ኣመሪካ፡ ቁጽሪ ብዕልቕልቕ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 100 በጺሑ

ብውሑጅ ዝተወሰዳ መካይን

ኣብ ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ዝወቅዕ ዘሎ ዝናብ ብዝተፈጠረ ዕልቕልቕ ቁጸሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 100 ክበጽሕ እንከሎ፡ ቁጽሮም ብርግጽ ዘይተፈለጠ ሰባት ሃከዋቶም ጠፊኡ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ሬሳታት ኰነ ብህይወት ዘለዉ ንምርካብ ዝግበረ ዘሎ ፈተነታት ብሰንኪ ብርቱዕ ጭቃን ከቢድ ኩነታት ኣየርን ኣጸጋሚ ኰይኑ ከምዘሎ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ገሊጾም።

እቲ ብርቱዕ ዝናብ ካብ ዝጅምር ኣርባዕተ መዓልታት ስለዘሕለፈ ግን ሰባት ብህይወቶም ናይ ምርካብ ዕድል እናማህመነ ይኸይድ ከምዘሎ ይሕብር ኣሎ።

እቲ ዝኸፈአ ሓደጋ ኣብ ኪር ዝብሃል ዞባ'ዩ ኣጋጢሙ፡ ዳርጋ መባዛሕትኦም ካብዞም ምውታት ከኣ ካብቲ ዞባ'ዮም።

ምይስቲክ ዝብሃል ማእከል 'ክረስትያን ደቂ ኣንስትዮ' ካብ ዝነበራ ደቂ ኣንሰትዮ 27 ከምዝሞታ ክረጋገጽ እንከሎ፡ 10 ካብተን ደቂ ኣንስትዮን ሓንቲ ኣማኻሪተንን ከኣ ሃለዋተን ኣይተፈለጠን ዘሎ።

ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ቍጽሪ ምውታት ካብዚ ተገሊጹ ዘሎ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል ኣተንቢሆም ኣለዉ።

ወሃብቲ ቀዳማይ ረድኤት፡ ህይወት ንምድሓን ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ቅልስ፡ ኣብቲ ጭቃን ፍርስራስን መርዛማት ኣትማን ብብዝሒ ይረኽቡ ስለዘለዉ ነቲ ስርሓት ህይወት ኣድሕን ይጎቶ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ካብቶም ሞይቶም ዝተረኸቡ 84 ሰባት እቶም 56 በጽሕታትን 28 ቆልዑን ካብ ዞባ ኪር ኰይኖም፡ ዓርቢ ሃገራዊ በዓል ስለዝነበረ ብዙሕሓት ሰባት ኣብ ገምገም ፈለግ ጓዳሉፐ ክዘናግዑ ኢሎም ምስ ከዱ ግዳይ ከምዝዀኑ'ዩ ተሓቢሩ።

ሬሳታት 22 በጽሕታትን 10 ቖልዑን ግን ገና መንነቶም ክልለ ኣይከኣለን ዘሎ።

ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ግሬግ ኣቦት ብሰንበት ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃለዋት ናይቶም ጠፊኦም ዘለዉ ክሳብ ዝርከብ መስርሕ ድልያን ህይወት ኣድሕንን "ፈጺሙ ደው ኣይብልን'ዩ፡" ኢሉ።

እቲ ኣመሓዳሪ ኣስዒቡ፡ ናብቲ እተን ደቂ ኣንስትዮ ዝመሃራሉ ዝነበራ ቤት ትምህርቲ በጺሑ ዕንወቱ ምስ ረኣዮ "እዘን ንኣሽቱ ቈልዑ ኣዝዩ ዘሰንብድን ዘስካሕክሕን ነገር'ዩ ኣጋጢምወን" ብምባል ሓዘኑ ገሊጹ።

ማእከል እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገምገም ፈለግ ጓዳሉፐ ብምዃኑ'ዩ ዝያዳ ነቲ ሓደጋ ክቃልዓ ክኢለን፤ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ከኣ ድልያኦም ኣብ ከባቢ እቲ መዓስከር ኣጽዒቘም የካይዱ ኣለዉ።

እቲ ዕልቕልቅ ብኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ዝትመን ዕንወት'ዩ ኣስዒቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብዓርቢ ብርቱዕ ዝናብ ምስ ዘነበ ምልኣተ ማይ እቲ ፈለግ ኣብ ወሽጢ 45 ደቃቕይ ብ8 ሜትሮ'ዩ ወሲኹ፡ እዚ ከኣ ነተን ተመሃሮ ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ደቂሰነኦ ዝነበራ ከይተስኣ እንከለዋ ከምዘርከበን'ዩ ዝግመት።

ብሰንኪ እዚ ሓያለ ካብተን ተመሃሮን፡ ነቲ መዓስከር ንነዊሕ ዓመታት ከም ዳይረክተር ኰይኑ ዝመርሖ ሪቻርድ ዲክ ኢስትላንድ ካብ መንጐ እቶም ዝሞቱ'ዮም።

ክሬግ ፍሮሊክ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ዝነበረ ኰይኑ ምስ ሓደ ትካል ህይወት ኣድሕን ብወለንታኡ'ዩ ዝሰርሕ ዘሎ።

ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕተት፡ ገለ ሬሳ ግዳያት ካብቲ ሚስቲክ ዝተሰመየ መዓስከር ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ 12 ኪሎሜተር ርሒቑ ከምዝተረኸበ ገሊጹ።

"ክዳውንትን ካልእ ንብረት ናይቲ መዓስከርን ፈቘዶኡ'ዩ ብውሑጅ ተገፊዑ ዝረአ።"

ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ብተወሳኺ ካልኦት ክንደይ ዝዀኑ ቀዳመ ሰንበት ኣብቲ መዓስከር ከሕልፉ ኢሎም ኣብቲ መዓስከር ከምዝነበሩ ኣይተፈለጠን ዘሎ።

እቲ ብልዕሊ ፈለግ ጓዳሉፐ ነቲ መዓሰከርን ንከተማ ከርቪለን ዘራኽብ ክልተ መስመር ዘለዎ ቢንቶ ናይ መካይን ምሉእ ብምሉእ ብምዕናዉ ሓደ ካብቲ ዕንቅፋት ፈጢሩ ዘሎን ንደረጃ እቲ ዕልቅልቕ ዝፈጠሮ ዕንወት ዘርኢን'ዩ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብሰንበት ኣብ ዞባ ኪር ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደ ብምእወጅ፡ ናብ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ሓገዝ ፈደራል ናይ እዋን ህጹጽ ግዜ ክወሃብ ኣዚዙ።

ዝመጽእ ዓርቢ ናብቲ ቦታ ብኣካል ክኸይድ ከምዝኽእል'ውን ትራምፕ ሓቢሩ።

ትራምፕ ብሰንበት ኣብ ኒው ጀርሲ ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ምስቶም ኣብ ቴክሳስ ዘለዉ ወከልቲ ብቕርበት ንሰርሕ ኣለና፡ እቲ ዘጋጠመ ከኣ ዘሕዝንን ዘሰንብድን'ዩ" ኢሉ።