እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ በስገዳድ ምስዋር፣ ጭካነን ኢ-ሰብኣዊ ተግባራትን ከምዝወሰኸ ተገሊፁ
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዜጋታት በስገዳድ ምስዋር፣ ንጥርጡራት ብጭካነ፣ ዘንከላብትን ኢ-ሰብኣዊ ብዝኾነ መገዲ ምሓዝን ከምዝወሰኸ ገሊፁ።
ኢሰመኮ፡ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ዘይስሩዕ መሐየርታት ምብዝሖምን፡ ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝግበሩ ማእሰርትታትን ከምዘሻቐሎ ሓቢሩ።
እቲ ኮምሽን ኣብታ ሃገር ንዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ኣመልኪቱ በዓል 106 ገፃት ዓመታዊ ፀብጻብ ኣውጺኡ።
ኣብታ ሃገር ዘጋጠሙ ጐንፅታት ስዒቡ፡ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል፣ ኣብ ኣመራርሓ ፖለቲካ ዝፍፀሙ ማእሰርትን ምንክልባትን ምውሳኹ፣ ዜጋታት ካብ ሓደ ክልል ናብ ካልእ ክልል ናይ ምንቅስቓስ መሰሎም ምግዳቡን ካልኦት ጉዳያትን ኣብቲ ፀብፃብ ተገሊፁ ኣሎ።
ብዕጡቓትን ሓይልታት መንግስትን ብዝውሰዱ ስጉምትታት ዘጋጥም ሞት ዜጋታት
ኣብ ኩሎም ክልላት ኢትዮጵያ ምስ ዝነበሩን ዝቐፀሉን ጐንፅታት፣ መጥቃዕትታን ናዕብታትን ተዛሚዱ፡ ዕጡቓት ሓይልታትን ኣካላት ፀጥታ መንግስትን ብዝወሰድዎም ስጉምትታት ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉን ከም ዝተጐድኡን እቲ ፀብፃብ የመልክት።
እዞም ኣብቲ ፀብፃብ ዝተገለፁ ስእነት ሰላም፡ ካብ 1 ሓምለ 2014 ክሳብ ጉንበት 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ዘሎ እዋን ዝተሰነዱ እዮም።
ኣብ ክልል ኦሮምያ ሆሮ ጉድሩ ወለጋ፣ ምብራቕ ወለጋ፣ ምዕራብ ወለጋ፣ ሰሜን ሸዋን ካልኦት ከባብታትን ሂወት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝጠፍአን ካልእ ጉድኣት ከም ዝበፅሐን'ውን ይሕብር።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ከም ብሓድሽ ምስ ምውቓር ብዝዛመድ ዘጋጠመ ፀገም ፀጥታ ዘሻቕል ከም ዝኾነ እቲ ፀብፃብ የመልክት።
ኣብ ጉንበት 2015 ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ብዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ብውሑዱ 5 ሰባት ከም ዝሞቱ ድማ ከም ኣብነት ኣቐሚጡ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋን ኣብ ከተማ ሸገር ምስ ምፍራስ መስጊድን ብዝዛመድ ኣብ ዘጋጠመ ተቓውሞ፡ ኣካላት ፀጥታ መንግስቲ ብዝወሰድዎ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ፡ ሞትን ጉድኣት ኣካልን ከምዘጋጠመ ኣፍሊጡ።
ማእሰርትን በስገዳድ ምስዋርን
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ)፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ኣብ ዝገበሮ ክትትል፡ በስገዳድ ምስዋር ይፍፀም ከምዘሎ ሓበሬታት ምርካቡ ይገልጽ።
መብዛሕትኦም ግዳያት ምስዋር፡ ካብ መንበሪ ገዝኦም፣ ካብ ስርሖም ወይ ካብ መንገዲ፡ ሲቪላዊ ወይ ዩኒፎርም ብዝተኸደኑ ኣካላት ፀጥታን ደሕንነትን ከምዝተወሰዱ ፀብፃብ እቲ ኮምሽን የረድእ።
ሰባት ብዘይ ትእዛዝ ቤት-ፍርዲ ተታሒዞም ምስ ተኣሰሩ ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ክስወሩ ከምዝተገበረ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ካብዚኦም ውሑዳት፡ ንመዓልትታት፣ ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ድሕሪ ምስዋሮም ዝተረኸቡ እንትኾኑ፡ በስገዳድ ተሰዊሮም ደሃዮም ዘይተፈለጡ ከምዘለዉ ድማ ኣረዲኡ።
ብኣባላት ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ዝተሓዙ ሰባት ኣብ ወተሃደራዊ ካምፕ ከም ዝእሰሩ፣ ናብ ቤት-ፍርዲ ከምዘይቐረቡን ሰባት ከይበፅሕዎም ከም ዝተኸልከሉን ተሓቢሩ።
ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን መሐየሪ ቦታትን ዝፍፀም ጭካነ
ኣብ ብዙሓት ከባብታት ኢትዮጵያ ብገበን ዝተጠርጠሩ ሰባት መውቃዕቲ ሓዊሱ ካልኦት ኢሰብኣዊ ተግባራት ዝፍፀመሎም ኣብያተ ማእሰርትን ዘይስሩዕ መዳጎኒታትን ከምዘለዉ እቲ ኮምሽን ገሊፁ።
ኣብ ዞባ ማእኸል ጎንደር ኣብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ፖሊስ 26፡ ኣብ ሰሜን ጎንደር ድማ 13 ጥርጡራት ብኣካላት ፀጥታ መውቃዕትን ጉድኣትን ከምዘጋጠሞም ተሓቢሩ።
ኣብ ክልል ኦሮምያ ብኣካላት ፀጥታ መንግስቲ ዝፍፀሙን ንዕጡቓት ጉጅለ ትድግፉን ኢኹም ብዝብል፡ ኣብ ልዕሊ ጥርጡራት መጠነ ሰፊሕ ምስቓይ ከምዝተፈፀመ እቲ ፀብፃብ ገሊፁ።
ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ኣብ ጣብያታት ፖሊስ መውቃዕቲ ክፍጸም እንከሎ፡ ፀገም ኣእምሮ ዘለዎ ጥርጡር ብመቑሕ ከም ዝተኣሰረን ካልእ ውልቀሰብ ድማ ብጐዘሞ ከምዝተወቕዐን ኢሰመኮ ገሊፁ።
ኣብ ክልል ጋምቤላ፡ ኣብ ሓደሓደ ኣብያተ ማእሰርትን ጣብያ ፖሊስን መውቃዕቲ፣ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ምፍርራሕን ከምዝተፈፀመ እቲ ፀብፃብ ሓቢሩ።
“መንግስቲ ህፁፅ ስጉምቲ ይውሰድ”
ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሚድያ፣ ኣባላትን ኣመራርሓን ፖለቲካዊ ውድባት ዝፍፀሙ ማእሰርትን ምንግላታዕን ከምዝወሰኸን፡ ካብ 1 ሓምለ 2014 ንነዘ፡ 27 ኣባላት ሚድያ፣ ነጠፍትን፣ ኣባላትን ኣመራርሓን ውድብ ፖለቲካን፡ ካብ መዓልትታት ክሳብ ኣዋርሕ ከም ዝተኣሰሩ፡ ኣብዚ ፀብፃብ ተገሊፁ።
እቲ ኮምሽን፡ ብብርኪ ሃገር ጠንቂ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኾኑ ጐንፅታት ደው ናይ ምባል ፃዕርታት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከም ዝግባእ ድማ ኣገንዚቡ።
ብፍላይ ምስ ኣብ ክልላት ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት ብዝዛመድ፡ ሰላም ናይ ምስፋን ምንቅስቓሳት ተስፋ ዝህቡ ከምዝኾኑን፡ ዘላቕነት ንክህልዎም ግና ግዳያት፣ ደቂኣንስትዮን ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላትን ዘካተተ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።
ጎንፅታት ብሰላማዊ መገዲ ንምግታእ ካብ ዝግበር ፃዕሪ ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ንዝተፈፀሙን ይፍፀሙን ንዘለዉን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ተሓታትነትን ፍትሒ ናይ ምርግጋፅን ፃዕርታት፡ ክህልዉ ከም ዝግባእ ገሊፁ።
“በስገዳድ ምስዋር፣ ተግባራት ጭካነ፣ ምንክልባትን ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን፣ ምብዛሕ ዘይስሩዕ መዳጎኒታት፣ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ገደብ መሰላትን፣ ዘሻቕሉን ኣብ ነፃነትን መሰልን ካልኦት ፅልዋ ዘለዎምን፡ ብሓፈሻ ንኩነታት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል እታ ሃገር ንድሕሪት ዝጐትቱ እዮም። ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ ብቕልጡፍ ዘድልይ ስጉምቲ ብምውሳድ ክገትኦም ኣለዎ” ይብል ፀብፃብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ።