እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ንኢትዮጵያውያን እትህቦ ቪዛ ናብ ሰለስተ ወርሒ ኣሕጺራ
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ንኢትዮጵያውያን ዝህቦ ዝነበረ ቪዛ ናብ ሰለስተ ኣዋርሕ ከምዘሕጸሮ ኣፍሊጡ።
እቲ ኤምባሲ፡ ብሓሙስ 10 ሓምለ 2025 ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ውሳነ፡ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ስደተኛታት ንዘይኰኑ ኣመልከትቲ ቪዛ ብዝምልከት ብዝገበሮ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ብመሰረት ሓድሽ ፖሊሲ፡ ካብ 8 ሓምለ 2025 ጀሚሩ ንኢትዮጵያውያን ዝወሃብ ቪዛ ንሓደ ግዜ ጥራይ ዘገልግልን ንሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ዝጸንሕን ክኸውን እዩ።
ቅድሚ 8 ሓምለ ዝተዋህበ ቪዛ ግን ተቐባልነቱ ከምዝቕጽል እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ንንግድን ቱሪዝምን ናብ ኣመሪካ ዝገሹ ኢትዮጵያውያን ዝወሃቦም ቪዛ ኣብ ትሕቲ "B1"ን "B2"ን ክምደብ እዩ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብዚ ምድብ ዝሰፍሩ ተጓዓዝቲ ንኽልተ ዓመት ዘገልግል ቪዛ እዩ ዝወሃቦም ነይሩ። ብተወሳኺ ክሳብ እቲ ግዜ ዝውዳእ ድማ እቲ ቪዛ ናብታ ሃገር ብተደጋጋሚ ምእታው ዝፈቅድ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
እቲ ሓድሽ ዝተኣወጀ ፖሊሲ፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ሰለስተ ኣዋርሕ ምሕጻሩ፡ ብሓደ ቪዛ ናብታ ሃገር ብተደጋጋሚ ምእታው ዝኽልክል እዩ።
በዚ መሰረት፡ ሓድሽ ፖሊሲ ቪዛ ዝረኽቡ ተጓዓዝቲ፡ ዋላ'ውን እቲ ቪዛ እንተዘይወደቐ፡ ካብ ኣመሪካ ምስ ወጹ ብተመሳሳሊ ቪዛ ናብታ ሃገር ዳግማይ ተመሊሶም ክኣትዉ ኣይክእሉን እዮም።
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ንሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ክህቦ ዝጸንሓ ግዜ ቪዛ ናብ ሰለስተ ኣዋርሕ ከምዘውረዶ ኣብዚ ሰሙን እዩ ኣፍሊጡ። በዚ ውሳነ ካብ ዝተሃስያ ሃገራት ናይጀርያን ጋናን ይርከብአን።
ብዘይካ'ዚ ኣመሪካ ንዝተፈላለዩ ዕላማታት ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ናይጀርያውያንን ጋናውያንን ዘይስደተኛታት ዝወሃብ ቪዛ ንሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ከምዝጸንሕን ንሓደ ግዜ ጥራይ ከምዘገልግልን እውን ኣፍሊጣ።
በዚ መሰረት ካብ ክልቲአን ሃገራት ዝመጹ ተጓዓዝቲ ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝኣትዉሉ ናይ ቪዛ ግዜን ቅድመ ኵነትን ለውጢ ተገይሩ ኣሎ።
እዚ ምምሕያሽ ማለት ንቱሪዝም፡ ትምህርትን ስራሕን ናብ ኣመሪካ ዝገሹ ሰባት ናይ ሰለስተ ወርሒ ቪዛ ጥራይ እዮም ክረኽቡ ዝኽእሉ።
ብተወሳኺ እቲ ቪዛ ንሓደ ግዜ ጥራይ እዩ ዘገልግል።
ኣመሪካ ንፖሊሲ ቪዛኣ ዘመሓሸት፡ ምምሕዳር ትራምፕ ብ5 ሰነ 2025 ንዜጋታት ናይተን ንጸጥታ ሓደጋ እየን ዝብለን 12 ሃገራት ከምዝእግድ ድሕሪ ምግላጹ'ዩ።
ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ሱዳን፡ ጫድ፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ሊብያ ካብ መንጎ እዘን ሃገራት እየን።
ድሕሪ ሓደ ሰሙን ድማ ማዕከናት ዜና ንውሽጣዊ ሰነድ ብምጥቃስ፡ ዜጋታት ኢትዮጵያ እትርከበን 36 ሃገራት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ንምእጋድ ሓሳብ ከምዘሎ ኣቃሊዐን ምንባረን ይዝከር።
ጋና፡ ናይጀርያን ኢትዮጵያን እውን እቲ እገዳ ዝምልከተን ሃገራት ከምዝዀና ተጠቒሰን።
ኣብ መወዳእታ ግንቦት ድማ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤምባሲታት ቈጸራ ቪዛ ተምሃሮ ደው ከብሉ ኣዚዙ ነይሩ።
ንሓተትቲ ቪ ዝግበር መርመራ ከስፍሕ መደብ ከምዘለዎ ዝገለጸ እቲ ምምሕዳር፡ ንተምሃሮ ዝወሃብ ቈጸራ ቪዛ ንግዚኡ ደው ኣቢልዎ።
ብጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ እቲ እገዳ "ክሳብ ተወሳኺ ምልክታ" ዝወሃብ ከምዝጸንሕ ምፍላጡ ድማ ይዝከር።