እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብጌጋ ብዘይነበርቲ ዝተረፈት ስጳኛዊት ከተማ
ኣብ 1960ታት መንግስቲ ስጳኛ፡ ከተማ ግራናዲላ ብሓድሽ ዕቋር ማይ ክትዕለቕልቕ እያ ብዝብል ነበረቲ እታ ከተማ ካብ መረበቶም ኣልቂቐዎም። እቲ ዘገርም ግን እታ ከተማ ፈጺማ ኣዕለቐሊቓ ኣይትፈልጥን።
እታ ኣብ ማእከላይ ዘመን ዕርዲ ዝነበረት ከተማ፡ ኣብዚ እዋን ዝዀነ ድምጺ ነበርቲ ዘይስመዐላ ዑና እያ።
በጻሕቲ ባዶ ክፍልታት ክርእዩ፡ ኣብቲ ብመንደቕ ዝተኸበበ ጎደናታታ ክዛወሩን ነታ ከተማ ኣብ ዝባን ኵርባ ኣብ ዘሎ ግምቢ ኮይኖም ክዕዘቡን ይኽእሉ።
ኣብታ ከተማ ዝነብር ሰብ ግን የለን። ካብ 1960ታት ኣትሒዙ ኩሎም ነበርታ ጠንጢኖምዋ እዮም።
ፈለማ ኣብ 9ይ ክፍለ ዘመን ብተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ዝተመስረተት ግራናዲላ፡ ነበርታ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዝነበረ ጥንታዊ መስመር ንግድን ጉዕዞን ብጥንቃቐ ክቆጻጸሩ ዘኽእሎም ስትራተጂካዊ ቦታ ዝሓዘት እያ።
ሎሚ ግን ሓንቲ ካብተን ጥንታዊ መናድቐን ክሳብ ሕጂ ዘይፈረሰ ውሑዳት ስጳኛውያን ዕርዲ ከተማ ኮይና እያ።
እቲ ክሳብ 1960ታት ኣብታ ከተማ ዝነብር ዝነበረ ማሕበረሰብ ግን ከምኡ ኣይኮነን።
ናብ ዑናነት ንኽትቅየር ምኽንያት ዝኾና ፍጻመ ኣብ መወዳእታ 1950ታት ይጅምር።
ኣብ እዋን ምልካዊ ስርዓት ፍራንሲስኮ ፍራንኮ፡ ስጳኛ ኣብ ተነጽሎ እያ ኔራ። ሽዑ ቁጠባኣ ንምዕባይ ዝሕግዙ ግድባት ናይ ምህናጽ ሰፊሕ ፕሮጀክታት ከኣ ጀሚራ።
ካብቶም ግድባት እቲ ዝዓበየ ኣብ ሩባ ኣላጎን ዝርከብ ዲጋ ጋብሪኤል ዪ ጋላን እዩ ነይሩ።
ኣብ 1955 ድማ ሰበስልጣን ግራናዲላ፡ እታ ከተማ ኣብ መገዲ እቲ ውሕጅ ዝበዝሖ ቦታ ከም ዘላ ኣዊጆም። ስለዚ ድማ ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ክለቁ ከምዘለዎም ተነጊርዎም።
ካብ 1959 ጀሚሩ ክሳብ 1969፡ ኩሎም ነበርቲ እታ ከተማ ብሓይሊ ተሰጒጎም። ብዙሓት ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከቡ ሰፈራታት ተሰዲዶም።
እቲ ማይ ኣብ 1963 ክውስኽ ምስ ጀመረ ብዘይካ ሓደ መገዲ ኹሉም ተሸፊኖም ናብ ሓውሲ ደሴት ቀይርዎ ነይሩ።
ይኹን እምበር ካብኡ ንላዕሊ ኣይወሰኸን። እታ ከተማ ንባዕላ ኣዕለቕሊቓ ኣይትፈልጥን።
እንተኾነ ግን እቶም ነበርቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣይተፈቕደሎምን።
እቲ ተመክሮ ነቶም ነበርቲ ኣዝዩ ዘሕዝነ ነይሩ። መብዛሕትኦም ክሳብ ሕጂ ምስ ብስጭቶም ይነብሩ ኣለው።
"ላግጺ እዩ ነይሩ" ይብል ፕረዚደንት ማሕበር ደቂ ግራናዲላ ዩጂንዮ ጂሜነዝ።
"እቲ ግድብ ነታ ከተማ ከዕለቕልቕ እዩ ብምባል ኣባሪሮምና፣ እዚ ድማ እታ ከተማ ካብቲ ግድብ ስለትልዕል ዘይከውን ነገር እዩ ነይሩ።
"እቲ እዋን ግን ናይ ምልካዊ ስርዓት ስለዝነበረ መሰል እውን ኣይነበረናን። እቲ ብሓቂ ዘበሳጭው ግን ኣብ ግዜ ዲሞክራሲ እዩ። ምስቶም ናይ ቀደም ማሕበር ደቂ ግራናዲላ፡ ንሕውየት እታ ከተማ ክቃለስ ጸኒሐ፣ ዝሰምዓና መንግስቲ ግን የለን።"
ካልእ ፑሪፊኬሽን ጂሜነዝ ዝተበሃለት ነባሪት'ውን ነቲ ኣብተን ዓመታት ንዝነበረ ጸገም ተዘኻኽር።
"ሓደ ስድራቤት ካብታ ዓዲ ክለቅቕ ከሎ ኩሉ ሰብ ናብ ኣፍደገ እታ ከተማ ወጺኡ የፋንዎን ይነብዕን ከምዝነበረ ይዝከረኒ" ትብል።
ሎሚ እውን እንተኾነ፡ መንግስቲ ነቲ ብፍራንኮ ዝተፈረመ ናይ ውሕጅ ኣዋጅ ስለዝዓቀቦ፡ ነበርቲ እታ ከተማ ናብ ገዝኦም ክመልሱ ኣይተፈቕደሎምን።
ይኹን እምበር፡ በጻሕቲ ክኸዱ ይኽእሉ እዮም፡ ይኸዱ እውን እዮም።
እታ ከተማ ኣብ 1980 ታሪኻዊ-ስነ-ጥበባዊ ቦታ ተባሂላ ዝተመዝገበት ኮይና፡ ሕጂ ከም ነጻን ኣብ ክፉት ኣየርን ዝርከብ ቤተ መዘክር ኮይና ብትካል ሃገራዊ ፓርክታት ትመሓደር ኣላ።
እንተ እቶም ነበርቲ ግን ንሳቶምን ደቆምን ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ኣብታ ከተማ ይራኸቡ ኣለዉ።