ሓደጋ ነፋሪት ህንዲ ንትካል ቦይንግ ብኸመይ ይጸልዎ ይኸውን?

ቦይንግ 787 ድሪምላይንር ኣብ 2011’የን በረራ ጀሚራን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቦይንግ 787 ድሪምላይንር ኣብ 2011'የን በረራ ጀሚራን

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ቦይንግ በተን ቅድሚ 14 ዓመት ስርሐን ዝጀመራ 787 ድሪምላይነር ዓይነት ነፈርቱ ሓደ ቢልዮን ሰባት ካብን ናብን ብምብጽጽሑ ፍሉይ ጽንብል'ዩ ኣካይዱ።

እዘን ዓይነት ነፈርቲ ክሳብ እዚ ትማሊ ኣብ ህንዲ ዞባ ጉጅራት ከተማ ኣሕመዳባድ ሓደጋ ዘጋጥም ከኣ፡ ብመንጽር ሓደጋ እተን ኣዝየን ድሕነተን ዝተሓለወ ነፈርቲ እናተበሃላ'የን ክግለጻ ጸኒሐን።

እዘን ነፈርቲ ካብተን ኣብ 2018 ከምኡ ከኣ ኣብ 2019 ኣብ ኢንዶነዥያን ኢትድጵያን ሓደጋ ዘጋጠመን ቦይንግ 737 ማክስ ዝተፈለያ እየን።

ቦይንግ 737 ማክስ ብተኸታታሊ ብሰንኪ ጸገም ሶፍትዌር ኣብ ኢንዶነዥያን ኢትዮጵያን ሓደጋ ምስ ኣጋጠመን፡ ኵለን እተን ከምአን ዓይንተ ነፈርቲ ብደረጃ ዓለም ን18 ኣዋርሕ ካብ ስራሕ ደው ኢለን ምንባረን ኣይርሳዕን።

ክሳብ ሕጂ ጠንቂ ናይዛ ኣብ ህንዲ ዝወደቐት ነፋሪት እንታይ ምዃኑ ብወግዒ ኣይተሓበረን ኣሎ።

ንዅሉ ናይታ ነፋሪት ሓበሬታ ዝኽዝን 'ብላክ ቦክስ' ዝተበሃለ ኤለትሮኒካዊ መሳርሒ ምስ ተረኸበ'ዩ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ እኹል ስእሊ ክህሉ።

ንጠንቂ እቲ ሓደጋ ዝምልከት ክሳብ ሕጂ ዝተፈላለየ ግምታት ይወሃብ ኣሎ፡ ሓደ ንቢቢሲ ርእይቶኡ ዘካፈለ ፓይለት ግን፡ ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኣፍረይቲ ዝፍጥር ጌጋ ክሳብ ክንድዚ ሓደጋ ከስዕብ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ'ዩ ገሊጹ።

እቲ ፓይሎት ብምስዓብ፡ ብዘይካ ከም ክልተ ሓደጋታት ቦይንግ 73 ማክስ እንተዘይኰይኑ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ሓደጋ ኣብ ውሽጢ እቶም ፓይለት ኮፍ ዝብልዎ ብሰብ ዝፈጥር ጌጋ ከምዘጋጥም ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ንጡፋትን ዓቢ ተቐባልነትን ዘለወን ነፈርቲ፡ ቦይንግን አይርባስን'የን።

እንሆ ከኣ ቦይንግ ሕጂ'ውን ስሙ ምስ ሓደጋ ተታሓሒዙ ይልዓል ኣሎ።

ትካል ቦይንግ ድሕሪ እቲ ናይ ህንዲ ሓደጋ ነፋሪት "ሓሳብና ምስቶም ተሳፋሮ፡ ኣባላት በረራን ምስ ኩሎም በዚ ሓደጋ ዝተጸልዉን'ዩ ዘሎ" ድሕሪ ምባል ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ ኣየር ህንዲ ይሰርሕ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ትካል ቦይንግ ኬሊ ኦርትበርግ፡ በቲ ሓደጋ ዝተሰመዖ ከቢድ ሓዘን ድሕሪ ምግላጽ፡ ቦይንግ ንጠንቂ እቲ ሓደጋ ንምፍላጥ ኣብ ዝግበር መርመራ ምሉእ ደገፉ ከምዝህብ ተመባጺዑ።

ድሕሪ እቲ ሓደጋ፡ ዋጋ ብርክታት ቦይንግ ብቅጽበት ብኣስታት 5 ሚእታዊት'ዩ ምጕዳል ኣርእዩ።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝኸሰረ ትካል ቦይንግ፡ ምስ ቅልውላው ድሕነት፡ ጉዳያት ምቍጽጻር ጽሬት፡ ከምኡ'ውን ንሸውዓተ ሰሙናት ዝቐጸለ ሃሳዪ ኣድማ ሰራሕተኛታት ኣብ ዝቃለስሉ ዘሎ እዋን'ዩ፡ እዚ ናይ ህንዲ ትራጀዲ ዘጋጥም ዘሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ 2024፡ ዋንነት ኣላስካ ኣየርላይን ዝዀነት ቦይንግ ኣብ ሰማይ እንከላ ሓደ ማዕጾኣ ስለዝተኸፈት፡ ቦይንግ 160 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ተገዲዱ ነይሩ'ዩ።

ቅድሚ እዚ'ውን እቲ ትካል፡ ቦይንግ 737 ማክስ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢንዶንዥያን ኢትዮጵያን ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት እተን ተመሳሰልቲ ነፈርቲ ደው ምስ በላ መንገዲ ኣየራት ንዘጋጠመን ክሳራ ንምሕዋይ 428 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ከፊሉ'ዩ።

ብተወሳኺ እቲ ትካል ምስ ድሕነት ነፈርቲ ዝተኣሳሰር ከበድቲ ሕቶታት ክቐርብሉ ጀሚሮም'ዮም።

ኣብ ሚያዝያ እቲ ትካል፡ ነቲ ዝቐረበሉ ነቐፌታ ብምቕባል፡ ኣብ ጽፈትን ጽሕነትን ዓቢ ለውጢ ከምዝገበረ ገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ኣብ 2019 ሰራሕተኛ እቲ ትካል ዝነበረ ውልቀሰብ፡ እቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ትካል ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ብዙሕ ጸቕጢ ከምዝወርዶምን፡ ኮነ ኢሎም ትሑት ደረጃ ዘለዎም መቀያየሪ ነፈርቲ ከምዝገጥሙለን ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ምስ ቦይንግ ከም ተቘጻጻሪ ብቐዓት ኰይኑ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝሰርሐ ንቢቢሲ ርእይቶኡ ዝሃበ ጆን ባርነት ኣብ መጋቢት ዝሓለፈ ዓመት ነፍሰቅትለት ከምዝፈመ ይዝከር፣ ቦይንግ ግን ነቲ ጆን ባርነት ዘቃለዖ ውጹእ ሓሶት'ዩ ብምባል'ዩ ነጺግዎ።

ካልእ ከም መሃንድስ ኰይኑ ምስ ቦይንግ ዝሰርሕ ዝነበረ ሳም ሳልፐፖር ዝተበሃለ ኣመሪካ'ውን፡ ብዛዕባ ድሕነት ቦይንግ ዘለዎ ስክፍታ ብቕሉዕ ምስ ተዛረበ ብሓለፍቲ በይንግ ምጕብዕባዕን ምፍርራሕን ከምዘጋጠሞ ንኣመሪካውያን ፖለቲከኛታት ኣብሪሁ ነይሩ'ዩ።

ብዘይካ እዚ ቦይንግ ምስቲ ብድምር 346 ሰባት ዝሞትሉ ኣብ ኢንዶንዥያን ኢትዮጵያን ዘጋጠመ ሓደ ነፈርቲ ኣብ ከቢድ ሕጋዊ ምጕት'ዩ ተጸሚዱ ጸኒሑ።

እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ኣብ ሓደ ስምምዕ እንተዘይበጽሕ ነይሩ ብኸቢድ ገበን ምተኸሰሰ ነይሩ።

ቦይንግ ንግዳያት እቲ ሓደጋን መቕጻዕትን ብድምር 1.1 ቢልዮን ዶላር ክኸፈል፡ ብክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ንዝቐረበሉ ሕቶ ተቐቢልዎ ኣሎ።

ካብቲ ሰልዲ እቲ 444.5 ሚልዮን ብስድራ ግዳያት ዝወሃብ ካሕሳ'ዩ ክኸውን።

ሕጂ ከኣ ቦይንግ ምስዚ ሓደጋ ህንዲ ተታሓሒዙ ናብ ካልእ ማዕበል ቅልውላው ይኣቱ ኣሎ።