ዓይኒ ዝማርኹ ኣሳእል 2024፤ ፋኑስ ኣዋልድ ቓዛ... ሓደ ንግሆ ድሕሪ ማይ ኣይሂ...

ኣብ ማዕበል ዝሕምበብ ሓምባሲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ ዓመት፡ ካብቲ ዘደንቕ ስእሊ ኣብ ማዕበል ባሕሪ ዝሕምበብ ሓምባሲ፡ ኣዋልድ ቓዛ ዘብርሃኦ ፋኑስ፡ ብሓደ ንግሆ ድሕሪ ማይኣይሂ ዝተገልጸ ግሩም ኣሳእልን፡ ክሳብ ኣብ ፈተነ ቅትለት ትራምፕ ዝተወስደ ምሩጽ ቅልዓት ዓይኒ ዝማርኹ 12 ኣሳእል 2024 ተባሂሎም ተመዝጊቦም ኣለዉ።

ግርደት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ግርደት ጸሓይ

1. ጸሓያዊ ግርደት

ሓንቲ ነፋሪት፡ ነቲ ብ 8 ሚያዝያ ዝተኸስተ ፍጹም ጸሓያዊ ግርደት ኣብ ብሉሚንግተን ኢንዲያና ኣብ ክልተ ክትከፍሎ ተራእያ።

እዚ ምርኢት'ዚ ግን ንመጀመርያ ግዜ ዘጋጠመ ከም ዘይኰነ ታሪኽ ይነግር።

ኣብ ጥሪ 1925፡ ሓንቲ መርከብ ኣየር ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፡ 227 ኪሎ ዝምዘን ቴለስኮፕን ሸውዓተ ሳይንቲስትን ጽዒና፡ ብዝተኻእለ ቅርበት ነቲ ኣዝዩ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ጸሓያዊ ግርደት ክትዕዘብ፡ ብከተማ ኒውዮርክ ከም ዝነቐለት ይዝንቶ።

ኣብታ መርከብ ዘይኰነስ፡ ኣብ ምድሪ ኰይኑ ነቲ ክስተት ብጥንቃቐ ዝከታተል ዝነበረ፡ ኣመሪካዊ ቀባኢ ሃዋርድ ራስል ባትለር፡ ተመሃሮ ንምንቕቓሕ ከም ዝሰነዶ ይፍለጥ።

ካብ መኽፈቲ ምርኢታት ኦሎምፒክ ፓሪስ

ምንጪ ስእሊ, Thomas Jolly

መግለጺ ስእሊ, ካብ መኽፈቲ ምርኢታት ኦሎምፒክ ፓሪስ

2. ጽንብል መኽፈቲ ኦሎምፒክ ፓሪስ

'ታሪኽ ስነ-ጥበብካ ምፍላጥ ብውሑዱ ካብ ጸቕጥን ቃንዛ ልብን ከድሕነካ ይኽእል እዩ' ይበሃል።

እዚ እንተወሓደ፡ ካብቲ ኣብ መኽፈቲ ጽንብል ኦሎምፒክ ብዝቐረበ ምርኢት ዝተፈጥረ ክትዕ ዝተወስደ ትምህርቲ እዩ።

እቲ ልዕሊ ገዚፍ ጣውላ፡ ጥራሕ ዕርቃኑ ዝወጸ ሰብ ተጋዲሙ ብንግስቲ ድራግን ደራፋይን ተኸቢቡ ዘርኢ ምርኢት፡ ገለ ሰባት ነቲ ብሊዮናርዶ ዳቪንቺ ዝተተሳእለ ፍሉጥ ምስሊ The Last Supper ዘላግጽ ምርኢት እዩ ብምባል ነቒፎምዎን ኣጸያፊ ብምባል ኰኒኖምዎን - ክትዕ ድማ ፈጢሩ።

እቶም ኣዳለውቲ ግን ከምኡ ከም ዘይኰነ ገሊጾም።

ኣብ ክንድኡ፡ ካብ ግሪኻዊ ኣምላኽ ዲዮኒሶስን ዝተደረኸ፡ ብ1635 ብጃን ቫን ቢለርት ዝተሳእለ 'ፊስት ኦፍ ዘ ጎድስ' ዘንቀሎ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንዝዀነ እምነት ንምህራም ዝዓለመ ኣይኰነን ብምባል ይቕሬታ ሓቲቶም።

ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣብ ደቡብ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣብ ደቡብ ሱዳን

3. ትራንዚት - ሱዳናውያን ኣብ ደቡብ ሱዳን

ኣብ ለካቲት፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ከተማ ረንክ ኣብ ዝርከብ ማእከል ትራንዚት፡ ሱዳናውያን ስደተኛታት ሓገዝ ንምርካብ ኣብ ጽዑቕ መስርዕ ተሰሪዐን ይረኣያ።

ኣብ መጀመርታ 2024 ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ካብቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕን ዝተወልዐ ግጭት ሃዲሞም ንጸጋታት ደቡብ ሱዳን የቋምቱ።

እዚ ስእሊ ነቲ ህያው ቅርጺ ኣከዳድና እተን ስደተኛታት ምስቲ ኣጸጋሚ ኵነታቶም ብምንጽጻር ዝቐረጸ እዩ።

ዕምቆትን ስምዒትን እቲ ምስሊ፡ ምስቲ ኣብስትራክት ቅብኣታት እቲ ኣብ ግጥማዊ ስእልታቱ ዝርአን ስምዒታዊ ሕብርታት ብምውህሃድ ዝፍለጥ ሱዳናዊ ስነ-ጥበባዊ ሑሴን ይመሳሰል።

እሳተ ጐመራ

ምንጪ ስእሊ, AFP Photo/ Center for Volcanology and Geological Hazard Mitigation

መግለጺ ስእሊ, እሳተ ጐመራ

4. እሳተ ጐመራ - ተምሳጥ ደቂ ሰብ ንኣዕናዊ ጽባቐ

ኣብ ሚያዝያ፡ ኣብ ኢንዶነዥያ ዝርከብ እምባ ሩኣን ብተደጋጋሚ ተፈንጂሩ፤ ውዑይ ላቫን ሓሙኽሽትን ናብ ሰማይ ኣፍሲሱ።

እቲ ሓያል ምስልታት ናይቲ ነትጒ ኣዝዩ ዘደንቕን በቲ ሓደ ድማ ዘስካሕክሕን እዩ ነይሩ።

እቲ ድራማዊ ትርኢታት ደበናታት ዝፈሰሰ ከውሕን ሓሙኽሽትን፡ ምስታ ብ1822፡ በቲ ኣፖካሊፕቲካዊ ራእይ ተባሂሉ ዝተገልጸ ውሩይ ብሪጣንያዊ ሮማንቲካዊ ስነ-ጥበባዊ ጆን ማርቲን ዝተሳእለት 'ዘ ዲስትራክሽን ኦፍ ፖምፐይን ሄርኩላነየም' እትብል ቅብኣ ንፍንጀራ እምባ ቬሱቭየስ ዝገልጽ ዝመሳሰል እዩ።

እዚ ድማ ነቲ ነዊሕ ዝጸንሐ ተምሳጥ ደቂ ሰብ ንኣዕናዊ ጽባቐ እሳተ ጎመራ ዘጉልሕ ተባሂሉ ይግለጽ።

ትራምፕ ድሕሪ ዝተኻየዶ ፈተነ ቅትለት

ምንጪ ስእሊ, AP

መግለጺ ስእሊ, ትራምፕ ድሕሪ ዝተኻየዶ ፈተነ ቅትለት

5. ፈተነ ቅትለት ትራምፕ

እቲ ኣብዚ እዋን ፕረዚደንት ኰይኑ ተመሪጹ ዘሎ ትራምፕ፡ ኣብ እዋን ጐስጓስ ከቢድ ፈተነ እዩ ኣሕሊፉ።

ሓደ ካብኡ ኣብ ሓምለ ኣብ ፐንሲልቬንያ ኣብ ዝነበረ ጓስጓስ መረጻ ዘጋጠሞ ፈተነ-ቅትለት ኰይኑ፡ ድሕሪ እቲ ፍጻመ ኢዱ ዓሚዅ ህላውነቱን ዘይተርፍ ዓወቱን ክግለጽ ይርአ።

እታ ጥይት የማነይቲ እዝኑ ጠርፊፋ ገጹ ደም መሊኣቶ እያ።

እዛ እተደንቕ ስእሊ ድማ ነቲ ፍጻመ ተንጸባርቕ ኰይና፣ ብድሕሪኡ ቀኒና ትርአ ባንዴራ ድማ ነቲ ምስሊ ድምቀት ወሲኻትሉ።

ኣዋልድ ቓዛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣዋልድ ቓዛ

6. ኣዋልድ ቓዛ ዘብርሃኦ ፋኑስ

ብ29 ለካቲት ክልተ ፍልስጤማውያን ኣዋልድ ኣብቲ ብደብዳብ እስራኤል ዝዓነወ ደቡባዊ ቓዛ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት፡ ንጾመ-ሮሞዳን ንምድላው ፋኑስ ወሊዐን፡ ነቲ ብጻዕቂ ዝተጨናነቐ ቴንዳታተን ሰሊመናኦ።

እቲ ተስፋ ዝህብ ፈኲስ ብርሃን ናይቲ ፋኑሳት ምስቲ ኣብ ድሕሪት ዝነበረ ዘይርጉእ ዕራርቦ ጸሓይ ይነጻጸር።

ዳርጋ ክልተ ሚልዮን ሰባት ቓዛውያን ብኲናት ተመዛቢሎም እዮም።

ትርኢት ምብራህ ናይቲ ፋኑስ፡ ምስቲ ብ1885 ብጆን ሲንገር ሳርጀንት ዘድላእዎ ቅብኣ 'ካርነሽን፡ ሊሊ፡ ሊሊ፡ ሮዝ' ዝመሳሰል ኰይኑ፡ ሓላፊ ብርሃን ምሸት ዝሓዘ እዩ።

ይዅን እምበር፡ እቲ ሕሱም ክውንነት ቓዛን ብኲናት ዝተሃስየ መልክዓ ምድሪን፡ ነቲ ሰላማዊ ጀርዲን ናይቲ ታሪኻዊ ቅብኣ ይትክኦ።

ሓምባሳይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓምባሳይ

7. መንፈሳዊ ዕርገት ዘነቓቕሐ ተሓምባባይ

ብ29 ሓምለ ኣብ ታሂቲ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኦሎምፒክ ደቂ ተባዕትዮ ሰርፊን፡ ብራዚላዊ ጋብሪኤል መዲና ልዕሊ ሓደ ዓቢ ማዕበል ብምሕምባብ ንደገፍቱ ኣገሪሙ።

ኢዱ ኣልዒሉ ኣጻብዕቱ ንሰማይ እናኣመልከተ ዝፈጠሮ ምልዓል፡ ንብዙሓት ትርኢታት ስነ-ጥበብ መንፈሳዊ ዕርገት ኣዘኻኺሩ፤ ንኽእለት ኣትለቲክስ ምስ ስምዒት ተሳግሮኣውነት ኣዋሃሂዱ።

ዕንወት ውሕጅ ኣብ ቫለንሽያ

ምንጪ ስእሊ, AP

መግለጺ ስእሊ, ዕንወት ውሕጅ ኣብ ቫለንሽያ

8. እታ ጓል ኣብ ባልኮኒ

ብ30 ጥቅምቲ ኣብ ቫለንሽያ ስጳኛ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ውሕጅ ኣብ ከባቢኣ እናተሓንበበ፡ መካይን ክዓንዋን መናድቕ ክድህመስን ኣብ ባርኮኒኣ ኰይና ትዕዘብ ነበረት።

ሳሕቲ ዝርአ ኵነታት ኣየር ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ሰዓታት ጥራይ 500 ሚ.ሜ ዝዓቐኑ ዝናብ ብምዝናቡ ነቲ ከባቢ ኣዕንይዎ።

እቲ ትርኢት ነቲ ዝተበታተነን ድራማዊን ምርኢት ናይቲ ብ1912 ብኢጣልያዊ ኪዩቢስት ካርሎ ካራ ዝቐብኦ ስእሊ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ባልኮኒ የዘኻኽር።

ምርኢት ቢሊ ኣይሊሽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ምርኢት ቢሊ ኣይሊሽ

9. ቢሊ ኣይሊሽ - ሓደ ንግሆ ድሕሪ ማይ ኣይሂ

ኣብ ግንቦት፡ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል ምስማዕ ኣልቡማ 'ሂት ሚ ሃርድ ኤንድ ሶፍት'፡ ናይ ቢሊ ኣይሊሽ ዝተራእ ምርኢት ኰይኑ፡ ናብ ሕልሚ ዝመልኦ ጭቃ ዝተዋሃሃደት ትመስል።

እዚ ናብ ብርሃን እናሃሰሰት ትኸይድ ዝመስል ምስሊ፡ ንስራሕ እንግሊዛዊ ቀባኢ ጀይ.ኤም.ደብሊዩ የዘካኽር።

ብፍላይ ድማ ነቲ ብ1843 ዝሰርሖ ብክልሰ-ሓሳብ ጎተ ዝተደረኸ ንሓንቲ ህሞት ዝሃርም ብርሃን ዘንጸባርቕ [ብርሃንን ሕብሪን]- ንግሆ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ዝመሳሰል ምዃኑ ይግለጽ።

ዝወደቐ ሓወልቲ ኣሳድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዝወደቐ ሓወልቲ ኣሳድ

10. ትእምርቲ ንጽገት ኣረጊት ስርዓት

ብ9 ታሕሳስ ኣብ ሶርያ፡ ሰባት ኣብ ርእሲ ሓደ ዝወደቐ ሓወልቲ ፕረዚደንት ነበር ሓፊዝ ኣል ኣሳድ ረጊጾም ይርኣዩ።

እዚ ተግባር ድሕሪ ምውጻእ ስድራቤት ኣሳድ ካብ ሶርያ ዝተራእየ ኰይኑ ምፍራስ ስርዓት የመልክት።

እዚ ከምቲ ኣብ 1776 ድሕሪ ኣዋጅ ናጽነት ንሓወልቲ ንጉስ ጆርጅ ሳልሳይ ብምውዳቕ ኒውዮርካውያን ዝስምዖም ዝነበረ ፍናን ዝመሳሰል ኰይኑ፡ ምዕናው እዞም ሓወልትታት ሓያል ምልክት ናጽነትን ንጽገት ኣረጊትን ሕሉፍን ስርዓት እዩ።

ባለሪና

ምንጪ ስእሊ, Bess Adler

መግለጺ ስእሊ, ባለሪና

11. ባለሪና

ኣብ ሚያዝያ፡ ልዕሊ 350 ሳዕሳዕቲ ኣብ ኒውዮርክ ተኣኪበን፡ ነቲ ዝበዝሐ ባለሪናታት ኤን ፖይንት ብሓደ ግዜ ብምስባር ክብረወሰን ዓለም ሰይረን።

ኣብቲ መደብ ዝነበረ ጽባቐን ፍናንን ብስእሊ ተቐሪጹ። እቲ ጽዑቕ ትርኢት መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ንገሊኦም ፈረንሳዊ ስነ-ጥበባዊ ኤድጋር ደጋስ ኣዘኻኺሩ።

ንሱ መብዛሕትኡ ግዜ ንሳዕሳዕቲ ዝስእልን ተምሳጥ ምንቅስቓሳቶምን የተኵር ነይሩ።

ደጋስ ኣብ ኣሳእሉ፡ ንስምዒታትን ድምጺታት ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ ብቕብኣ - ሕብሪ ዘንጸባረቐ ወናም ሰኣሊ እዩ ነይሩ።

ወሃቢት ቃል ተቓዋሚ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ኣን ግዊ-ርዮንግ

ምንጪ ስእሊ, OhmyTV via AP

መግለጺ ስእሊ, ወሃቢት ቃል ተቓዋሚ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ኣን ግዊ-ርዮንግ

12. ጆኣን ኦፍ ኣርክ ኣብ ደቡብ ኮርያ

ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ ዮል ወተሃደራዊ ሕጊ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ወሃቢት ቃል ተቓዋሚ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ኣን ግዊ-ርዮንግ፡ ብትብዓት ምስ ወተሃደራት ትገጥም።

ኣብቲ ስእሊ፡ ጓል 35 ዓመት ኣን፡ ንኣፈሙዝ ጠበንጃ ወተሃደር ሒዛ ትርአ።

ቈራጽነታን ትብዓታን ኣብ ክዳውንታ ዘሎ ብልጭታን ነቲ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ጆን ጊልበርት ዘዳለዎ ጆኣን ኦፍ ኣርክ የዘኻኽር።