ሓደጋ ነፋሪት ህንዲ፡ ካብቲ ልዕሊ 200 ሰባት ዝቐዘፈ ሓደጋ ዝደሓነ ውጻእ መዓት

ምንጪ ስእሊ, Hindustan Times
እታ 242 ተሳፈርቲ ሒዛ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ህንዲ ክተለዓል ንሓደጋ ዝተቓለዐት፡ ነፋሪት መጓዓዝያ መገዲ ኣየር ህንዲ፡ ዳርጋ ኩሎም ሞይቶም ከምዝዀኑ ፖሊስ ገሊፁ ዝነበረ ዀይኑ፡ ሓደ እንግሊዛዊ ብህይወት ከምዝተረፈ ተገሊፁ።
ቅድም ክብል፡ ገለ ማዕከናት ዜና፡ ንሓላፊ ፖሊስ 'እቲ ከባቢ-ኣሕመዳባድ ብምጥቃስ፡ ካብቲ ሓደጋ ነፋሪት ዳርጋ ዝደሓነ ከምዘየለ ጸብጺበን ነይረን።
ሰብመዚ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ክረኽቡ ተስፋ ብምግባር ዓበይቲ ማሽነሪታት ብምውፋር፡ ህይወት ናይ ምድሓን ጻዕሪ ይቕጽሉ ከምዘለዉ፡ ኣብቲ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ተመልኪቱ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እታ፡ ሎሚ 12 ሰነ፡ ንግሆ ሰዓት 10:08 [ብኣቈጻጽራ እቲ ከባቢ] ካብ ህንዲ ንብሪጣንያ ዝነቐለት ምዃና ዝተነግረላ ነፋሪት፡ ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሕመዳባድ ከም ዝወደቀት ሮይተርስ ሓቢሩ።
እታ ነፋሪት፡ 232 ተሳፈርትን 12 ኣባላት ጕጅለ በረራን ጽዒና ናብ ለንደን ዝተበገሰት ኰይና፡ 256 መናብር ዘለዋ ዓባይ ነፋሪት ከምዝዀነት ኣሶሼትድ ፕረስ ይሕብር።
እታ በረራ ቝጽሪ AI171: ዝሓዘት ቦይንግ 787-8 'ድሪምላይነር' ዝዓይነታ ነፋሪት፡ ሓፍ ምስ በለት ነዊሕ ከይከደት ኣብ መንበሪ ኣባይቲ [መንቢ ሓካይም] ከምዝወደቐት ዝተፈላለዩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ኣሳእል የመልክቱ።
Flightradar24 ዝተባህለ ኣንፈትን ሃለዋትን ነፈርቲ ዝነግር መርበብ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ እታ ነፋሪት መስመር ኣሕመዳባድ-ለንደን፡ ንመወዳእታ ግዜ ሓበሬታ ዝሃበትሉ ድማ ሓደ ደቒቕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ድሕሪ ምልዓላ እዩ።
ሰበስልጣን ኣቭየሽን ህንዲ፡ ጕጅለታት ህይወት ኣድሕን ተዋፊሮም ከምዝለዉ ሓቢሮም።
ዛጊት ብዛዕባ ዝወረደ ጕድኣት ዝተገልጸ ነገር'ኳ እንተዘየለ፡ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ሓደጋ ወሪዱ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ምንጪ ስእሊ, AP
እታ ኣብ ለንደን ንሰዓት 18:25 ክትዓልብ ወጢና ዝነቐለት ነፋሪት፡ ቅድሚ ሕጂ ናብ ፓሪስ፡ ፍራንክፈርት፡ ቶክዮ፡ ማስተርዳም፡ መልበርን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን በረራታት ከምዘካየደት ሰነዳታ ይሕብሩ።
ብሰንኪ'ዚ ሓደጋ፡ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሕመዳባድ በረራታቱ ንዘይተወሰነ ግዜ ደው ኣቢሉ ዝነበረ ወሃቢ ቓል እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ሓቢሩ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ካብ ሚኒሰትሪ መጓዓዝያ ህንዲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ሕጂ በረራ ጀሚሩ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, FLIGHT RADAR




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







