ኬንያ፡ ገበናት ዝስርሓሎም ዘሎ ብረታትን ፖሊስን እንታይ ኣራኸቦም?

ኬንያ፡ ኣብዚ እዋን እናዛየደ ይመጽእ ንዘሎ ገበን ትቃለሰሉ ኣብዘላ እዋን፡ ሓደ ገበነኛ ነበር ንካልኦት ገበነኛታት ዘይሕጋዊ ጠበንጁኦም ክመልሱ ከእምኖም ኣብ ዝፍትነሉ ዝነበረ ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ ተኸታቲልዎ።
እቲ ስሙ ብምዕቃብ ንቃለ መሕትት ፍቓደኛ ዝዀነ መንእሰይ፡ “እቲ ዝኸፍአ ዝገበርክዎ ነገር ምቕታል እዩ። ሰብ ቀቲለ። ዋላ ሓደ ዝተሰምዓኒ ነገር ኣይነበረን። ምኽንያቱ ብሓሽሽ ዓዊነ እየ ነይረ። ሃመማ ዝቐተልኩ ኰይኑ ተሰሚዑኒ” ይብል።
ሳሙኤል* (ስሙ ዝተቐየረ) ኣብታ ኣብ ምዕራባዊ ኬንያ ጥቓ ቀላይ ቪክቶርያ ትርከብ ኪሱሙ፡ ነቲ ኪንግ ካፉ ዝተበሃለ ገበነኛ ነበርን ሕጂ ድማ ሰባት ካብ ገበን ንክርሕቁ ዝሕግዝ ዘሎን ሰብን ንምርካብ እዩ ከይዱ።
ርኡይ ብዝዀነ መልክዑ ኣመና ተሻቒሉ ኣሎ። ኣብ ሕቡእ ቦታ AK47 ዝተበሃለ ጠበንጃ ኣለዎ። ሕጂ ግን ንፖሊስ ከረክቦ ይደሊ።
ንምንታይ እዚ ክገብር ከም ዝወሰነ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ “ስድራይ ዝበልዕዎ ዘይረኽብሉ እዋን ክመጽእ እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ክጉድኡ እዮም።
ከይደ ዘይረብሕ ነገር እንተገይረ እሞ ብጥይት እንተ ተቐቲለ፡ ዋላ ሓደ ንስድራይ ቍሊሕ ኢሉ ዝጥምቶም ሰብ ኣይክህሉን እዩ፤ ነዚ ድማ እዩ እዚ ነገር (ጠበንጃ) ክመልሶ ካብ ልበይ ዘወሰነኒ” ይብል።
ኣሃዛት ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ስታትስቲክስ ኬንያ ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝምታታት ብ20 ሚእታዊት ወሲኾም እዮም።
ኢንስቲትዩት ኦፍ ሰኲሪቲ ስተዲስ ፡ ብዶባት ኣቢሎም ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ዘይሕጋዊ ብረታት፡ ኬንያ ብውልቀሰባት ብዝውነኑ ኣጽዋራት፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ መወዳድርቲ ኣልቦ ክትከውን ከም ዝገበራ ይገልጽ።
ሓደስቲ ኣሃዛት ናይቲ ኣንፈት ዓለማዊ ኣጽዋር ዝከታተል ስሞል ኣርምስ ሰርቨይ ድማ፡ ኣብ ኬንያ ኣስታት 750 ሽሕ ፎከስቲ ብረታት ኣብ ኢድ ሲቪላት ሰባት ከም ዝርከብ የመልክቱ። እዚ ድማ ካብ ሰራዊትን ፖሊስን ኬንያ ዝዛይድ እዩ።
ካፉ፡ ብረቶም ክመልሱ ናይ ዝደልዩ ሰባትን ፖሊስን መንጐኛ እዩ።

ንፈለማ እዋን ናብ ገበን ክኣቱ እንከሎ ወዲ 15 ዓመት እዩ ነይሩ። ሳንጣ ሰባት ብምምንጣል ጀሚሩ፤ ደሓር ግን ተዓጢቑ ናብ ምዝማት ሰጊሩ።
ኣብ 2003፡ ብገበን ዝምታ ን4 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።
ሳሙኤል* ብመገዲ ኢንስታግራም ኣቢሉ ሓገዙ ከም ዝደሊ ንካፉ ሓቲትዎ። ካፉ ድማ ኣብ ኪሱሙ ንዝርከብ ከባብያዊ ፖሊስ ብምሕባር ብረት ሳሙኤል ክርከብዎ ተሰማሚዖም፤ ብዝተገበረሉ ምሕረት ከኣ ኣብ ልዕሊኡ መርመራን ክስን ከም ዘይክፈት ቃል ተኣትይሉ።
ነታ ኤኬ47 ብረት ንምርካብ ብኣካል ክራኸቡ መዓልቲ ምስተፈልየ ግን ሳሙኤል ኣሰሩ ኣይተረኸበን።
ወዲ 40 ዓመት ካፉ ኣብቲ ኣብ ሻውላት ናይሮቢ ብዝነብሩ መንእሰያት ፍቱው ዝዀነ መደብ 'ራድዩ ጌቶ' ፍቱው ኰይኑ፡ ኣብ መደቡ ድማ ሕሰም ብጠመንጃ ዝፍጸሙ ገበናት ይምህር።
“ልክዕ ምስ ተፈታሕኩ'ዩ ህይወት ዝረኸብክዎም ሰባት ሕሱም ምንባሩ ዝተረድኣኒ። መብዛሕትኦም ኣብ ገበን ዝኣተዉ መሓዙተይ መወዳእትኦም ዘሕዝን እዩ፤ መብዛሕትኦም ብሰንኪ ዘለዎም ገበናዊ ህይወት ዕጫኦም ኣብ ዝዀነ ሞይትካ ምርካብ እዩ።”
ንህይወቱ ክቕይር ዝገበሮ ኵነት እውን እዚ እዩ።
“ዝዀነ ሰብ ሰራቒ ኰይኑ ኣይተወለደን። እቲ መንእሰይ ዋላ’ኳ ስራሕ እንተዘይሃለዎ፡ ገበን ኣማራጺ ክኸውን የብሉን ኢና ንብል ዘለና። ሰባት ዝሓዝዎ ዘይሕጋዊ ጠበንጃ ንፖሊስ ከረክቡ ንምዕድ ኣለና” ይብል።
ኣብቶም ዝሓለፉ 20 ዓመታት መንግስቲ ኬንያ ዕጡቓት ዝፍጽምዎ ገበናት ንምቍጽጻር ኣጽዋራቶም ንዘረክቡ ሰባት ምሕረት ክገብር ጸኒሑ።
በዚ ድማ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ጠበናጁ ናብ ሰብመዚ ተመሊሶም’ዮም። ኣብታ ሃገር ምስ ዘሎ ጠቕላላ ዝውውር ዘይሕጋዊ ፎኮስቲ ብረት ግን፡ እዚ ዝተረከበ ኣመና ውሑድ እዩ።

ሓደ ገበነኛ ንቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ ኣብ ኬንያ ሽጉጥ ምሓዝ ቀሊል ከም ዝዀነ ሓቢሩ። ብ 40 ሽሕ ሽሊን ኬንያ ($300; £240) ምዕዳግ ይከኣል’ዩ ይብል።
ካፉ፡ ዘይሕጋዊ ጠበናጁ ንሰብመዚ ከረክቡ ዝደልዩ ሰባት ዒላማ ክንከውን ኢና ዝብል ስክፍታ ከም ዘለዎም ይገልጽ።
ፖሊስ ኬንያ ካብ ሕጊ ወጻኢ ቅትለት ብምፍጻም ይኽሰስ። ትካል ገባሪ ሰናይ ሚሲን ቮይስስ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ህይወት ልዕሊ 800 ሰባት ብኢድ መኰንናት ከም ዝጠፍአ ኣፍሊጡ። መብዛሕትኦም ድማ ድኻታት መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ እዮም።
ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ፡ ኣብ ናይሮቢ ብረቱ ከረክብ ናብ ዝደሊ ጆን* ምስ ካፉ ተጓዒዙ።
ጆን፡ “ንምምላስ ድሉው እየ። ኬድካ ሓደ ሰብ ትቐትል። ነዚ ንምፍጻም ዝረኸብካዮ ገንዘብ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ትውድኦ። ደም እቲ ዝቐተልካዮ ሰብ ግን ኣብ ኢድካ’ዩ። ንሰብ ጐዲእካ ኣብ ጣዕሳ ትነብር። እዚ ህይወት ከቢድ እዩ” ይብል።
ዝዓበየ ፍርሒ ጆን ነቲ ብረት ንምምላስ ናብ ፖሊስ ኣብ ዝኸደሉ ዝዀነ ነገር ከጋጥመኒ እዩ ዝብል እዩ።
ጆን ነዚ ሻቕሎቱ ከረድእ እንከሎ፡ ሓደ መሓዛኡ ክልተ ብረት ከረክብ ከም ዝደሊ ንሓደ ሽማግለ እቲ ዝነብረሉ ማሕበረሰብ ድሕሪ ምዝራቡ ንጽባሒቱ ብናይ ፖሊስ መኪና ከም ዝተወሰደን ድሕሪ ሰሙን ኣብ ሳንዱቕ ሬሳ ከም ዝተረኸበን ይገልጽ።
“እቲ ጸገም ንመን እየ ክኣምን፣ ብኸመይ እየ ከረክቦ ዝብል” እዩ።
ፖሊስ ኬንያ፡ ንገበነኛታት ፎኮስቲ ብረታትን ተተኰስትን የካርዩን ይሸጡን እዮም ዝብሉ ሰፋሕቲ ክስታት ይቐርቡ እዮም። ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ ፖሊስ ኬንያ ኣብዚ ክሲ ምላሽ ንኽህብ’ኳ እንተሓተተ፡ ምላሽ ግን ኣይረኸበን።

ካፉ ናብ ሓለቓ ፖሊስ እቲ ከባቢ ብምድዋል ነቲ ሽጉጥ ዝመልስ ሰብ ውሕስነት ክህቦ ዳግማይ ከረጋግጸሉ ሓቲትዎ። ድሕሪ ሒደት መዓልታት ድማ ነታ ሽጉጥ ሒዞም ብሓባር ናብቲ መደበር ፖሊስ ከይዶም።
እቲ ሓለቓ ፖሊስ ኣብታ ብረት ንዘሎ መፍለይ ቍጽሪ ኣጻርዩ፤ 'ኬፒ' ዝብል ሕላገት ኣለዋ። ኬፒ፡ ኣሕጽሮተ ቃል ፖሊስ ኬንያ ምዃኑ እዩ።
ፖሊስ ንምምላስ እታ ብረት ኣመልኪቱ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝሃበሉ ኣጋጣሚ፡ ካፉ፡ ፖሊስ ኣጽዋራቶም ክመልሱ ንዝደልዩ ሰባት ውሕስነት ንምሃብ ዝኣተዎ ቃል ክጸንዕ ኣተሓሳሲቡ።
“መንግስቲ ምስዚ መንእሰይ ግልጺ ክኸውን እደሊ። ጠበናጁኦም ኣብ ዝመልሱሉ፡ ክጠፍኡ ድዩ ክግበር ወይስ ክድገፉ? መንግስቲ ክተሓባበሮም እሓትት። እዞም መንእሰያት ፍቕሪ የድልዮም'ዩ” ኢሉ።
ብርግጽ እዚ ጥራይ ነቲ ኣብ ኬንያ ብብረት ዝፍጸም ገበናት ክገትኦ ኣይክእልን። ካፉ ግን እዚ መጀመርታ እዩ ይብል።
ገበነኛታት ከም ዝኣምንዎ ዝገልጽ ካፉ፡ብዙሓት ሰባት ብዘይፍርሕን ሕነ ምፍዳይን ኣጽዋራቶም ከረክቡ ከእምን ድማ ተስፋ ይገብር።
ኪንግ ካፉ፡ “ነዞም መንእሰያት ክንቃለስ ንጽዕር ኣለና” ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







