60 ኪሎሜትር ዝሰንጣቒቱ ከውሒ ምስ መሬት ምስ ዝላተም እንታይ ይኽሰት?

ተመራምርቲ ኣብ 2014 ኣብ ዝበጽሕዎ ውጽኢት መርመራ፡ ሓደ ኣዝዩ ግዙፍ መትዮራይት [ካብ ህዋ ናብ ጠፈር መሬት ዝኣቱ ኸውሒ] ናብ መሬት ዓሊቡ ኣብ ታሪኽ እዛ መሬት ተራእዩ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ሱናሚ ከምዝፈጠረን ንዝበዝሐ ማያት ውቅያኖሳት ከምዘፍልሖምን ክፈልጡ ክኢሎም።

እቲ ቅድሚ 3 ቢልዮና ዓመታት ምስ መሬት ዝተላተመ ኣዝዩ ገዚፍ ከውሒ 200 ዕፍፊ ናይቲ ጠንቂ ምጥፋእ ዳይናሶራት ዝዀነ ከውሒ ከምዝነበረ’ውን እቶም ተመራመርቲ ኣፍሊጦም።

እቶም ተመራመርቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዘካየድዎ ኵዕታ’ዮም ነዚ ከረጋግጹ ክኢሎም።

እቲ ክስተት ኣብዛ ዓለም ዕንወት ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓደስቲ ዓሌታት ኣታኽልቲን ካልኦትን ህይወታውያንን ንኽጥጥዑ’ውን ምኽንያት ከምዝዀነ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ዩ።

ሓንቲ ካብቶም ተመራመርቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃርቫርድ ተመራማሪት ዝዀነት ፕሮፌሰር ናጃ ደራቦን “መጀመርታ እዚ መሬት ምስ ተፈጠረት ኣብ ሰማያታ ኣዝዩ ዓብላኺ ደሮናን ጉሓፍን’ዩ ነይርዋ፤ ዓለም በዚ ኣዝዩ ግዙፍ መትዮራይት ምስ ተሃረመት ግን ሰማያታ ክጸርን ሓደስቲ ህይወታት ክስስኑላን ጀሚሮም” ትበል።

እቲ ኤስ2 ዝብል ስም ዝተወሃቦ ኣዝዩ ግዙፍ መትዮራይት ካብቶም ኣቐዲምና ገዘፍቲ’ዮም እንብሎም መትዮራይት ኣዝዩ ዝገዘፈ ከምዝዀነ’ዮም እዞም ተመራመርቲ ዝሕብሩ።

እቲ ቅድሚ 66 ሚልዮን ዓመታት ምስ መሬት ዝተጋጨወን ጠንቂ ምጽናት ዳይኖሰራትን ዝዀነ መትዮራይት 10 ኪሎሜተር ሰንጣቂት’ዩ ነይርዎ፤ ወይ ግዝፉ ክንዲ እምባ ኤቨረስት ኢልና ክንገልጾ ንኽእል ኢና።

ኤስ2 ግን ካብ 40 ክሳብ 60 ኪሎሜተር ሰንጣቒት ዝነበሮ መትዮራይት ኰይኑ ብኽብደቱ ካብቲ ንዳይኖሰራት ዘጽነተ መትዮራይት ካብ 50 ክሳብ 200 ዕጽፊ ከምዝነበረ እዞም ተመራመርቲ ይገልጹ።

ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ሰረታት መትዮራይት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ‘ግሪን በልት’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣኻውሕ ሓደ'ዩ።

ፕሮፌሰር ናጃ ደራቦን ምስ ጕጅለኣ ናብቲ ቦታ ሰለስተ ግዜ ብምጕዓዝ’ያ ነቲ ምርምር ኣካይዳቶ።

ናብቲ ኣዝዩ ልሙዕ ቦታ ኣብ ዝኸድሉ ካብ ከም ሓርማዝ፡ ሓርሽ ዝኣመሰሉ እንስሳ ዘገዳምን ዘይሕጋውያን ሃዳኖን ዝዀነ ሓደጋ ከይወርዶም ብሰብ ብረት እናተሓለዉ’ዮም ነቲ ዳህሳስ ኣካይዶሞ።

ፕሮፌሰር ናጃን ጕጅለኣን ኣማኢት ኪሎግራማት ጭልፍላፍ ኣኻውሕ ብዅዕታ ብምእካብ ናብ ቤተ ምርምር ሒዞሞም ከይዶም።

ንሳ ነቲ ጭልፍላፍ ኣኻውሕ ሒዘሞ ናብ ከተማ እናተመለሱ እንከለዉ ኣብ እዋን ፈታሽ ጸጋማት የጋጥሞም ከምዝነበረ’ያ ትገልጽ።

እቶም ተመራመርቲ ድሕሪ ዘካየድዎ ዳህሳስን ምርምር ቤተ-ፈተነን እቲ ኤስ2 ዝተሰመየ መትዮራይት ናብ መሬት ኣብ ዝዓለበሉ ብዙሕ ነገራት ከምዝተቐያየረ ክፈልጡ ክኢሎም።

እቲ መትዮራይት ናብ መሬት ምስ ዓለበ 500 ኪሎሜተር ዝኸውን ነቃዕ መሬት ከምዝፈጠረን እቲ ዝመክኸ ኣኻውሕ ከም ደበና ኰይኑ ኣብ ሰማያት እዛ መሬት ንነዊሕ ከምዝጸንሐን ይገልጹ።

ፕሮፌሰር ናጃ “ሕስብ ኣብልዎ ካብቲ ደበና ኣብ ክንዲ ነጠብጣብ ማይ ዝመኸኸ ኣኻውሕ’ዩ ከም ማይ ኰይኑ ካብ ሰማይ ናብ መሬት ዝወድቕ ነይሩ” ትብል።

እቲ ሽዑ ዝተፈጠረ ሱናሚ [ብርቱዕ ማዕበል] ንገማግም ባሕሪ ቅርጹ ቀይርዎ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነበረ እምባታት ውሒጥዎ’ዩ ይብሉ።

እቲ ሱናሚ ምስቲ ኣብ 2004 ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘጋጠመ ሱናሚ ከተወዳድሮ ብፍጹም ከምዘይክኣልን ኣዝዩ ኣዕናውን ግዙፍን ምንባሩ’ያ እዛ ፕሮፌሰር ትገልጽ።

እቲ ሱናሚ ኣስታት 10 ሜትሮ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ እቲ ማይ ብዋዒ ንኽሃፍፍን ሙቐት ማያት ብ100 ዲግሪ ሰንቲግረድ ንኽውስኽን ምኽንያት ከምዝነበረ ትገልጽ።

ሰማያት ብደሮና፡ ዝመኸኸ ኣኻውሕን ጸለሎ መሲሉ፡ ብርሃን ጸሓይ ነዚ ሰንጢቑ ናብ መሬት ክብጽሕ ስለዘይክኣለ መሬት ብጸላም ተጐቢኣ እቶም ንህይወቶም ጸሓይ ብርሃን ዘድልዮም ፍጡራት ብፍጹም ከምዝጸነቱ እዞም ተመራመርቲ ይሕብሩ።

እዞም ተመራመርቲ ቅድሚ እቲ ኤስ2 ዝተሰመየ መትዮራይት ናብ መሬት ምምጽኡ ምልኣት ባሕሪ እዛ መሬት ክሳብ ኣበይ ይበጽሕ ከምዝነበረ’ውን ሓቢሮም ኣለዉ።

እቲ ካልእ እዞም ተመራመርቲ ዝረኸብዎ ኣገራሚ ነገር እቶም ንህይወታውያን ኣገደስቲ ዝዀነ ከም ፎስፈረስን ሓጺንን ድሕሪ ኤስ2 ናብ መሬት ምልግዑ ዝመጽኡ ምዃኖም’ዮም ዝሕብሩ።

ኤስ2 ምስ መሬት ምስ ተላተመ ሓያለ ህይወታውያን ከምዝጸነቱ ብምግላጽ ምልታም ኤስ2 ካልኦትን እቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩን ህይወታውያን ንኽመጽኡ ምኽንያት ከምዝዀነ’ዮም እዞም ተመራመርቲ ዝገልጹ።

ፕሮፌሰር ናጃ “እዚ ብቕልል ዝበለ ነገር ንኽንርድኦ ንግሆ ስንና ‘ብብራሽ’ ምስ ኣጽረናዮ ዳርጋ ነቶም 99.9 ኣብ ኣፍና ዝነበሩ ባክተርያ ንቐትሎም ኢና፤ እንተዀነ ናይ ምሸት ከኣ ኵሎም እቶም ዝተረፉ ባክተርያ ተፋርዮም’ዮም ዝጸንሑ” ትብል።

መትዮራይት ኤስ2 ናብ መሬት ምስ ተላተመ ከም ድዅዒ፡ ከም ፎስፈረስ ዝኣመሰሉ ንጥረ ነገራት ምስቲ መትዮራይት ናብ መሬት ከምዝመጽኡ እዞም ተመራመርቲ ይሕብሩ።

እዚ መትዮራይት ናብ ውሽጠዊ ቀጸላ መሬት ኣዕሚቝ ስለዝኣተወ ከኣ ከም ሓጺናዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ማያት ናብ ላዕለዋይ ክፋል መሬት ከምዝመጽኡ እቶም ተመራመርቲ ይምጕቱ።

ኣብ ሳይንሳዊ መጽሔት ፒኤንኤኤስ ኣብ ዝሓተምዎ ጽሑፍ፡ መትዮራይት ኤስ2 ምስ መሬት ምስ ተላተመ፡ እዛ መሬት ንህይወታውያን ምችእቲ ከምዝገበራን ብድሕሪ እዚ ህይወታውያን ኣብዛ ዓለም ከጕላዕልዑ ከምዝጀመሩን ጠቒሶም።