እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክሳብ ሕዚ ብኮሮናቫይረስ ዘይተለኸፉ ሰባት ንምንታይ ከይተለኸፉ ፀኒሖም?
ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ዙርያ ዓለም ኣብ ዝርከባ ኩለን ሃገራት፡ ብሚልየናት ንዝቑፀሩ ሰባት ንሕማም፣ ዝተሓላለኸ ፀገም ጥዕናን ሞትን ኣቃሊዑ።
እዚ ልዕሊ ክልተ ዓመት ዘቑፀረ ሕማም፡ ዝመሓላለፈሉ መገድታት ጥጡሕ ብምዃኑ፡ ኣብ ሓፂር እዋን ኣብ መላእ ዓለም ተላቢዑ እዩ።
ሓደ ሓደ ተዓዘብቲ፡ ዝበዝሕ ህዝቢ ዓለም በዚ ሕማም ናይ ምልካፍ ዕድል ኣለዎ ይብሉ።
ብምኽንያት ቅልጡፍ ምልባዕ እቲ ሕማም ብዙሓት ነዚ ሕማም ዝተቓልዑ እንትኾኑ፡ ብኣንፃሩ ብዙሓት ከኣ በዚ ሕማም ዘይተለኸፉ ከም ዘለዉ ይግለፅ።
ናይዚ ምኽንያት እንታይ እዩ?
ካብ ሞንጎ ኣባላት ስድራኹም ወይ ድማ መሓዛኹም፡ ክሳብ ሕዚ ብኮሮናቫይረስ ዘይተለኸፉ ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ምናልባት ፍሉይ ተፈጥሮ ስለዘዎም ክኸውን ይኽእል ኢልኩም’ውን ሓሲብኩም ትኾኑ። ወይ ድማ ብትኽክል ምርመራ ኮሮናቫይረስ ብኸመይ ከም ዝግበር ስለዘይፈለጡ ክኸውን ይኽእል።
እንተኾነ እዚ፡ ዕድል ወይ ድማ ናይ ሳይንስ ጉዳይ ክኸውን ይኽእል።
ዓለም በዚ ሕማም ኣብ ዝተናወፀትሉ፡ ክሳብ ሕዚ ብኮሮናቫይረስ ዘይሓመሙ ሰባት፡ ዘይተለኸፍሉ ምኽንያት ክኾኑ ዝኽእሉ ሓሙሽተ ነጥብታት እነሆ።
1. ዕድል
ምናልባት እቶም ዛጊድ በዚ ሕማም ዘይተለኸፉ ሰባት፡ ነቲ ሕማም ቀንዲ መመሓለለፍቲ ኣብ ዝኾኑ መገድታት ከይተረኸቡ ተሪፎም ክኾኑ ይኽእሉ።
እቲ ሕማም ብብዝሒ ዝተላብዐሎም ህዝባዊ መጓዓዝያታት ኣይተጠቐሙን ይኾኑ። ወይ ድማ በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኸፈ ሰብ ምትንኻፍ እንተድኣ ዘይነይርዎም፡ ዘይልከፍሉ ዕድል ኣሎ። እዚ ዘይመስል ነገር እኳ እንተኾነ፡ ሓደ ሓደ ሰባት ዕድለኛታት ኮይኖም፡ እቲ ለበዳ ብስፍሓት ኣብ ዘይተላብዐሉ ነቲ ቫይረስ ከይተቓልዑ ፀኒሖም።
2. ምንቅስቓስ ህዝቢ
ብቫይረስ ዝመሓላለፉ ሕማማት፡ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ምልብዖም ምኽንያት ክኸውን ይኽእል። እዚ ቫይረስ ተቐባሊ እዩ ዝደልይ፤ እንድሕር ስኢኑ ግና ይመውት።
ማዕበል ኮሮናቫይረስ ናባና ቅድሚ ምብፅሑ፡ ምናልባት ንብዙሓት ሰባት ኣጥቂዑ ተዳኺሙ ክኸውን ይኽእል። እዚ እቲ ቀዳማይ ናይ ዕድል ጉዳይ እንትኸውን፡ ሳይንሳዊ ገፅታ እውን ኣለዎ።
3. ክታበት
እቲ ቫይረስ ናብ ውሽጢ ሰብነትና ክኣቱ ምስ ጀመረ፡ ካብ ክታበት ዝርከብ ፀረ ታህዋስ ሻቡ ንሻቡ ነቲ ቫይረስ ክዋጋእ ይጅምር። እዚ ድማ እቲ ሕማም ንከይላባዕ ብከቢድ ይገትኦ።
እንተኾነ ክታበት፡ ኣብ ከይዲ፡ ነቲ ሕማም ናይ ምውጋእ ዓቕሙ ይደክም እዩ።
ስለዝኾነ ድማ፡ እዚ ለበዳ ክሳብ ዝጠፍእ እቲ ዝወስድናዮ ክታበት ክከላኸለልና ኣይኽእልን።
ካብዚ ብተወሳኺ ሓደሽቲ ዓሌታት ቫይረስ፡ ንተፈጥርኣዊ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ናይ ምሕላፍ ክእለት ኣለዎም።
4. ተፈጥርኣዊ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ
ሓደ ሓደ ግዘ እቲ ቫይረስ ኣብ ሰብነትና ቅድሚ ምብዝሑ፡ ተፈጥርኣዊ ናይ ምክልኻል ዓቕምና ከጥፍኦ ይኽእል።
ስለዚ ዘይተኸተቡ ሰባት ዋላ’ውን ነቲ ሕማም እንተተቓሊዖም፡ በቲ ሕማም ከይልከፉ ይኽእሉ።
እዚ ድማ ፈላማይ ናይ ሰብነትና ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ እዩ።
እንተኾነ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለይ። እዚ ንምንታይ ከም ዝኾነ ግና ብዝርዝር ዝፍለጥ ነገር የለን።
5. በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፍካ ዘይምፍላጥ
እዚ ምኽንያት ኣብ ብዙሓት ከጋጥም ዝኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ብኮቪድ ተለኺፉ፣ ምልክት እንከየርኣየ፣ እንከይ ተመርመረን በቲ ሕማም ከም ዝተትሓዘ እንከይ ፈለጠን ክፀንሕ ይኽእል እዩ።
እንተኾነ እቲ ሕማም ናብ ካልኦት ሰባት ከመሓላልፍ ይኽእል።
ንስኹም ክሳብ ሕዚ ብኮሮናቫይረስ እንተድኣ ዘይተለኺፍኩም፡ ብሓቂ ዕድለኛታት ኢኹም።
ሓደሽቲ ዓሌታት ኮቪድ፡ በቲ ቫይረስ ምስ ተለኸፍካ ዝምዕብል ናይ ምክልኻልን ክታበት ናይ ምፅዋርን ዓቕሚ ኣለዎም።
ስለዚ ኣብ ከይዲ ኮሮናቫይረስ ናብ ኩላህትና ክበፅሕ ይኽእል። እቲ ፅቡቕ ነገር ግና ብዙሕ ንቃንዛ ከቃልዐና ዘይኽእል ምዃኑ’ዩ።