ጠንቂ ሓደጋ ነፋሪት ህንዲ ተፈሊጡ

እቲ ሓደጋ ህይወት 260 ሰባት'ዩ ቀዚፉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ጠንቲ ናይታ ኣብ ወርሒ ሰነ ህይወት 260 ሰባት ዝለከመት ነፋሪት ህንዲ ተፈሊጡ።

እታ ቁጽሪ በረራ 171 ቦይንግ ድሪምላይነር 787፡ ካብ ህንዲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሕመዳባድ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ተበገሰት ኣብ ውሽጢ ካልኢታት'ያ ወዲቓ።

ንጠንቂ ሓደጋ እዛ ነፋሪት ክምርምሩ ዝጸንሑ ክኢላታት፡ ኣብ ውሽጢ እቶም ፓይሎታት ኮፍ ዝብልዎ ንነዳዲ መቆጻጸሪ ኣካል 'ጠፊኡ' ወይ 'ካት ኦፍ' ኮይኑ ከምዝነበረ ሓቢሮም።

እዚ ከኣ ሞተር እታ ነፋሪት ነዳዲ ከምዘይዘይረክብ ስለዝገብሮ ሓይሊ ኤለትሪክ ናይታ ነፋሪት ምሉእ ንምሉእ ከምዝጠፍእ'ዩ ዝገብሮ።

እቲ 'ካት ኦፍ' ነፋሪት ኣብ ባይታ ምስ ዓለበት'ዩ ክጥወቕ ዝግብኦ።

እዛ ነፋሪት ተሰሪሓ ኣገልግሎት ክትህብ ካብ እትጅምር 12 ዓመት ጥራይ'ያ ኣቍጺራ ነይራ።

እቶም ፓይሎታት ኣብ እዋን ሓደጋ ዝተዘራረብዎ ኣብ ብላክ ቦክስ ተቀዲሑ ዝጸንሓ ድምጺ፡ እቲ ሓደ ፖይሎት ነቲ ካልኣዩ 'ንምንታይ ካት ኦፍ ገይርካዮ' ኢሉ እናሓተቶ ይስማዕ፡ እቲዝተሓተተ ከኣ ንሱ ከምዘይጠወቖ ይምልሰሉ።

እቲ ድምጺ ግን መን ንመን ይሓቶ ከምዝነበረ ንጹር ኣይኮንን።

ኣብ ምብጋስ እታ ነፋሪት እቲ ቀንዲ ፓይሎት እናተኸታተሎ እቲ ተሓጋጋዚኡ'ዩ ዘበግሳ ነይሩ።

ብድሕሪ ምዝርራቦም፡ እቲ ተጠዊቑ ዝነበረ 'ካት ኦፍ' ናብ ንቡር ተመሊሱ፡ ሞተረ ናይታ ነፋሪት ከኣ ብኣውቶማቲክ ነዳዲ ክረክብ ጀሚሩ።

ኣብ እዋን እቲ ሓደጋ ከኣ ካብ ክልተ ሞተረ እታ ነፋሪት እቲ ሓደ ይሰርሕ ነይሩ'ዩ፡ እቲ ካልኣይ ሞተር ግን ዋላ ድኣ ነዳዲ ይርከብ ምሉእ ብምሉእ ሓይሊ ኣይረኸበን ነይሩ ይብል እቲ ውጽኢት መርመራ።

ነፋሪት ህንዲ ቁጽሪ በረራ 171፡ ናብ ሰማይ ምስ ኣንቃዕረረት ኩሉ ንገር ጠፊኡ፡ ን40 ካልኢት ብዝነበራ ሓይሊ እናንሳፈፈት ድሕሪ ምኻድ'ያ ብናህሪ ናብ ገዛውቲ ዓሊባ።

እቲ ሓደጋ ከኣ ኣብ ታሪኽ ሓደጋ ኣቭየሽን ህንዲ እቲ ዝኸፈአ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ኣብቲ ሎሚ ዝወጽአ 15 ገጽ ዘለዎ ጸብጻብ እቶም መርመርቲ፡ እታ ነፋሪት ምስ ተበገሰት ኣብ ውሽጢ 50 ካልኢት ኩሉ ነገራ ከምዝጠፈአ ይሕብር።

እቲ ጸብጻብ ብሰብ መዚ ህንዲ እናተመርሐ ብክኢላታት ቦይንግ፡ መንገዲ ኣየር ህንዲ ከምኡ ከኣ ካብ ኣመሪካን ካብ ብሪጣንያን ዝመጽኡ ክኢላታት ዝተሳተፍዎ'ዩ።

እንተኰነ እቲ ጸብጻብ ብዙሕ ሕቶታት ኣለዓዒሉ ስለዘሎ፡ ተወሳኺ ዕሙቕ ዝበለ ምርመር ከምዘድልዮ ብዙሓት ይሕብሩ።