እስራኤል፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ መጥቃዕቲ ፈፂማ

ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ጀኒን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ጀኒን ኣብ ዝርከብ "ቀጽሪ ግብረሽበራ" ዝበለቶ ከምዘጥቅዐ ተገሊፁ።

እስራኤል፡ እዚ ቀጽሪ እዚ ኣብ ውሽጢ መስጊድ ንዝርከብ መዕቖቢ-ሓማስ ከምዘሎ እያ ትኸስስ።

ቅድም ክብል፡ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኑር ሻምስ ብዘካየዶ ስርሒት፡ ሓሙሽተ ህጻናት ዝርከብዎም 13 ሰባት ከምዝተቐትሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ ነይሩ።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ዳንኤል ሃጋሪ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝገብሮ መጥቃዕቲ ከሕይልን ክውስኽንምዃኑ ገሊጹ።

እተን ቀዳሞት ናብ ብዙሕ ህዝቢ ዘለዎ ወሽመጥ ቓዛ ሓገዝ ዝጸዓና ናይ ጽዕነት መካይን ትማሊ ቀዳም ካብ ግብጺ ኣትየን ኣለዋ።

ንፍልስጤማውያን ኣዝዩ ዘድልዮም መግቢ፣ ማይን ሕክምናዊ ቀረብን ዝፀዓና ዀይነን፡ ነዳዲ ግን ኣየብጽሓን።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ምእታው ናይተን 20 ናይ ረድኤት ዝፀዓና መካይን "ሕፍኒ ካብ ውቅውያኖስ" ክብል ገሊጽዎ፤ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው።

ሓላፊ ሰብኣዊ ሓገዝ ናይቲ ትካል ግን ሎሚ ካልኣይ ቃፍላይ ረድኤት ናብ ቓዛ ክኣቱ ክፍቀደሉ ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ።

እዚ ጎንፂ ዝባላሕ ዘሎ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየዶ መጥቃዕቲ ስዒቡ 1400 ሰባት ምስ ተቐትሉ እዩ።

ካብ ሽዑ ጀሚራ እስራኤል ሕነ ንምፍዳይ ዝዓለመ ኣብ ቓዛ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣካይዳ ኣላ።

ከም ውፅኢቱ፡ ኣብ ቓዛ ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ ልዕሊ 4300 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም ሓቢሩ።