እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮቪድ፡ ኣመሪካ ንተጉዓዝቲ ውጽኢት ምርመራ ምሕታት ደው ክተብል እያ
ኣመሪካ ናብታ ሃገር ብነፋሪት ንዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ካብ ኮቪድ ነጻ ምዃኖም ዘመልክት መረዳእታ ከቕርቡ ምሕታት ደው ከምእተብል ገሊጻ፡፡
እታ ሃገር ብምኽንያት ኣብ ምክልኻል እቲ ቫይረስ ዘርኣየቶ ‘‘ዓብዪ ምምሕያሽ’’ ነቲ ስጉምቲ ክትወስድ ከምዝኸኣለት ሰብ መዚ ገሊጾም፡፡
ስድራቤታት ምስ ኮቪድ ብዝተኣሳሰር ክበጽሖም ዝኽእል ምንክልባት ብምስጋእ ጉዕዞታት ምቕናሶም ኣብ ኢንዱስትሪ መጓዓዝያ ዘውረዶ ሃስያ ንምቕያር እቲ ሕጊ ምኽንያት ከምዝኾነ እውን እቶም ሰብመዚ ተዛሪቦም፡፡
እቲ መምርሒ ካብ ጽባሕ ሰንበት ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ፡፡
ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኸልን ሕማማት ኣመሪካ፡ ነቲ ዝተገበረ ምምሕያሽ ን 90 መዓልቲታት ከምዝምርምሮ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ኣሉታዊ ሳዕቤን እንተተራእዩ ግና እቲ ምምሕዳር ብቕልጡፍ ስጉምቲ ከምዝወስድ ተገሊጹ፡፡
ኣመሪካ ነቲ ብነፋሪት ናብታ ሃገር ዝመጹ ገያሾ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ዝተወሰደ ነጻ ምዃኖም ዘርእይ መረዳእታ ከቕርቡ ወይ ኣብ ቀረባ ካብቲ ቫይረስ ከምዝደሓኑ ከርእዩ ዘገድድ ሕጊ ኣብ ጥሪ 2021 እያ ኣተኣታትያቶ ነይራ፡፡
እንተኾነ መብዛሕተኦም ኣመሪካውያን ዘይኮኑ፡ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ሰባት ሕዚ እውን ክታበት ኮቪድ-19 ዝወሰዱ ክኾኑ ይሕተቱ፡፡
ዋላኳ ካብ ቀረባ እዋናት ኣብታ ሃገር ለብዒ ኮቪድ ወሰኽ የርእይ አንተሎ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ኣዐርዩ ክጎድል ጸኒሑ እዩ፡፡ ብዝሒ ክታበታት ስዒቡ፡ ቁጽሪ ሞት እውን ኣዐርዩ ቀኒሱ እዩ፡፡
ሃገራት ብሪጣንያ፣ ካናዳን ጣልያንን ኩሎም ምስ ምርመራ ኮሮናቫይረስ ዝተሓሓዙ መምርሒታት ሰሪዘን እየን፡፡
ኣመሪካ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ንሕውየት ኢንዳስትሪ መጓዓዝያ ኣመሪካ ከምዝሕግዝ ማሕበር መጓዓዝያ እታ ሃገር ክገልጽ እንከሎ፡ ማሕበር ዓምለኻዊ መጓዓዝያ ኣየር እውን ‘‘ጽቡቕ ዜና’’ ብምባል ነቲ ስጉምቲ ንኢዱ፡፡
መጽናዕቲ ማሕበር መጓዓዝያ ኣመሪካ ከምዝሕብሮ፡ ናይ ምርመራ መረዳእታ ክተርፍ ምግባር ኣብዚ ዓመት ተወሰኽቲ 5.4 ሚልዮን በጻሕቲ ናብታ ሃገር ክመጽኡን ንመጓዓዝያ ዝግበር ወጻእታት ብ 12 ምኢታዊት ክውስኽ ዘኽእልን እዩ፡፡