እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተፈጥሮ፡ ኣብ ዓለምና ልዕሊ እቲ ዝተገመተ ዓሌታት ኣግራብ ከምዘሎ ተገሊጹ
ኣብ ዓለም ካብቲ ተገሚቱ ዝነበረ ልዕሊ 14 ሚኢታዊት ብዝሒ ዓሌታት ኣግራብ ከምዝተረኸበ ብዛዕባ ኣብ ዓለምና ዘለዉ ዓሌታት ኣግራብ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ሓቢሮም።
እቶም ተመራመርቲ ካብቶም 73300 ዓሌታት ኣግራብ እቶም 9200 ብሕጂ ምጽናዕቲ ዝግበረሎም፡ ሕጂ ዝተረኸቡን ምዃኖም ገሊጾም።
እንተኾነ እቶም ሓደሽቲ ዝተረኸቡ ዓሌታት ኣግራብ ኣብቲ ብክሊማዊ ለውጢን ብብርሰት ኣግራብን ዝበርስ ዘሎ ትሮፒካዊ ጫካታት ስለዝርከቡ ክጠፍኡ ዘለዎም ተኽእሎ ልዑል ምዃኑ እቶም መጽናዕቲ ዘካየዱ ገሊጾም።
እቲ መጽናዕቲ ኣብ ልዕሊ 100 ሽሕ ኣግራብ ዘለዎ ቦታታት ኣብ ዓሰርተታት ሚልዮን ኣግራብ መጽናዕቲ ብምክያድ እዩ ናብዚ መደምደምታ እዚ በጺሑ።
እቲ ርኽበት፡ ነቶም ዘለዉ ዓሌታት ኣግራብ ንምዕቓብ ብዙሕ ክስራሕ ከምዘለዎ ከምዘርኢ እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም።
እቶም ኣግራብ ንመግቢ፡ ንመድሃኒተን ንምጠት ካርቦን ዳይኦክሳይድን ዓቢ ኣበርክቶ ከምዘለዎም'ውን ተገሊጹ።
ነቲ ምርምር ብመሪሕነት ዘካየደ ዶክተር ፔተር ሪች ካብ ዩኒቨርስቲ ሚኒሶታ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ርኸበት ብዙሑነት ናይ ኣግራብ ዘለዎ ኣገዳስነት ብምጥቃስ "ብዙሕነት ናይ ኣግራብ ኣበይ ከባቢ እዩ ተዓቒቡ ዘሎ ክንርዳእ ኣኽኢሉና እዩ" ኢሉ።
ብምስዓብ "እዚ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ፡ ኣፍሪቃ፡ ኤስያን ኦሻንያን ዝረኸብናዮ ኮይኑ እዚ ርኸብት እዚ ኣብ ምዕቃብ ከባቢ ኣበይ ቀዳምነታት ሂብና ክንሰርሕ ከምዘለና ኣንፈት ዝህብ ወጽኢት'ዩ" እውን ኢሉ።
ደቡብ ኣመሪካ፡ እታ ዝበዝሐ ዓሌታት ኣግራብ ዝበረሰላ ኣህጉር ኮይና ኣብታ ኣህጉር 43 ሚኢታዊት ካብ ዓሌታት ኣግራብ በሪሱ እዩ፡ ንደቡብ ኣመሪካ ብምስዓብ
• ኣውሮጳን ኤስያን [ኦሮሽያ] 22 ሚኢታዊት
• ኣፍሪቃ 16 ሚኢታዊት
• ሰሜን ኣመሪካ 15 ሚኢታዊት
• ኦሻንያ 11% ሚኢታዊት ካብ ዝነበረ ዓሌታት ኣግራብ በሪሱ።
ኣብ ጉጅለ'ቲ መጽናዕቲ ልዕሊ 140 ዓለምለኻውያን ተመራመርቲ'ዮም ተሳቲፎም።
ዶክተር ይድቪድነደር ካብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ኮይኑ፡ ኣብ ትሮፒካዊ ጫካታት ዝርከቡ ኣግራብ ኣብ ምምዕርራይ ክሊማ ዓቢ ግደ ከምዘለዎም ብምግላጽ ኣብ ምዕቃቦም ገዚፍ ስራሕ ክስራሕ ከምዘለዎ ገሊጹ።
ብምስዓብ "ኣብቲ መጽናዕቲ፡ ትሮፒካዊ ጫካታት ካብቲ ገሚትናዮ ዝነበርና ንላዕሊ እዩ ብዙሕነት ናይ ዓሌት ኣግራብ ሓቒፉ ጸኒሕና" ኢሉ።