ሰዓብቲ ዩትዩብ ንምርካብ ነፋሪት ዘውደቐ ውልቀሰብ

ሰዓብቱ ንምውሳኽ ክብል፡ ኮነ ኢሉ ነፋሪቱ ዘውደቐን ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ንመርመርቲ ኣመሪካ ናይ ሓሶት ቃል ዝሃበን ትሬቨር ያኮብ ዝተበሃለ ዩትዩበር ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክእሰር ተፈሪዱ።

እቲ ወዲ 30 ዓመት ውልቀሰብ፡ ኣብ ታሕሳስ 2021 ሓደጋ ነፋሪት ከም ዘጋጠመ ኣምሲሉ ነፋሪቱ ክትወድቕ ዘርኢ ቪድዮ’ዩ ዘርጊሑ። ንሱ ካብታ ነፋሪት ወጺኡ ‘ሰልፊ ስቲክ’ - ንባዕሉ ዝቐርጸሉ መሳርሒ - ብኢዱ ሒዙ’ዩ ብፓራሹት ናብ መሬት ወሪዱ።

እቲ ቪድዮ ብሚልዮናት ተራእዩ’ዩ።

ያኮብ ኣብ ዝገበሮ ናይ እምነት ስምምዕ፡ ነቲ ቪድዮ ከም ኣካል ውዕል ስፖንሰርሺፕ ከም ዝቐረጾ ገሊጹ።

እዚ ተቐዳዳማይ ስኖቦርደር ኦሎምፒክ ነበር፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ንፈደራላዊ መርመራ ብምዕንቃፍ ኣብ ዝብል ገበን ሓበሬታ ምጥፋእን ምሕባእን ተኣሚኑ’ዩ።

ያኮብ "ነዚ ገበን ዝፈጸሞ ብዓቢኡ ንነብሱ ሽፋን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዜናን ንምፍጣርን ፋይናንሳዊ መኽሰብ ንምርካብን እዩ" ክብሉ ኣብ ካሊፎርንያ ዝርከቡ ኣኽበርቲ ሕጊ ፈደራል ብሰኑይ ገሊጾም።

"እንተዀነ እዚ ዓይነት 'ድፍረት' ኣካይዳ ክጽወር ኣይክእልን'ዩ" ክብሉ ወሲኾም ገሊጾም።

ያኮብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ፍርዲ "ቅኑዕ ውሳነ" ክብል ገሊጽዎ።

ኣብ ሕዳር 2021፡ ያኮብ ኣብ ነፋሪቱ ካሜራታት ተሰቒለን ንበይኑ ብነፋሪት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ሳንታ ባርባራ ካሊፎርንያ ተበጊሱ። ንባዕሉ ዝቐርጸሉ ካሜራታትን ፓራሹትን ሒዙ ነይሩ።

ንሱ "ኣብቲ ዝደለዮ ቦታ ክበጽሕ ኣይሓሰበን፤ ኣብ ክንድኡ ኣብ እዋን በረራ ካብ ነፋሪቱ ክወጽእን ንባዕሉ ብፓራሹት ናብ መሬት እናወረደ ነፋሪቱ ክትወድቕ እንከላ ብቪድዮ ክቐርጽ መደብ ነይርዎ" ይብል መግለጺ ቤት ጽሕፈት ኣኽበርቲ ሕጊ።

እታ ነፋሪት ምስ ተበገሰት ድሕሪ 35 ደቓይቕ ኣብ ሃገራዊ ጫካ ሎስ ፓድረስ ተሓምሺሻ። ያኮብ ናብቲ ቦታ ብእግሩ ብምኻድ ነቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ረኺብዎ።

ብድሕሪኡ "ነፋሪተይ ኣውዲቐ" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ቪድዮ ብ23 ታሕሳስ ናብ ኣብ ዩትዩብ ዘርጊሑ፤ እቲ ቪድዮ መወዓውዒ ሓደ ኩባንያ ቦርሳ ኩባንያ ዝሓዘ ምዃኑ ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም።

ገለ ተዓዘብቲ፡ ያኮብ ድሮ ፓራሹት ከም ዝገበረን ነታ ነፋሪት ብሰላም ንምዕላብ ዝዀነ ፈተነ ከም ዘይገበረን ብምግንዛብ፡ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ተጠራጢሮም ነይሮም።

ንሱ ብዛዕባ'ቲ ሓደጋ ንሃገራዊ ቦርድ ድሕነት መጓዓዝያ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ነቲ ስብርባር ናይ ምዕቃብ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ገሊጹ። ድሒሩ እታ ነፋሪት ዝወደቐትሉ ቦታ ኣበይ ከም ዝዀነ ከም ዘይፈልጥ ገሊጹ።

እንተዀነ ብሄሊኮፕተር ናብቲ ቦታ ከይዱ ነቲ ስብርባር ከም ዝኣከበን ድሒሩ ከም ዘዕነዎን ተኣሚኑ’ዩ።

እቲ ቪድዮ ቅድሚ ምእላዩ ዳርጋ ሰለስተ ሚልዮን ግዜ ተራእዩ።