ነፋሪት ከውድቕ ፈቲኑ ዝተባህለ ፓይለት ብ83 ገበናት ተኸሲሱ

ካብ ስራሕ ወጻኢ ኣብ ዕረፍቲ ዝነበረ ፓይለት፡ ብሰንበት ምሸት ንሓንቲ ኣብ በረራ ዝነበረት ነፋሪት ተጓዓዝቲ ከውድቓ ድሕሪ ምፍታኑ ብ83 ገበናት ፈተነ ቅትለት ተኸሲሱ።

እቲ ጥርጡር ኣብ ኮክፒት (ክፍሊ መቈጻጸሪ በረራ) ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኣላስካ፡ ብድሕሪ ካፕቴንን ቀዳማይ መኮነንን ኮፍ ኢሉ ከምዝነበረ እቲ መንገዲ ኣየር ይሕብር።

ሰነድ ፖሊስ ከምዘመልክቶ እቲ ጥርጡር ወዲ 44 ዓመት ኰይኑ ጆሴፍ ደቪድ ኤመርሰን ይበሃል።

ኣብታ ካብ ዋሽንግተን ናብ ሳንፍራንሲስኮ ካሊፎርንያ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት 80 ተሳፈርቲ ነይሮም።

ድሕሪ'ቲ ፍጻመ፡ ኣንፈት ጕዕዞኣ ናብ ፖርትላንድ ኦሪገን ከምዝተቐየረን ጉድኣት ከይወረደ እቲ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወን ሰብመዚ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

መንገዲ ኣየር ኣላስካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ዕረፍቲ ዝነበረ ፓይለት ብድሕሪ ኣብረርቲ ኣብ ዘሎ መንበር ኮፍ ኢሉ እናተጓዕዘ እንከሎ፡ "ንንጥፈት ሞተራት ንምትእጉጓል ፈቲኑ ግን ኣይተዓወተን" ኢሉ።

ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪት ዝነበሩ ኣባላት በረራ ድማ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ንመቈጻጸሪ ትራፊክ ኣየር ሓበሬታ ሂቦም።

ኣብ ቅዳሓት ድምጺ ናይቲ ምስ ምቍጽጻር ትራፊክ ኣየር ዝተገበረ ርክብ፡ ሓደ ካብቶም ፓይለታት "እቲ ሞተራት ክዓጹ ዝፈተነ ሰብኣይ ካብ ኮክፒት ኣውጺእናዮ ኣለና። ብዛዕባ ተግባሩ ዕጅብ ዝበሎ’ውን ኣይመስልን" ክብል ተሰሚዑ።

ናብ መሬት ምስዓለቡ ብቕልጡፍ ፖሊስ ክበጽሓሎም ከምዝደልዩ ከኣ ኣፍሊጡ።

ኦብሪ ጋቨሎ ዝተበሃለት ተሳፋሪት ንኤቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እታ ነፋሪት ብቕልጡፍ ክትዓልብ ከምዘለዋ ክሳብ ዝሕብር እቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ተጓዓዝቲ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ጸገም ዝፈልጥዎ ነገር ከምዘይነበረ ተዛሪባ።

ሓደ ካብ ኣባላት በረራ ድማ ነቲ ጥርጡር "ደሓን ክንከውን ኢና፤ ጸገም የለን። ካብ ነፋሪት ከነውርደካ ኢና" ክብሎ ከምዝሰምዐት እውን ወሲኻ ገሊጻ።

ነዚ ምስ ሰምዐት ከኣ ከቢድ ሕክምናዊ ህጹጽ ኵነታት ዘጋጠመ መሲልዋ።

ኣብዚ እዋን እቲ ፍጻመ ብፖሊስ ፖርትላንድን ኤፍ.ቢ.ኣይን ይምርመር ከምዘሎ መንገዲ ኣየር ኣላስካ ኣፍሊጡ’ሎ።

ነቲ ተግባር ዝፈጸመ ፓይለት ኤመርሰን፡ ብዘይካ እቲ ብፈተነ ቅትለት ዝቐረበ ክሲ ብኻልኦት 83 ገበናት ከምኡ’ውን ነፋሪት ኣብ ሓደጋ ብምእታው ዝብሉ ክስታት ቀሪቦምሉ ኣለዉ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ ከኣ መርመራ ይቕጽል ከምዘሎ ተገሊጹ።