ዓይኒ ዝማርኹ ኣሳእል 2024፤ ፋኑስ ኣዋልድ ቓዛ... ሓደ ንግሆ ድሕሪ ማይ ኣይሂ...

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ዓመት፡ ካብቲ ዘደንቕ ስእሊ ኣብ ማዕበል ባሕሪ ዝሕምበብ ሓምባሲ፡ ኣዋልድ ቓዛ ዘብርሃኦ ፋኑስ፡ ብሓደ ንግሆ ድሕሪ ማይኣይሂ ዝተገልጸ ግሩም ኣሳእልን፡ ክሳብ ኣብ ፈተነ ቅትለት ትራምፕ ዝተወስደ ምሩጽ ቅልዓት ዓይኒ ዝማርኹ 12 ኣሳእል 2024 ተባሂሎም ተመዝጊቦም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
1. ጸሓያዊ ግርደት
ሓንቲ ነፋሪት፡ ነቲ ብ 8 ሚያዝያ ዝተኸስተ ፍጹም ጸሓያዊ ግርደት ኣብ ብሉሚንግተን ኢንዲያና ኣብ ክልተ ክትከፍሎ ተራእያ።
እዚ ምርኢት'ዚ ግን ንመጀመርያ ግዜ ዘጋጠመ ከም ዘይኰነ ታሪኽ ይነግር።
ኣብ ጥሪ 1925፡ ሓንቲ መርከብ ኣየር ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፡ 227 ኪሎ ዝምዘን ቴለስኮፕን ሸውዓተ ሳይንቲስትን ጽዒና፡ ብዝተኻእለ ቅርበት ነቲ ኣዝዩ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ጸሓያዊ ግርደት ክትዕዘብ፡ ብከተማ ኒውዮርክ ከም ዝነቐለት ይዝንቶ።
ኣብታ መርከብ ዘይኰነስ፡ ኣብ ምድሪ ኰይኑ ነቲ ክስተት ብጥንቃቐ ዝከታተል ዝነበረ፡ ኣመሪካዊ ቀባኢ ሃዋርድ ራስል ባትለር፡ ተመሃሮ ንምንቕቓሕ ከም ዝሰነዶ ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, Thomas Jolly
2. ጽንብል መኽፈቲ ኦሎምፒክ ፓሪስ
'ታሪኽ ስነ-ጥበብካ ምፍላጥ ብውሑዱ ካብ ጸቕጥን ቃንዛ ልብን ከድሕነካ ይኽእል እዩ' ይበሃል።
እዚ እንተወሓደ፡ ካብቲ ኣብ መኽፈቲ ጽንብል ኦሎምፒክ ብዝቐረበ ምርኢት ዝተፈጥረ ክትዕ ዝተወስደ ትምህርቲ እዩ።
እቲ ልዕሊ ገዚፍ ጣውላ፡ ጥራሕ ዕርቃኑ ዝወጸ ሰብ ተጋዲሙ ብንግስቲ ድራግን ደራፋይን ተኸቢቡ ዘርኢ ምርኢት፡ ገለ ሰባት ነቲ ብሊዮናርዶ ዳቪንቺ ዝተተሳእለ ፍሉጥ ምስሊ The Last Supper ዘላግጽ ምርኢት እዩ ብምባል ነቒፎምዎን ኣጸያፊ ብምባል ኰኒኖምዎን - ክትዕ ድማ ፈጢሩ።
እቶም ኣዳለውቲ ግን ከምኡ ከም ዘይኰነ ገሊጾም።
ኣብ ክንድኡ፡ ካብ ግሪኻዊ ኣምላኽ ዲዮኒሶስን ዝተደረኸ፡ ብ1635 ብጃን ቫን ቢለርት ዝተሳእለ 'ፊስት ኦፍ ዘ ጎድስ' ዘንቀሎ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንዝዀነ እምነት ንምህራም ዝዓለመ ኣይኰነን ብምባል ይቕሬታ ሓቲቶም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
3. ትራንዚት - ሱዳናውያን ኣብ ደቡብ ሱዳን
ኣብ ለካቲት፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ከተማ ረንክ ኣብ ዝርከብ ማእከል ትራንዚት፡ ሱዳናውያን ስደተኛታት ሓገዝ ንምርካብ ኣብ ጽዑቕ መስርዕ ተሰሪዐን ይረኣያ።
ኣብ መጀመርታ 2024 ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ካብቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕን ዝተወልዐ ግጭት ሃዲሞም ንጸጋታት ደቡብ ሱዳን የቋምቱ።
እዚ ስእሊ ነቲ ህያው ቅርጺ ኣከዳድና እተን ስደተኛታት ምስቲ ኣጸጋሚ ኵነታቶም ብምንጽጻር ዝቐረጸ እዩ።
ዕምቆትን ስምዒትን እቲ ምስሊ፡ ምስቲ ኣብስትራክት ቅብኣታት እቲ ኣብ ግጥማዊ ስእልታቱ ዝርአን ስምዒታዊ ሕብርታት ብምውህሃድ ዝፍለጥ ሱዳናዊ ስነ-ጥበባዊ ሑሴን ይመሳሰል።

ምንጪ ስእሊ, AFP Photo/ Center for Volcanology and Geological Hazard Mitigation
4. እሳተ ጐመራ - ተምሳጥ ደቂ ሰብ ንኣዕናዊ ጽባቐ
ኣብ ሚያዝያ፡ ኣብ ኢንዶነዥያ ዝርከብ እምባ ሩኣን ብተደጋጋሚ ተፈንጂሩ፤ ውዑይ ላቫን ሓሙኽሽትን ናብ ሰማይ ኣፍሲሱ።
እቲ ሓያል ምስልታት ናይቲ ነትጒ ኣዝዩ ዘደንቕን በቲ ሓደ ድማ ዘስካሕክሕን እዩ ነይሩ።
እቲ ድራማዊ ትርኢታት ደበናታት ዝፈሰሰ ከውሕን ሓሙኽሽትን፡ ምስታ ብ1822፡ በቲ ኣፖካሊፕቲካዊ ራእይ ተባሂሉ ዝተገልጸ ውሩይ ብሪጣንያዊ ሮማንቲካዊ ስነ-ጥበባዊ ጆን ማርቲን ዝተሳእለት 'ዘ ዲስትራክሽን ኦፍ ፖምፐይን ሄርኩላነየም' እትብል ቅብኣ ንፍንጀራ እምባ ቬሱቭየስ ዝገልጽ ዝመሳሰል እዩ።
እዚ ድማ ነቲ ነዊሕ ዝጸንሐ ተምሳጥ ደቂ ሰብ ንኣዕናዊ ጽባቐ እሳተ ጎመራ ዘጉልሕ ተባሂሉ ይግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, AP
5. ፈተነ ቅትለት ትራምፕ
እቲ ኣብዚ እዋን ፕረዚደንት ኰይኑ ተመሪጹ ዘሎ ትራምፕ፡ ኣብ እዋን ጐስጓስ ከቢድ ፈተነ እዩ ኣሕሊፉ።
ሓደ ካብኡ ኣብ ሓምለ ኣብ ፐንሲልቬንያ ኣብ ዝነበረ ጓስጓስ መረጻ ዘጋጠሞ ፈተነ-ቅትለት ኰይኑ፡ ድሕሪ እቲ ፍጻመ ኢዱ ዓሚዅ ህላውነቱን ዘይተርፍ ዓወቱን ክግለጽ ይርአ።
እታ ጥይት የማነይቲ እዝኑ ጠርፊፋ ገጹ ደም መሊኣቶ እያ።
እዛ እተደንቕ ስእሊ ድማ ነቲ ፍጻመ ተንጸባርቕ ኰይና፣ ብድሕሪኡ ቀኒና ትርአ ባንዴራ ድማ ነቲ ምስሊ ድምቀት ወሲኻትሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
6. ኣዋልድ ቓዛ ዘብርሃኦ ፋኑስ
ብ29 ለካቲት ክልተ ፍልስጤማውያን ኣዋልድ ኣብቲ ብደብዳብ እስራኤል ዝዓነወ ደቡባዊ ቓዛ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት፡ ንጾመ-ሮሞዳን ንምድላው ፋኑስ ወሊዐን፡ ነቲ ብጻዕቂ ዝተጨናነቐ ቴንዳታተን ሰሊመናኦ።
እቲ ተስፋ ዝህብ ፈኲስ ብርሃን ናይቲ ፋኑሳት ምስቲ ኣብ ድሕሪት ዝነበረ ዘይርጉእ ዕራርቦ ጸሓይ ይነጻጸር።
ዳርጋ ክልተ ሚልዮን ሰባት ቓዛውያን ብኲናት ተመዛቢሎም እዮም።
ትርኢት ምብራህ ናይቲ ፋኑስ፡ ምስቲ ብ1885 ብጆን ሲንገር ሳርጀንት ዘድላእዎ ቅብኣ 'ካርነሽን፡ ሊሊ፡ ሊሊ፡ ሮዝ' ዝመሳሰል ኰይኑ፡ ሓላፊ ብርሃን ምሸት ዝሓዘ እዩ።
ይዅን እምበር፡ እቲ ሕሱም ክውንነት ቓዛን ብኲናት ዝተሃስየ መልክዓ ምድሪን፡ ነቲ ሰላማዊ ጀርዲን ናይቲ ታሪኻዊ ቅብኣ ይትክኦ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
7. መንፈሳዊ ዕርገት ዘነቓቕሐ ተሓምባባይ
ብ29 ሓምለ ኣብ ታሂቲ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኦሎምፒክ ደቂ ተባዕትዮ ሰርፊን፡ ብራዚላዊ ጋብሪኤል መዲና ልዕሊ ሓደ ዓቢ ማዕበል ብምሕምባብ ንደገፍቱ ኣገሪሙ።
ኢዱ ኣልዒሉ ኣጻብዕቱ ንሰማይ እናኣመልከተ ዝፈጠሮ ምልዓል፡ ንብዙሓት ትርኢታት ስነ-ጥበብ መንፈሳዊ ዕርገት ኣዘኻኺሩ፤ ንኽእለት ኣትለቲክስ ምስ ስምዒት ተሳግሮኣውነት ኣዋሃሂዱ።

ምንጪ ስእሊ, AP
8. እታ ጓል ኣብ ባልኮኒ
ብ30 ጥቅምቲ ኣብ ቫለንሽያ ስጳኛ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ውሕጅ ኣብ ከባቢኣ እናተሓንበበ፡ መካይን ክዓንዋን መናድቕ ክድህመስን ኣብ ባርኮኒኣ ኰይና ትዕዘብ ነበረት።
ሳሕቲ ዝርአ ኵነታት ኣየር ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ሰዓታት ጥራይ 500 ሚ.ሜ ዝዓቐኑ ዝናብ ብምዝናቡ ነቲ ከባቢ ኣዕንይዎ።
እቲ ትርኢት ነቲ ዝተበታተነን ድራማዊን ምርኢት ናይቲ ብ1912 ብኢጣልያዊ ኪዩቢስት ካርሎ ካራ ዝቐብኦ ስእሊ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ባልኮኒ የዘኻኽር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
9. ቢሊ ኣይሊሽ - ሓደ ንግሆ ድሕሪ ማይ ኣይሂ
ኣብ ግንቦት፡ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል ምስማዕ ኣልቡማ 'ሂት ሚ ሃርድ ኤንድ ሶፍት'፡ ናይ ቢሊ ኣይሊሽ ዝተራእ ምርኢት ኰይኑ፡ ናብ ሕልሚ ዝመልኦ ጭቃ ዝተዋሃሃደት ትመስል።
እዚ ናብ ብርሃን እናሃሰሰት ትኸይድ ዝመስል ምስሊ፡ ንስራሕ እንግሊዛዊ ቀባኢ ጀይ.ኤም.ደብሊዩ የዘካኽር።
ብፍላይ ድማ ነቲ ብ1843 ዝሰርሖ ብክልሰ-ሓሳብ ጎተ ዝተደረኸ ንሓንቲ ህሞት ዝሃርም ብርሃን ዘንጸባርቕ [ብርሃንን ሕብሪን]- ንግሆ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ዝመሳሰል ምዃኑ ይግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
10. ትእምርቲ ንጽገት ኣረጊት ስርዓት
ብ9 ታሕሳስ ኣብ ሶርያ፡ ሰባት ኣብ ርእሲ ሓደ ዝወደቐ ሓወልቲ ፕረዚደንት ነበር ሓፊዝ ኣል ኣሳድ ረጊጾም ይርኣዩ።
እዚ ተግባር ድሕሪ ምውጻእ ስድራቤት ኣሳድ ካብ ሶርያ ዝተራእየ ኰይኑ ምፍራስ ስርዓት የመልክት።
እዚ ከምቲ ኣብ 1776 ድሕሪ ኣዋጅ ናጽነት ንሓወልቲ ንጉስ ጆርጅ ሳልሳይ ብምውዳቕ ኒውዮርካውያን ዝስምዖም ዝነበረ ፍናን ዝመሳሰል ኰይኑ፡ ምዕናው እዞም ሓወልትታት ሓያል ምልክት ናጽነትን ንጽገት ኣረጊትን ሕሉፍን ስርዓት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Bess Adler
11. ባለሪና
ኣብ ሚያዝያ፡ ልዕሊ 350 ሳዕሳዕቲ ኣብ ኒውዮርክ ተኣኪበን፡ ነቲ ዝበዝሐ ባለሪናታት ኤን ፖይንት ብሓደ ግዜ ብምስባር ክብረወሰን ዓለም ሰይረን።
ኣብቲ መደብ ዝነበረ ጽባቐን ፍናንን ብስእሊ ተቐሪጹ። እቲ ጽዑቕ ትርኢት መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ንገሊኦም ፈረንሳዊ ስነ-ጥበባዊ ኤድጋር ደጋስ ኣዘኻኺሩ።
ንሱ መብዛሕትኡ ግዜ ንሳዕሳዕቲ ዝስእልን ተምሳጥ ምንቅስቓሳቶምን የተኵር ነይሩ።
ደጋስ ኣብ ኣሳእሉ፡ ንስምዒታትን ድምጺታት ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ ብቕብኣ - ሕብሪ ዘንጸባረቐ ወናም ሰኣሊ እዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, OhmyTV via AP
12. ጆኣን ኦፍ ኣርክ ኣብ ደቡብ ኮርያ
ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ ዮል ወተሃደራዊ ሕጊ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ወሃቢት ቃል ተቓዋሚ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ኣን ግዊ-ርዮንግ፡ ብትብዓት ምስ ወተሃደራት ትገጥም።
ኣብቲ ስእሊ፡ ጓል 35 ዓመት ኣን፡ ንኣፈሙዝ ጠበንጃ ወተሃደር ሒዛ ትርአ።
ቈራጽነታን ትብዓታን ኣብ ክዳውንታ ዘሎ ብልጭታን ነቲ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ጆን ጊልበርት ዘዳለዎ ጆኣን ኦፍ ኣርክ የዘኻኽር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







