ቦይንግ፡ ምስ ክልተ ዓበይቲ ሓደጋታት ብዝተኣሳሰር ኣብ ናይ ዘይምኽሳስ ስምምዕ በጺሑ

ቦይንግ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቦይንግ፡ ኣብ መገዲ ኣየራት ኢትዮጵያን ኢንዶኔዥያን ምስ ዘጋጠሙ ክልተ ሓደገታታት ማክስ 737 ብዝተሓሓዝ፡ ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ናይ ዘይምኽሳስ ስምምዕ ክገብር ምዃኑ፡ ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ እዞም ኣብ 2018 ከምኡ'ዉን 2019 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ዘጋጠሙ ሓደጋታት 346 ሰባት ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ኣብ ልዕሊ ኵባኒያ ቦይንግ ዝቐርብ ክሲ ምትላል ክለዓል'ዩ።

ቦይንግ፡ ሰብ መዚ ኣቪየሽን ፌደራል ዘካይዴዎ መርመራ ከም ዘዐንቀፈ ተኣሚኑ፡ ነቲ ዝፈጸሞ ጥፍኣት 1.1 ቢልዮን ዶላር ክኸፍል ተሰማሚዑ ኣሎ።

መንግስቲ፡ ስድራ ግዳያት ከም ዘዘራረበ ብምግላጽ፡ ብዙሓት ነቲ ስምምዕ ወይ ከም ዝድግፍዎ ወይ ከም ዘይቃወምዎ ገሊጹ። ኣባላት ስድራ ገለ ካብቶም ግዳያት ግን ነቲ ስምምዕ ብትሪ ነቒፎሞ ኣለዉ።

ኣብ 2019 ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘጋጠመ ሓደጋ ሓደጋ ሓፍቱ ዝሞተቶ ጃቪየር ደ ሉዊስ፡ በቲ ውሳነ ከም ዝተቘጥዐ ገሊጹ።

"እዚ ውሳነ፡ ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከባ ኵባንያታት ዘሕልፎ መልእኽቲ፡ ፍርያትኩም ንዓማዊልኩም ውሑስ ንምግባር ኣይትጨነቑ፤ እንተቐተልኩምዎም'ዉን፡ ንእሽቶ መቕጻዕቲ ጥራይ ከፊልኩም ክትቕጽሉ ትኽእሉ ኢዅም ዝብል'ዩ፡" ኢሉ።

ንኣዝማድ ግዳያት ዝውክል ጠበቓ ፖል ካሴል፡ እቶም ስድራቤታት ቤት ፍርዲ ነቲ ስምምዕ ንኽነጽጐ ከእምኑ ጻዕሪ ክገብሩ'ዮም ኢሉ።

"ከምዚ ዓይነት ናይ ዘይምኽሳስ ስምምዕ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥን ኣብ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ንዝተፈጸመ ኣዝዩ ቀታሊ ገበን ጌጋ ምዃኑ ርዱእን'ዩ፡" ኢሉ።

ቦይንግ ብዓርቢ ምሸት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዝዀነ ርእይቶ ከም ዘይብሉ ገሊጹ። ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ'ዉን ርእይቶ ኣይሃበን።

ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ብዓርቢ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ቦይንግ ብፌደራላዊ ምምሕዳር ኣቬሽን ኣመሪካ (FAA) ንዝካየድ መርመራ "ንምዕንቃፍን ንምትእጉጓልን ውዲት ከም ዝፈጸመ" ከም ዝእመንን ልዕሊ 1.1 ቢልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ከም ዝኸፍልን ገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቦይንግ ኣብ ጸረ ምትላል ስነ-ምግባርን ዝኽተሎ መስርሕ ምምሕያሽ ምግባር እውን ክቕጽል ክግደድ እዩ።

ነፈርቲ ቦይንግ ማክስ 737፡ ኣብ 2019 ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ኣብ ዝበጽሐ ሓደጋ በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ እተን ነፈርቲ ንኣስታት ክልተ ዓመት ብደረጃ ዓለም ከይበራ ተኣደጊን ነይረን።

ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 157 ሰባት ኵሎም ሞይቶም።

ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ እቲ ደሓጋ፡ ብላዮን ኤየር እትውነን ማክስ 737 ካብ ጃካርታ ኢንዶኔዥያ ድሕሪ ምብጋሳ ነዊሕ ከይጸንሐት ኣብ ባሕሪ ጃቫ ተሓምሺሻ። ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 189 ሰባት ድማ ሞይቶም።

ክልቲኦም ሓደጋታት ምስ ስሕተት ዘለዎ ስርዓተ ምቁጽጻር በረራ ዝተኣሳሰሩ እዮም።

ኣብ 2021፡ ኣብ መዛዘሚ መዓልታት ናይ መጀመርታ ፕረዚደንትነት ትራምፕ፡ ቦይንግ ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ስምምዕ በጺሑ፡ እዚ ድማ ንሰለስተ ዓመት ካብ ክሲ ዝከላኸለሉ እዩ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ፌደራል፡ ቦይንግ እዚ ስምምዕ፡ ሕጋጋት ኣመሪካ እንትጥሓሱ ንምፍላጥ ዝዓለመ ስርዓትን መደብ ስነ-ምግባርን ብዘይምዝርግሑን ተግባራዊ ብዘይምግባሩን ሕጊ ጥሰሱ'ዩ ኢሎም።

እቲ ስምምዕ ቅድሚ ምውድኡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ፡ ብመገዲ ኣየር ኣላስካ እትዝወር ዝነበረት 737 ማክስ 9 ዝዓይነታ ነፋሪት ማዕጺኣ ተገንጺሉ ወዲቑ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቦይንግ መስርሕ ፍርዲ ንምትራፍ ብገበን ምትላል ገበነኛ ምዃኑ ክእመን ተሰማሚዑ እኳ እንተነበረ፡ ዳኛ ፌደራል ኣብ ዙርያ እቲ ስምምዕ ዘለዎ ስግኣትን ክፍተት ሕግን ብምጥቃስ ነጺጕዎ።

ክፍሊ ፍትሒ እቲ ስምምዕ ምስ ተዛዘመ ክሳብ መወዳእታ ዝመጽእ ሰሙን ነቲ ጕዳይ ክስረዝ ጥርዓን ከቕርብ ትጽቢት ይግበር።

ክፍሊ ፍትሒ ኣብ ዘእተዎ ደብዳበ፡ "እዚ ስምምዕ፡ ቦይንግ ተሓታቲ ካብ ምግባር ብዝሰገረ፡ ንልዑል ረብሓታት ዋሕስ ዝህብ እዩ። እዚ ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ብምቕራብ፡ ዝመጽእ ዘይርጉጽነትን ክትዓትን ክተርፍ ይገብር፡" ኢሉ።

ብዙሓት ስድራ ግዳያት ንነዊሕ እዋን ሰበስልጣን ቦይንግ ዝነበሩ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ክሓቱን እቲ ክሲ ገበን ንክቋረጽ ዝግበሩ ፈተናታት ክቃወሙን ጸኒሖም'ዮም።

ጓል 28 ዓመት ጓላ ብሓደጋ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝስኣነት ፈረንሳዊት ካትሪን በርቴት፡ ቦይንግ ካብ ገበን ናጻ ንምግባር ተዝበጽሐ ስመምዕ ከም ዘግረመላ ተዛሪባ።

"[መንግስቲ] እታ ኣዝያ ዝፈትዋ ጓለይ ካሚል ሓዊሱ 346 ሰባት ክሞቱ ዝገበረ ቦይንግ ካብ ክሲ ክሃድም ዝገብር ዕሙት እምነት ኣዕብዩ'ዩ ኢላ፡"።