ኬንያ፡ ዝናብን ዕልቕልቕን ስዒቡ ግድብ ብምፍራሱ ልዕሊ 40 ሰባት ሞይቶም

ዕልቕልቕ

ኣብ ኬንያ ብርቱዕ ዝናብን ዕልቕልቕን ስዒቡ ግድብ ድሕሪ ምፍራሱ ልዕሊ 40 ሰባት ከምዝሞቱ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

ኣብ ምዕራብ ኬንያ ኣብ እትርከብ ቁሸት ካሙቺሪ ዝፈረሰ ግድብ ኣባይቲ ጸራሪጉ ከዕንው ከሎ ንጽርግያታት እውን ዓጽዩ።

ኣመሓዳሪት ዞባ ናኩሩ ሱዛን ኪሂካ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ "ኣስታት ኣርብዓን ክልተን ሞይቶም። ሕጂ'ውን ካብ ጭቃ ዘይወፅኡ ኣለዉ" ኢላ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ንገለ ክፋል ኬንያ ብዘዕለቕለቐ ውሕጅ ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።

ጉጅለታት ህይወት ኣድሕን ኣብ ጥቓ እታ ካብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ኣስታት 60 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ዘላ ዓዲ ብህይወት ዘለዉ ሰባት ንምርካብ ጭቃ ይኹዕቱ ከምዘለዉ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣመልኪቶም።

ሓደጋታት ውሕጅ

ንተኸታተልቲ መዓልቲታት ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ዝሃርም ዘሎ ዝናብ ጽርጊያታት ናብ ሩባታት ቀይርዎም ኣሎ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እታ ሃገር፡ እቲ ዕልቕልቕ “ናብ ጽንኩር ደረጃ ከም ዝዓበየ” ገሊጹ።

እቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኬንያ ዝሃርም ዘሎ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ሰፊሕ ዕንወት ኣስዒቡ ይርከብ።

ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብን ውሕጅን ብውሕዱ 32 ሰባት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑን ልዕሊ 40 ሽሕ ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተዘናበሉን ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብ ናይሮቢ ምሉእ ሻውላትን ከባቢታትን ብውሑጅ ተውሒጦም ዘርእዩ ዝተፈላለዩ ምስልታት ይወጽኡ ኣለው።

ብጭቃ ኣብ ዝተመልአ መገዲ ደው ዝበለት ኣውቶብስን ሰባትን

ምንጪ ስእሊ, Kenya National Highways Authority

ውሑጅ

መብዛሕትኡ ከባቢታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ ብኸቢድ ተሃስዩ እዩ ዝርከብ።

ኣብ ብሩንዲ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ክመዛበሉ እንከለዉ፡ ኣብ ታንዛንያ ድማ ብውሕዱ 58 ሰባት ሞይቶም።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብርቱዕ ዝናብ ንክሃርም ካብ ዝድርኹ ምኽንያታት እቲ ሓደ፡ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዳይፖል (IOD) እዩ።

ምስቲ ኣብ ፓስፊክ ዘለዎ ተመሳሳልነት መብዛሕትኡ ግዜ፡ “ኢንዲያን ኒኖ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣይኦዲ፡ ኣብ ተጻረርቲ ክፋላት ህንዳዊ ውቅያኖስ ንዘሎ ፍልልይ ሙቐት ገጽ ባሕሪ ዘመልክት እዩ።