ብዙሓት ተመሃሮ ዝቐተለ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ነፋሪት ባንግላደሽ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ባንግላደሽ ሓንቲ ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣብ ልዕሊ ቤትምህርቲ ብምውዳቓ ብውሕዱ 31 ሰባት ሞይቶም።
ዝበዝሑ ካብቶም ግዳያት ተመሃሮ ምዃኖም ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም ኣለዉ።
እቲ ቤት ትምህርቲ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ 18 ዕድመ ዘለዎም ኣስታት 2000 ተመሃሮ ዘንግድ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።
እታ ኣብ ርእሰከተማ ዳካ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ኲናት ኣብ ስልጠና ዝነበረት ምዃና ይግለጽ።
ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ከተማ ዝርከብ ብዓል ክልተ ደርቢ ህንጻ ድሕሪ ምውዳቓ ሓያል ባርዕን ጽዑቕ ትኪን ናብ ሰማያት ክዓርግ ተራእዩ።
ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ ኤፍ-7 ዝዓይነታ ነፋሪት ሓይሊ ኣየር መካኒካዊ ጸገማት ከምዘጋጠማ ጠቒሱ። ኣብራሪኣ ሓደ ካብቶም ዝሞቱ ግዳያት ምዃኑ'ውን እቲ መግለጺ የመልክት።
ልዕሊ 50 ኣብቲ ሓደጋ ዝቖሰሉ ሰባት ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ሓደ ሓኪም ሆስፒታል ተዛሪቡ።
መምህር ናይቲ ኮለጅ ዝኾነ ረዛውል ኢስላም፡ እታ ነፋሪት ብቐጥታ ነቲ ህንጻ ክትሃርሞ ከምዝተዓዘበ ንቢቢሲ ቋንቋ ባንግላ ተዛሪቡ።
መስዑድ ታሪክ ዝተባህለ ክልእ መምህር ናይቲ ኮለጅን ቤትምህርትን ብወገኑ፡ ሓያል ነትጒ ከምዝሰምዐ ብምሕባር "ንድሕሪት ቁሊሕ ምስበልኩ ባርዕን ትኪን ጥራይ'የ ተዓዚበ . . . ብዙሓት ኣለይቲን ቆልዑን እዮም ነይሮም ኣብዚ" ኢሉ።
ሓደ ካብቶም ተመሃሮ'ውን፡ እታ ነፋሪት "ኣብ ቅድሚ ዓይነይ" ምስቲ ህንጻ ክትጋጮ ከምዝራኣየ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መካኒካዊ ጸገማት ከምዘጋጠማ ዝተረድአ ኣብራሪ ናይታ ነፋሪት ትለንተ ታውኪር ኢስላም፡ ካብቲ ጽዑቕ ህዝቢ ዝርከበሉ ከባቢ ከርሕቓ ከምዝፈተነ ሰራዊት እታ ሃገር ሓቢሩ።
እታ ነፋሪት ካብቲ ኣብ ርእሰከተማ ዳካ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር እያ ተበጊሳ ነይራ።
ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ናብ ቦታ ሓደጋ ብምኻድ ህይወት ንምድሓን ጻዕርታቶም ይቕጽሉ ከምዘለዉን፡ ቁሱላት ናብ ዝተፈላለዩ ሆስፒታላት እታ ከተማ ከምዝተወስዱን ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።
ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ንምምርማር ሓደ ጉጅለ ከምዝቖመ ሰራዊት ባንግላደሽ ኣፍሊጡ'ሎ።
መራሒ መሰጋገሪ መንግስቲ እታ ሃገር ዝኾነ መሓመድ ዩኑስ፡ ነቲ ሓደጋ ንምጽራይ "ኣድላዪ ስጉምቲ" ከምዝውሰድ ብምግላጽ፡ "ኣድላዪ ደገፍ ከምዝወሃብ" ተዛሪቡ።
"እዚ ንሃገርና ዓሚቚ ናይ ሓዘን ህሞት'ዩ። እቶም ዝቖሰሉ ቀልጢፎም ክሓውዩ እምነየሎም፡ ዝምልከቶም ሰብመዚ፡ እንተላይ ሆስፒታላት ድማ ብልዑል ተገዳስነት ነቲ ኩነታት ክገጥምዎ እዝዝ" ኢሉ።
ጽባሕ ሰሉስ ኣብ መላእ እታ ሃገር ናይ ሓዘን መዓልቲ ኮይኑ ክውዕል'ውን መንግስቲ ኣዊጁ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



