'ዝከኣለኒ ገይረ'፡ 20 ቈልዑ ካብ ሓደጋ ነፋሪት ኣድሒና ንባዕላ ዝሞተት መምህር

ሓደጋ ነፋሪት ዘጋጠመሉ ቤት ትምህርቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብቲ ኣሰቃቒ ሓደጋ ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ባንግላድሽ ዘጋጠመሉ ቤት ትምህርቲ መምህር ዝነበረት ማህሪን ቾውዱሪ፡ ቅድሚ ሞታ ኣብ ሆስፒታል ደቂሳ ኣብ ዝነበረትሉ፡ "እቶም ቈልዑ'ውን እኮ ደቀይ እዮም፡" በለቶ ንብዓል-ቤታ።

ኣብቲ ኣብ ርእሰኸተማ ባንግላድሽ - ዳካ ዝርከብ ቤት ትምህርትን ኮለጅን ማይልስቶን፡ እታ መምህር፡ ቅቅድሚ'ቲ ሓደጋ ኣብ ኣፍደገ ኰይና ተምሃሮ ካልኣይ ክሳብ ሓምሻይ ክፍሊ ንወለዶም ትረክብ ነይራ።

ኣብ ናይ ቋሕ ሰም ግዜ እቲ ውዕዉዕ ዝነበረ ሃዋሁ ፍዳሰ ተምሃሮ ናብ ዘስካሕክሕ ኵነታት ተቐይሩ።

እታ ኣብ ስልጠና ምንባራ ዝተገልጸት ነፋሪት ውግእ ሓይሊ ኣየር ባንግላድሽ፡ ናብቲ ብዓል ክልተ ደርቢ ህንጻ እቲ ቤት ትምህርቲ ወዲቓ ብርቱዕ ባርዕ ሓዊ ፈጢራ።

እቲ ቤት ትምህርቲ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ 18 ዕድመ ዘለዎም ኣስታት 2000 ተምሃሮ ዘአንግድ ምዃኑ ይፍለጥ።

እታ መምህር፡ ኣብ ክፍልታት እቲ ቤት ትምህርቲ ገና ተምሃሮ ከም ዘለዉ ስለ ዝተረድአት፡ ናብቲ ዝነድድ ዝነበረ ዝዓነወ ህንጻ ተመሊሳ ጐየየት።

ብዓልቤታ መንሱር ሂላል፡ ነቲ ኣብ ዓራት ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ሃገራዊ ሕክምና ቃጸሎ ዳካ ኰይና፡ "20 - 25 ዝዀኑ ተምሃሮ ንምውጻእ ዝከኣለኒ ገይረ - ብዝተኻእለኒ መጠን" ዝበለቶ ይዝክር፣ "...ድሕሪኡ እንታይ ከም ዘጋጠመ ኣይፈልጥን እየ።"

መምህር ቾውድሪ ሰኑይ ድሒራ እያ ሞይታ፡ ኣብ መስርሕ ምድሓን እቶም ቈልዑ እናተቓለሰት ዳርጋ ምሉእ ኣካላታ እዩ ብሓዊ ተቓጺሉ።

ኣብቲ ሓደጋ ካብ ዝሞቱ ብውሕዱ 31 ሰባት ሓንቲ እያ፣ ካብዚኦም እቶም 25 ቈልዑ እዮም።

ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ ኤፍ-7 ዝዓይነታ ነፋሪት ሓይሊ ኣየር መካኒካዊ ጸገማት ከም ዘጋጠማ ጠቒሱ። ኣብራሪኣ፡ ጻዕቂ ናብ ዘይብሉ ከባቢ ክመርሓ ፈቲኑ ከም ዝነበረ ዝግለጽ ኰይኑ፡ ሓደ ካብቶም ዝሞቱ ግዳያት ምዃኑ'ውን እቲ መግለጺ የመልክት።

መምህር ናይቲ ኮለጅ ዝዀነ ረዛውል ኢስላም፡ እታ ነፋሪት ብቐጥታ ነቲ ህንጻ ክትሃርሞ ከምዝተዓዘበ ንቢቢሲ ቋንቋ ባንግላ ተዛሪቡ።

እቲ ሓደጋ ተምሃሮ ኣብ ዝፍደሱሉ 9ኣቈጻጽራ እታ ሃገር0 ሰዓት 1:00 ቀትሪ እይይ ነይሩ።

በቲ ሓደጋ ልዕሊ 160 ሰባት ክቘስሉ እንከለዉ፡ መብዛሕትኦም ካብ 10 ክሳብ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ምዃኖምን ብዙሓት ድማ ብቓጸሎ ነዳዲ ነፋሪት ከም ዝሳቐዩን ሓኪም እቲ ተዓቚቦምሉ ዘለዉ ሆስፒታል ይገልጽ። ቈልዑን ዓበይትን ዝርከብዎም ልዕሊ 50 ሰባት ድማ ናብ ፍሉይ ሕክምና ቃጸሎን መጥባሕቲ ፕላስቲክን ከም ዝኸዱ ተገሊጹ።

ብዓልቤት እታ መምህር መንሱር ሂላል ንቢቢሲ ባንግላ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኵነታት ምስ ሰምዐ ፈለማ ንብዓልቲ-ቤቱ ደዊሉ፤ ምላሽ ስለ ዘይረኸበ ድማ ንበዅሪ ወዱ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ከይዱ ደሃያ ክፈልጥ ነጊርዎ።

ስብርባር ሓደጋ ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ባንግላድሽ ካብ ዝረኣየቶ ዝኸፍአ ቀታሊ ሓደጋ

ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ካብ ሓደ መራሒ ኣምቡላንስ፡ ብዓልቲ ቤቱ ናብቲ ኡታራ ኣብ ዝተባህለ ዘመናዊ ሆስፒታል ዝርከብ ክፍሊ ቃጸሎ ከም ዝተወስደት ሓበሬታ ተቐቢሉ፤ ነዊሕ ከይጸንሐት ድማ ናብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ተወሲዳ።

ሂላል፡ ቾውድሪ ኣብ መተንፈሲ ሓይሊ ቅድሚ ምእታዋ፡ ካብ ዓራታ ኰይና ይቕረታ ከም ዝሓተተቶ ገሊጹ። መወዳእታ ብሓባር ዝነበሮም ህሞታት እናዘከረ ድማ ዝርንዝሕ ነብዐ።

"ገና ብህይወት እያ ነይራ። ብልዑል ኣእምሮኣዊ ሓይሊ ትዛረብ። ምኽንያቱ፡ ዳርጋ ሚእቲ ሚእታዊት ውሽጣውን ደጋውን ኣካላ ስለ ዝቃጸል፡" ይብል።

ቾውድሁሪ ኣብቲ ን17 ዓመታት እያ ሰሪሓ። ፈለማ ከም ተራ መምህር ኰይና ተቘጺራ፤ ደሓር ግን ናብ ክፍሊ ባንግላ ካብ ካልኣይ ክሳብ ሓምሻይ ክፍሊ ኣተሓባባሪት ኰይና ዕብየት ኣመዝጊባ።

ብሰሉስ ድማ ኣብታ ዝተወለደትላ፡ ኣብ ሰሜናዊ ባንግላድሽ እትርከብ ኒልፋማሪ እትበሃል ዞባ ተቐቢራ።

ግዝያዊ መራሒ መንግስቲ ባንግላድሽ ሙሓመድ ዩኑስ ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ምርመራ ከም ዝካየደ ኣፍሊጡ።

ከም ግብረመልሲ ናይዚ ድማ ኣማኢት ተምሃሮ ኣብ መላእ ዳካ ተቓውሞኦም ብምግላጽ ሓቀኛ ቍጽሪ ግዳያት ክግለጽ፣ ኣብ ድሕነት ኣቬሽን ክረጋገጽን፡ ዝኣረጋ ነፈርቲ ክእለያን ዝኣመሰሉ ሕቶታት ኣልዒሎም።

እዚ ዘሕዝን ፍጻመ፡ ብ12 ሰነ ኣብ ህንዲ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ነፋሪት ስዒቡ ዝመጽአ ኰይኑ፡ ካብ ኣሕመዳባድ ናብ ለንደን እትኸይድ ዝነበረት ነፋሪት ኣየር ህንዲ ኣብ ሓጺር ርሕቀት ተሓምሺሻ 260 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ሓደ ጥራይ ድሒኑ።

በቲ ሓደጋ 25 ተምሃሮ ከም ዝሞቱ ይንገር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, በቲ ሓደጋ 25 ተምሃሮ ከም ዝሞቱ ይንገር