እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተሌፎና ከተውጽእ ኣብ ኣኻውሕ ዝተቐረቀረት መንእሰይ
ኣብ ኣውስተራልያ ሓንቲ መንእሰይ ኣብ ማእከል ኣኻውሕ ንዝወደቐት ሞባይላ ከተውጽእ ክትብል ኣብ ማእከል እቲ ክልተ ኣኻውሕ ብኣፍልባ ወዲቃ ንልዕሊ ሸውዓተ ሰዓታት ተቐርቂራ ጸኒሓ።
ማቲልዳ ካምበል ዝተባህለት ውልቀሰብ ኣብ ዞባ ኒውሳውዝ ዌልስ (New south wales) ኣብ ጉዕዞ እግሪ እንከላ እያ ኣብ ሰለስተ ሜትሮ ዝዕምቈቱ ጸድፊ ብኣፍልባ ወዲቓ።
እቲ ልዕሊ ሸውዓተ ሰዓታት ዘወሰደ መስርሕ ምድሓን ህይወት ኣድካሚ ከምዝነበረን፡ ነታ ጓል ንምውጻእ ሓያሎ ኣኻውሕ ክፍንቀሉ ግድን ከምዝነበረን ተፈሊጡ።
ኣብቲ መስርሕ ዋላ’ኳ 500 ኪሎ ዝምዘኑ ኣኻውሕ እንተተኣልዩ እታ ጓል ግን ክትወጽእ ኣይከኣለትን።
“ኣብ ናይ ዓሰርተ ዓመት ተመኵሮይ ኣብ ስራሕ ህይወት ኣድሕን ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን። እቲ ስራሕ ናይ ብሓቂ በዳሂ፣ ኣብ መወዳእታ ግን ጻማ ዝረኸብኩሉ ስርሒት እዩ ነይሩ’’ ክብል ሓደ ፒተር ዝተባህለ ሰራሕተኛ ኣገልግሎት ሕክምና ህጹጽ ረድኤት ነቲ ህሞት ገሊጽዎ።
እዛ መንእሰይ እቶም ኣባላት ህይወት ኣድሕን ቅድሚ ምምጽኦም ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ከተዕለብጥ ጸኒሓ።
ኣብ መጀመርታ መሓዙታ ከውጽእዋ ፈቲኖም ኣይሰለጦምን።
ሓደ ዋትስ ዝተባህለ መሓዛኣ ምስ ኣውስትራልያዊ ኤቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ነታ መንእሰይ "ኣየር ወለድ" ክብል ገሊጽዋ ።
"ንኵላትና ገሪሙና፡ ከመይ ገይራ ኣብኡ ወሪዳ - ከመይ ጌርና ድማ ከነውጽኣ?" ኢሉ።
ንምእማኑ ዘጸግም፡ እታ ዝደሓነት ጓል፡ ንኣሽቱ ብሕጫር እንተዘይኰይኑ ብዘይዝዀነ ጸገም ካብቲ ተቐርቂራቶ ዝነበረት ቦታ ተገላጊላ።
እቲ ኻልእ ዝገርም ድማ፡ እዚ ዅሉ ኰይኑ እታ ተሌፎን ግን ክትውጽእ ኣይከኣለትን።
“ነቶም ጕጅለ ምድሓን የመስግን፤ ናይ ብሓቂ ኣድሓንቲ ህይወት ኢኹም” ክትብል ብኢንተርነት ኣብ ዝለኣኸቶ መልእኽቲ ጽሒፋ።
"ተሌፎነይ ግን ዕድል ኣይገበረትን" ኢላ።