይድ ይኽእል ከምዝነበረ'ውን የብርህ።